ድለ

ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን መስርሕ ሰላም ንምትብባዕ ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን መስርሕ ሰላም ንምትብባዕ 

ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን መስርሕ ሰላም ንምትብባዕ

ካርዲናል ፓርሊን ናብ ሰበኻ ማላካልን ደሓር እውን ናብ ሩምቤክን ቅድሚ ምኻዶም ንዝኽሪ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ዝቐውም ጽላት ባሪኾም፡ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ከም እተራኸቡን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብተን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣንጎላ ነቶም ኣብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ኣንጎላዊ የኔታ ጀርማኖ ፔነሞተ ቅብኣተ ጵጵስና ፈጺሞም ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ዕለት 17 ነሓሰ ዝቕጽል ሓዋርያዊ ዑደት ንኸካይዱ ዕለት 14 ነሓሰ ጁባ ኣትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕንቶም ናብታ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበጽሐትን ቅዱስነቶም ኣብ ምልክት ሰላም ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መቐጸልታ ማለት  ናይ ሰላም መሰርሕ ንምትብባዕ ዝኣመተ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበትን ጸሎትን ንምርግጋጽ ኣሚቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስኮት ሰላም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጁባ ምስ በጽሑ ንኽልተ መዓልቲ ናብ ሃገረ ስብከት ማላካል ከም ዝኸዱን፡ ድሕሪኡ ሓሙስ ኣብ ሩምቤክ ክኣትዉ መደብ ከምዘሎ ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ መስከረም ካርዲናል ካብ ዝስመዩ ሓደ ዝኾኑ ጳጳስ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ከም ዝሓበሩን፡ እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ናይ ደቡብ ሱዳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝገበረትሎም ዕድመ ዘካይድዎ ዘለዉ ኮይኑ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተኸስተ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ማህሰይትን ብቐረባ ክዕዘቡን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን መስኮት ሰላም ንምርሃው እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር
ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር

ዕርቂ ብሓባር ክህነጽ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ዕርቂ ምንቕቓሕ ዝብል ዕማም ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤተ ክርስቲያንን ንፖለቲካ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሃገሮም “ኣጽዋር ጽልእ” ክውገድ ዝብል ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ሓዋያዊ ዑደት መዛዘሚ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዝገበረ ምብጻሕ እውን ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ሙላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ምርጫ በዚ ኣንፈት እዚ ቅርጺ ክሕዝ ኣለዎ፡ እቲ ምርጫ እውን ንደቡብ ሱዳን እወንታዊ ድርኺት ከም ዝኸውን ዘለዎም እምነት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዝርዝር መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካርዲናል ፓሮሊን

ካርዲናል ፓርሊን ናብ ሰበኻ ማላካልን ደሓር እውን ናብ ሩምቤክን ቅድሚ ምኻዶም ንዝኽሪ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ዝቐውም ጽላት ባሪኾም፡ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ከም እተራኸቡን ኣብ ካቴድራል ማላካል መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ናይታ ሃገር ናይ መግንስቲ ሰብ መዚ ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዩ መእከል ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ዕለት 16 ነሓሰ ኣብ ናይ ጁባ ሰበኻ ካቴድራል መስዋዕተ ቅድሴ ከዕርጉን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ቤት ትምህርት ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋ ምብጻሕ ከካይዱን ድሕሪ ቐትሪ ምስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዘገልግል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ምስ ተራኸቡ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን ውሉደ ክህነትን ኣብታ ሃገር ምስ ዘገልግሉ ገዳማውያንን ገዳማውያንት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብዘካይድዎ ርክብ ናይ ዕለት 16 ነሓሰ መደቦም ዛዚሞም፥ ዕለት 17 ነሓሰ ኣብ ሩምበክ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ዑደቶም ክዛዝሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

15 August 2023, 13:09