ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ እያ!" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ እያ!"  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ እያ!"

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኹሉ ሰብ ቦታ ከም ዘለዎ ደጋጊምካ ምንጋር እንታይ ማለት እዩ? ከም መብርሂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዘይረብሕ ሰብ የሎን፡ ትርፊ ዝኾነ ሰብ የሎን፡ ንኹሉ ቦታ ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ንሕና ዘለናዮን ዘለናሉን . . . ንኹሉ ሰብ! ‘ግን ኣነ ሕሱም እየ፡ ኣነ ሓጥእ እየ’ እሞ ንዓይ ቦታ የሎን ክብል ዝኽእል የሎን . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኹሉ ሰብ ቦታ ኣለዎ።

ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ ምሸት ኣብ ዋዜማ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት፥ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን “ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትን ንኹሉ ሰብ እትቕበልን እያ፥ ከምዚ ምዃና ድማ ኣምላኽ ከም ምዃንናን ከምዘለናዮን ስለ ዘፍቅረና እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ኣሎ . . . ንኹሉ፡ ንኹሉ፡ ንኹሉ! ቅዱስነቶ ነቶም ኣብ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ዝኾኑ ተጋባእያን ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኤድዋርዶ ሻብዓይ ኣብ ዝተኻየደ ዋዜማ ብኣጽንዖት ኣመልኪቶም፥ ኩሎም ተጋብእያን ነዘን ቃላት እዚኣተን ምስኦም ሓቢሮም ብዓውታ ክደግመወን ዓዲሞም፥ ነዚ ሓሳብ እዚ ብትብዓት ከቃልሕዎ ከም እተላበዉን እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘስምሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ ምሕረት ዝጀመረ መግለጺ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም እዩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኹሉ ሰብ ቦታ ከም ዘለዎ ደጋጊምካ ምንጋር እንታይ ማለት እዩ? ከም መብርሂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዘይረብሕ ሰብ የሎን፡ ትርፊ ዝኾነ ሰብ የሎን፡ ንኹሉ ቦታ ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ንሕና ዘለናዮን ዘለናሉን . . . ንኹሉ ሰብ! ‘ግን ኣነ ሕሱም እየ፡ ኣነ ሓጥእ እየ’ እሞ ንዓይ ቦታ የሎን ክብል ዝኽእል የሎን . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኹሉ ሰብ ቦታ ኣለዎ። “ምኽንያቱ ኣምላኽ የፍቅረና እዩ፡ እግዚኣብሔር ከም ዘለናዮ እምበር ከምቲ ንሕና ክንኮኖ እንደልዮ ወይ ከምቲ ሕብረተሰብ ክንኮኖ - ዝጽበየና ኣይኮነን፡ ከም ዘለናዮ የፍቅረና። ብጉድድለታትናን ድሩትነትናን ኣብ ህይወት ክንስጉም ብዘለና ድሌትን የፍቅረና እዩ። እግዚኣብሔር ይጽውዓና። ኣምላኽ ኣቦ እዩ እሞ፡ ፈቃር ኣቦ፡ ዘፍቅረና ኣቦ ኣብ ምዃኑ እምነት ይሃልኻ።”

ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ዝህብን ዝሰምዖን ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ብዙሓት ከም ዘይኮንዎ ኮይኖም ክቐርቡ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ዘዘኻኽሩና ዘለዉ ንላዕሊ ዝስሕብን ሰውራውን መልእኽቲ የሎን፡ እግዚኣብሔር ልክዕ ከም ዘለናዮ የፍቅረና፡ ኩሉ ግዜ ይቕረ ይብለልና፡ ብኽፉታት ኣእዳዉ ይጽበየና፡ ምሕረቱ ድማ ይህበና።

እዚ ንቕሓት እዚ ካብ ዓቕሚ ወዲ ሰብ ሓሊፉ ናብ መለኮታዊ ዝበጽሕ ስነ መጎት ዝውክል ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ከተማ ኢያሪኮ ዝነበሩ ኩሎም ዘይፈትዎ ሓጢኣተይና መጸብሕ - ተቐባሊ ቐረጽ ዜክዮስ ዝገልጽ ክፋል ወንጌል ንመሃሮ። ዋላ እኳ ካልኦት ብዛዕባኡ ርእይቶ እንተሃለዎምን ብዛዕባ ነብዪ ናዝራዊ ክፈልጥ ድሌት እንተነበሮን፡ ዘኬዎስ ኣብ ሳግላ ደይቡ ኣብ መንጎ ኣቑጻል ተሓቢኡ ክሓልፍ ይጽበ፡ ኢየሱስ መጀመርታ ይጥምቶ፥ መጀመርታ የፍቅሮ፥ ካብ ተዓዘብቲ ዝመጸእ ዘሕፍር ርእይቶታት ብዘየገድስ ናብ ቤት ዜኬዎስ ንርእሱ - ገዛእ ርእሱ ይዕድም!

ምሕረት ሕቝፊ ኢየሱስ ንምቕባል ቅድም ኩነት የብልናን! ክንክተሎ ዘሎና “መምርሕታት” ክንከታተሎ ዘሎና መሰናድኦ ምህሮ፡ ክትመሃሮ ዘለካ ሜላታት የሎን። ንሱ ክሓልፍ እንከሎ ህልውነት እኹል እዩ፡ ናብቲ ብፍቕርን ምሕረትን ዝመልአ ኣጠማምታኡ ኢድካ ምሃብ። መሰናኽላትና ኣልጊስና ክሓቝፈና ምፍቃድ ጥራይ እዩ ዘድልየና። ኣብ ገጽ እቶም መዓልታዊ ኣብ  መገድና ዘቐምጦም መሰኻኽር ኣናለለና።

ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ኣለዋ ልክዕ ከምቲ ንዘኬዎስ ንናዝራዊ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ መኣዲ ከአንግዶ ፍሉይ ዕድል ዝረኸበ። ናቱ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግንጢር፡ ብጸጋ ጥራይ ዝተዋህበ ናጻ ህያብ እዩ ነይሩ።

ኣጠማምታ ኢየሱስ፡ ጻውዒቱ፡ ንህይወት ዘኬዎስ ቀየሮ - ገላበጦ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ከምዘየነበሮ፡ ቅድሚሕጂ ተፈቒርዎ ብዘይፈልጥ ዓይነት ፍቕሪ ተፈቕረ፡ ኣብ ህላወኡ ዘሎ ዕምቆት ሓጢኣትን ብልሽውናን ክርድኦ ዘኽእል፡ እንተኾነ ንዜከዎስ ምልዋጥ ፍቕርን ይቕሬታን ንምርካብ ቅድመ ኮነት ኣይነበረን። ማለት ፍቕርን ይቕረታን ንምርካብ ናይ ዘኬዎስ ምልዋጥ ከም ቅድመ ኩነት ኣየንብርን።

እቲ ብርቱዕ ሓይሊ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ፡ ከመይሲ መለኮታዊ ምሕረት ምስ ረኸበ ሓጢኣቱን ብልሽውናኡን ክግንዘብ ከኣለ። ምሕረት ኣምላኽ፥ ድኻን ሓጥእን ምዃኑ ከም ዝፈልጥ ገበሮ።

እቲ “ዝተሓደሰ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብውዕዉዕ ስምዒት ዝተጸልወ “ኣብ መንጎ መንእሰያት ደጊሞም ዘቕረብዎ ዕድመ ሎሚ ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ እዩ - ንወንጌላውነት መፍትሕ እዩ!

ሓደ ሰብ ከም ምዃንና ዝቕበለናን ዝሓቕፈናን ፍሉያት ዝድለዩ ከም እንፍቀርን ይቕረ ዝተባህለናን ኮይኑ ዝስምዓና እንተዘይገበረ ካልእ እንታይ እዩ እሞ ከድልየና? ነዚ እንተዘየረጋገጸልና ካልእ እንታይ እዩ ከድልየና` ንዓኻ ውን ቦታ ኣሎ ኩነታትካ ብዘይገደስ።

08 August 2023, 16:08