ድለ

መብርሂ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዛዕባ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሩሲያ መብርሂ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዛዕባ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሩሲያ 

መብርሂ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዛዕባ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ.

ቅዱስ ኣቦና ንዝኾነ ዓይነት ሃጸይነት ይኹን መግዛእቲ ኣብ ኩሉ ህዝብታትን ኩነታትን ተቓዋምን ነቓፍን እዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ኣብ ቅዱስ ፒተርስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሩሲያ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ብዛዕባ ሩሲያ ዝሃብዎ ዘስምዕዎ ቃል ከነጽሩ እንከለዉ፥ ር.ሊ.ጳ. “መንእሰያት ሩሲያ ነቲ ዓብይ መንፈሳዊ ባህላውን ውርሻታትን ሩሲያ ክዕቅቡን ከስፍሑን ከም ዘተባብዑን ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብትኽክል ዕለት 25 ነሓሰ ንመንእሰያት ካቶሊካውያን ሩሲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሰላምታ፥ መልእኽቱን ዕላማኡን ኣብቲ ዘድመጽዎ ዓውደ ጽሑፍ ንጹር ከም ዝኾነን፡ ቅዱስነቶም፥ መንእሰያት ኣብ ዓቢ ባህላውን መንፈሳውያን ወርሻታት ሩሲያ እወታዊ ዝኾነ ነገር ክዕቅቡን ከስፍሑን እዮም ዘተባብዑ።” ብርግጽ ድማ ንገለ ታሪኻዊ መወከሲ እዋናት ንምምልካት ዝተጠቕሱ ሃጸያዊ ስነ መጎታት መንግስታዊ ኣካላት ንምውዳስ ኣይኮነን” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስዒቦም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ንመንእሰያት ሩሲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ነቶም ኣብ ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ካተሪና ቤተ ክርስቲያን ንዝተኣከቡ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሩሲያ፥ “ዘራእቲ ዕርቂ” ክኾኑ ዓዲኖም፡ ባህላዊ ውርሻታቶም ፈጺሞም ከይርስዑ” ከም ዝሓተቱ ይሕብሩ።

“ዓባይ ሩሲያን ባህላዊ ታሪኻን” ተወኪሶም ጴጥሮስ ዓቢይን ካተሪና ካልአይትን ይጠቕሱ፥ እዚ እውን ኣብቲ ናይ ሞስኮ ሰበኻ እመ ኣምላክ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝዘርገሖን፥ ነዚ ስዒቡ ካብ ዩክሬይን “ር.ሊ.ጳ. ሃጸያዊ ሓሳባት ኣተባቢዖም ዝብል ሓያሎ ናይ ተቓውሞ ርእይቶ ከም ዝሃቡሉን ነዚ መስረት ዝገበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ኣብ ኪየቭ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ድሕሪ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ፡ ኣብ ኪየቭ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃዋርያዊ ልኡኽ፥ ነቲ ዝቐረበ ኩሉ ናይ ተቓውሞ ርእዮታት ነጺጎም፥ “ቅዱስ ኣቦና ንዝኾነ ዓይነት ሃጸይነት ይኹን መግዛእቲ ኣብ ኩሉ ህዝብታትን ኩነታትን ተቓዋምን ነቓፍን እዮም። እቲ ዕለት 25 ነሓሰ ዝተሰምዐ ቃላት ር.ሊ.ጳ. በዚ መገዲ እዚ እዩ ክስተውዓልን ክትርጎምን ዘለዎ” እንክብሉ መግለጺ ከምዝያቡ ኣፍሊጦም።

30 August 2023, 16:13