ድለ

2023.08.16 Il cardinale Parolin a Malakal in Sud sudan sulla barca che trasporta i rifugiati dal Sudan 2023.08.16 Il cardinale Parolin a Malakal in Sud sudan sulla barca che trasporta i rifugiati dal Sudan 

ጳጳስ ናይ ማላካል ፦ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ

እዚ ምብጻሕ ናይ ካርዲናል ፓሮሊን ንሰባት አብ መንጎ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብሓድነት ሓቢሮም መዕያይ ንቕድሚት ንኽግስግሱ ዝገብሮምን፣ ማሕበረሰቦምን ሃገሮምን መንግስቶምን ሰበኻኦምን ንኽሓንጹ ሓይሊ ዝህቦም ከም ምዃኑ ንኽርድኡ ዘኸሎም ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ካብ ውግእ ሱዳን ሃዲሞም ዝመጹ ስደታኛት ተዓቑቦሙሉ ዘለዉ መዓስከር ንምብጻሕ አብ ዝመጹሉ፣ ቡጹዕ አቡነ ስቲቫን ኒዮዶ አዶር ማይዎክ ናብ ሰበኻኦም ድሙቕ አቀባላ ጌሮሙሎም። አብ ክንዲ እቶም “ገለ እኳ ዝተረፈ ዘይብሎም” ብምዃን ድማ ናብ ዓለም ለኻዊ ማሕበረ ሰብ ጥርዓኖም አቕሪቦም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ማላካል ጳጳስ አቡነ ኒዮዶ አዶር ማይዎ ከም ዝበልዎ ናይ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናብታ አብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ማላካል ዝገበርዎ ምብጻሕ “ብሓቂ አገዳሲ” ከም ዝነብረ ይምስክሩ።

አቡነ ኒዮዶር ምስ ዜና ቫቲካን አብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት እቶም ብጹዕ ካርዲናል ዝገብርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብን፣ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምስቶም መክራ ዚወረዶም ዘሎ ሰባት ዘለዋ ቅርበትን ፍቕርን ሓድነትን ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ገለጾም።

እዚ ምብጻሕ ናይ ካርዲናል ፓሮሊን ንሰባት አብ መንጎ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብሓድነት ሓቢሮም መዕያይ ንቕድሚት ንኽግስግሱ ዝገብሮምን፣ ማሕበረሰቦምን ሃገሮምን መንግስቶምን ሰበኻኦምን ንኽሓንጹ ሓይሊ ዝህቦም ከም ምዃኑ ንኽርድኡ ዘኸሎም ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ብጹዕ አቡነ ኒዮዶ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 15 ነሓሰ ዝጀመረ ምብጻሕ ናይ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናብ ከባቢኦም፣ ንዓኦምን ንሰበኻኦምን ዝህቦም ተስፋ አመልኪቶም መግለጺ ሂቦም።

ነቶም ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ዕለት 16 ነሓሰ ካብቲ አብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሓዲሞም ብጃልባ ናብ ማላካል ንዝመጹ ስደተኛታት ብጹዕ ካርዲናል ከም ዝተቐበልዎምን፣ ሰሉስ ዕለት 15 ነሓሰ አብ ካቴድራል ማላካል መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ መዕራግ ድማ አብ መአንገዲ ማእከል ምስ ስደተኛታት ተራኺቦም።

ካብ ውግእ ምህዳም

ልዕሊ 42,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ማላካል ተዓቚቦም ይርከቡ አለዉ ።

ሰበኻ ናይ አቡነ ኒዮዶ ነቲ ዞባ ላዕለዋይ ኒልን፡ ጆንግለይን፡ ዞባ ዮኒቲ ስተይትስ ዘጠቓልል ኮይኑ አስታት 35,000 ዝኾኑ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝሰፈርዎ ብፍላይ ድማ አባላት ስድራቤቶም አባኡ ዘልዉዎም ኢዩ። መብዛሕቶም እቶም ስደተኛት አብ ዝሓለፈ ዓመታት ናብ ካርቱም ዝገዓዙ ደቡብ ሱዳውናዉያን ተመዛብልቲ እንክኾኑ፣ ብድምር ሓደ ሚልዮንን ፈለቓን ደቡብ ሱዳናውያን አብ ሱዳን እኳ እንተ ሃለዉ፣ ብዙሓት ካብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ብምህዳም ናብ ደቡብ ሱዳን ይምለሱ አለዉ።

ብግምት አስታት 200,000 ዝኾኑ ተመዛበልቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ተሊሶም እዮም። እዞም ስደተኛታት አባኡ እኳ እንተ በጽሑ ግዳይ እቶም ንኹሉ ዝዘምቱን ከተርትን እዮም ዝኾኑ ዘለዉ።

ብዙሓት አብ ዶብ ምስ በጽሑ ካብኡ ንደሓር ብናይ እኽልን ካልእ ጽዕነትን ዝነበረት ጃልባ ናይቲ ሰበኻ ተጻዒኖም ናብ ማላካል ይበጽሑ አለዉ።

በዚ ኸምዚ አብ ነፍስ ወከፍ ጕዕዞ ካብ 400 ኽሳዕ 800 ስደተኛታ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ መንገዲ ብጃልባ ይጕዓዙ አለዉ።

ጳጳስ ናይ ማላካል ፦ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ
ጳጳስ ናይ ማላካል ፦ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ

ሰላምን ዕርቅን የድሊ

ብጹዕ ኣቡን ኒዮዶ ኣዶር ማይዎክ ንዜና ቫቲካን ከም ዝሓበርዎ ሰበኻኦም ሓደ ካብቲ ብባህርያዊ ሓደጋትት ዝጥቃዕ ከባቢ ከም ምዃኑን ብውግዕ ዝዓነወ ዞባ ምዃኑን ገሊጾም። አብዚ እዋን እዚ ከአ እቲ ሰበኻ ብአሽሓት ዝቑጸሩ ካብቲ አብ ሱዳን ዝካየዘሎ ውግእ ሓዲምም ዝመጹ ስደኛታት ይእንግድ ብምህላው ነቲ አቐዲሙ አብቲ ዞባ ዝነበረ ሽግርን ጸገማትን ብድሆታት ወሲኺሉ ይርከብ አሎ። ብጹዕነቶም አብ መግለጺኦም ሰበኻ ማላካል ንስደተኛት ካብ ዶብ ሱዳን ናብ ማላካል ንምብጻሕ ድድል ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዘሎ መስኪሮም። ከምቲ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክበጽሑና ምስ መጹ ከም ዝበልዎ “እዚ ሕዝቢ እዚ ሰላምን ዕርቅን ከምኡ ውን ሓድነት ኢዩ ዘድልዮ።”

ብጹዕ አቡነ ኒዮዶ ከም ዝበልዎ ካርዲናል ፓሮሊን አብዚ እዋን እዚ ዝገበርዎ ምብጻሕ ከአ ንኹሉ ሰብ አዝዪ አገዳሲ ህሞት ምዃኑ እንክገልጹ፣ ከመይሲ ይብሉ ብጹዕነቶም እዞም ሕዝቢ እዚአቶም አብ ግጭት ሕድሕድ ዝነበሩ ሰባት ስለዝዀኑ ሓድነት ንኽህልዎምን ንቕድሚት ንኽግስግሱን ብርታዐ ንኽረኽቡን ዘኽእልም ክንድዝኾነ ኢዩ ይብሉ።

አስዕብ አቢሎም ከአ ናብ ሓድነትን ዕርቅን ንምብጻሖም ንምትሕብባር ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ገሊጾም። ነቲ ሕዝብታት ኒል ንኽዕረቑ ተስፋን ብርታዕእን ዝሓበ አገዳሲ ምብጻሕ ዝነብረ ናይ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ውን ይዝክሩ።

ጳጳስ ናይ ማላካል ፦ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ
ጳጳስ ናይ ማላካል ፦ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ምብጻሕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ

ጥርዓን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ  

ኣቡነ ኒዮዶ ኣዶር ማይዎክ “አብዚ ወላ ሓንቲ እኳ ዝተረፈ የብልናን” እንክብሉ “ነቶም አብዚ ዘሎናዮ ኩነታት እንከለና ዝመጹና ዘለዉ ስደተኛታትን ተምዛበልትን ብኸመይ ክንሕግዞአም ንኽእል?” ክብሉ ስምዕታ ናብ አሕጉራዊ ማሕበረሰብ የቕርቡ።

እቶም ጳጳስ ነቲ ውግእ ዘስዓቦ ዕንወትን ቃልስን እንክገልጹ ብጹዕነቶም እቶም ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቃልሲ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ ክብሉ ይገልጽዎ። ነዞም ስደተኛታት ካብ ዶብ ናብ ማላካል ንምብጻሕ ንዝግበር ሓደ ጕዕዞ ንነዳዲ ጥራይ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ሸሞንተ ሽሕ ዶላር አመሪካ ይወስድ፣ ብድሕሪኡ ድማ መግብን መዕቈብን ኪወሃቦም የድሊ፣ እቲ ዝኸፍአ ድማ አብዚ እዋን እዚ ሕማም ክለዓዓል ጀሚሩ አሎ።

“ስለዚ ኢድና አጣሚርና ኮፍ ክንብል አይንኽእልን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ከአ ከከም ክእለትና ንቕድሚት ክንስጕም ዝከአለና ክንገብር ንጽዕር ዘሎና” በሉ። እዚ ዝናም ዝዘንመሉ ወቕቲ ድማ ነቲ ብድሆታት ብኸመይ ከም ዘጋድዶ ዘሎ ውን ገለጹ፣ ከምይሲ “ሰባት ገዛእ ርእሶም ከጽልሉ ዝኸሉ እኹል ዓቕሚ የብሎምን፣ ቈልዑን አረጋውያንን ከአ ብዙሕ ሓገዝ የድልዮም አሎ” ክብሉ ዘለዎም ስክፍታታት ገለጹ።

አብ መደምደምታ አቡነ ኒዮዶ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ንመሻእኽቶምን ከምኡ ውን ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ክሕግዝዎም ጻውዒቶም አቕረቡ፣ ከመይሲ “እዚ አብዚ እዋን ዘሎ ዅነታት ብሓቂ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዘድልዩሉን ሰብአውነት ክግበር ዝሓተሉ ግዜ ኢዩ” እዞም ሕዝቢ እዚኦም ብህይወት ንኽነብሩን ናብራኦም ንኽመርሑን ህጹስ ሓገዝ የድሊ አሎ ክብሉ ናብ አህጉራዊ ማሕበረሰብ ጥርዓኖም የቕርቡ።

17 August 2023, 14:59