ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ሃገራት ዳግማይ ናብ ሓቀይና ዘተ ከብላ ሓቲቶም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ሃገራት ዳግማይ ናብ ሓቀይና ዘተ ከብላ ሓቲቶም  (AFP or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ ሃገራት ዳግማይ ናብ ሓቀይና ዘተ ከብላ ሓቲቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ 2023 ዓ.ም. ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እዚ ናይ ሎሚ ዓውሎማዊ ኪደት ንኹላትና ኣቀራሪቡና እዩ፡ ይኹን እምበር ኣሕዋት ክገብረና ግን ኣይከኣለን፡ ብርግጽ ብጥሜት ሕውነት ንሳቐ ኣሎና” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፥ እዚ እናሃለወ፥ “ሰላም ተኻኣሊ እዩ፥ ብሓቂ ፍቓደይና ምዃን የድሊ፥ ንሰላም ፍቓደይና ምዃን! ካብኡ ሓሊፉ እውን ሰላም ግዴታ እዩ”

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሃገራት መንፈስ ኣገልግሎት ከማዕብላ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዙሕነታዊ ስርዓት ማለት ከም ሕቡራት ሃግራትን ውድብ ንግዲ ዓለም ዝኣመሰሉ  ንሃገራት ናብ ሓደ ኣምጺኡ ዝዝትይሉን ውሳኔታት ዝህብሉን ስርዓት ውዳቤታት ኣብ ቅላውላው ይርከብ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዖ መደረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ‘ምትእምማን ዳግማይ ምህናጽን ምብርባር ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን” ንዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተወፈየ ዓውደ ኣኼባ፥ ንቕድስቲ መንበር ኣገዳሲ ዝኾኑ እዚ እውን መዋቕራዊ ሕዳሴ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ካብ ዝብል ጀሚሩ ብዝሓ ጎድናውነትን ከምኡ እውን ሰብ ሰርሖ ቀልብን ወገናውነትን ብሔርተይናነትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ዝተንከፉን፥

ብዝሓ - መድረኻት ‘ብዝሓ ጎናውነት’ ከም መራኸቢ ቦታታት

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብቐዳምነት፥ ኣብ ብዝሓ - ጎድናውነት ሓቀይና ዘተ ክህሉ ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም፥ ኣብዞም መድርኻት እዚኦም ኩለን ሃገራት፥ “ብልኡኻተን ኣቢለን ኣብቲ ዝተወሃበ ርእሰ ጉዳይ በብወገኖም ዘለዎም መርገጺ ኣብ ምግልጻ ቃላት የውሕዙ፡ እንተኾነ ግን “ኩሎም ድማ ብወገን ውልቀ ሃገራት ናይ  ምስማዕ ድልውነት ኣይረኣይን። ስለዚ “ሃገራት ንጠለባት ካልኦት ሃገራት ምስማዕን ምስአን ምዝታይን ቀዳምነት ክህባሉ ኣለዎ፡፥ “ብዙሓ ጎናውነትን ብዙሕነታዊ መድርኻትን ኣብ መንጎ ሃገራት ሓቀይና ርክብን ዘተን ዝካየደሉ ቦታ” ምዃኑ ብምዝኽካር ‘ብዝሓ ጎናውነት’ ክህሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መንግስታት ኣብ ኣገልግሎት እቶም ኣዝዮም ተኣፋፍያን

ኣብ ብዙሕነታዊ ዘተን ርክብን ዝሳተፉ ብተወሳኺ፥ “መንፈስ ኣገልግሎት ዳግማይ ክረኽቡ” ተላብዮም፥ “ምግልጋል ማለት ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ህዝብታትና ንዝተበላሸወ ምሕብሓብን ምዕራይን ማለት እዩ፡ ከም ኣካል ናይዚ ሓባራዊ ተወፋይነት እዚ መንgስታት ኣብ ቅድሚ ጭቡጥ ኣጠማምታ ናይቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ንናይ ገዛእ ርእሶም ድሌታትን ትጽቢታትን ድሌታት ሉኣላውነት ወይ ኩለ ሓያልነት ንጎኒ ክገድፉ ኣለዎም፡” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኑከለሳዊ ስግኣት

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ካልእ ዝተንከፍዎ ነጥብ፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ምውጋድ ኑክለሲያዊ ኣጽዋር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እቲ ዘሕዝን ግን ሓደጋ ኑክለሳዊ ኲናት ኣብ ወለዶታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡ መጻኢ ክትግምቶ ብዘይከኣል ስግኣት ኑክለየሳዊ ሓደጋ ዝልለ ከም ዝመስልን እዚ ድማ እቲ ዝግበር ዘሎ ቅድድም ኣብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር የረጋግጾ ( . . . ) ስለዚ ዓለም ካብዚ ክምለስ ኣለዎ። ቅዱስ ኣቦና፥ “እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ፍጹም ምውጋድ ኑክልሳዊ ኣጽዋር ብድሆን ግብረ ገባውን ሰብኣውን ግዴታ ይኹን” ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ዓለም ኣብ ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሓደገይናን ኩላውን ጻዕሪ ከካይድ ከም ዝተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስግኣት ሓድሽ እደ-ጥበብ

ብጹዕነቶም ቀጺሎም፥ ብዛዕባ ሓደጋታት ሓድሽ ዕደ - ጥበባዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ሰብ ሰርሖ እደ ቀልብ ኣመልኪቶም፥ “ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ኣጠቓቕማን ምውህሃድን ስርዓታትን ኣሰራርሓትትን ምዕባለ መርበባዊn ዕቱብ ስነ ምግባራዊ ኣስተንትኖ ኣድላዪ እዩ” ከምኡ እውን ኣድልዎ ዝመልኦ ኣጠቓቕማ ናይዞም መሳርሒታት ንኣዝዮም ተቓላዕትን ዝተገለሉን ሰባት ኣብ ምጉዳእ ሱር ከይሰድድ ምዕያይ የድሊ።”

ካልእ ጸገም ከኣ ቀታሊ ዝኾነ ርእሰ ተመሓዳሪ ኣጽዋር ምፍጣር ዝግበር ዘሎ ቅድድም እዩ - ቢሎም - ወዲ ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ ልዕሊ ተግባራቱ ስነ ምግባራውን ግብረ ገባውን ማሕታኡ ክርእይን ክግምግምን ሳዕቤኑን ከስተውዕል ዝኽል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ መሰላት

ጋላገር ኣስዒቦም፥ ለምዘበን መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ውሳኔ ኵላዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜ ኣዋጅን መደብ ዕዮን ቪየና ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዚ ድርብ ዝኽሪ እዚ “ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዛዕባ መሰረት ሰብእዊ መሰላትን ምኽባርን ብዕምቆት ከነስተንትነሉ ይዕድመና . . . ኣብ ዓለም ክብረቶም መሰሎምን ዝሕረሙ ብዙሓት ጉጅለታት ከም ዘለዉ ድም ኣገሊጾም፡ እቶም ዘይተወልዱ ከምኡ እውን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጉ ዝምዝመዙ ግቡእን እኹል ደሞዝ ዘይክፈሉ ሰራሕተይናታት ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ መሰሎምን ክብሮምን ዝገሃሶም ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ከምዘለዉ ኣመላኺቶም፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝግበር ጸቕጢ እናሰፍሐ ይኸይድ ምህላዉ ኣውን ኣብሪሆም፡ ንኣስታት ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዝጸሉ ሽግር እውን ምዃኑን ሓሊፉ እውን ንስደት ዝዳርግ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መደምደምታ

ንቕድስቲ መንበር ብፉሉይ ዘተሓሳስባ ገለ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ግጭታት ዝካየደሎም ቦታታት፥ ዩክረይን ሶርያ . . . ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኒካራጓ ኣዘርበጃን ኣርመን ከተማ ኢየሩሳሌምን ጠቒሶም ከም ዘመላኸቱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ 2023 ዓ.ም. ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እዚ ናይ ሎሚ ዓውሎማዊ ኪደት ንኹላትና ኣቀራሪቡና እዩ፡ ይኹን እምበር ኣሕዋት ክገብረና ግን ኣይከኣለን፡ ብርግጽ ብጥሜት ሕውነት ንሳቐ ኣሎና” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፥ እዚ እናሃለወ፥ “ሰላም ተኻኣሊ እዩ፥ ብሓቂ ፍቓደይና ምዃን የድሊ፥ ንሰላም ፍቓደይና ምዃን! ካብኡ ሓሊፉ እውን ሰላም ግዴታ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 September 2023, 15:43