ድለ

2023.08.17 Il cardinale Parolin a Rumbek dove ha celebrato la messa per la pace e la riconciliazione 2023.08.17 Il cardinale Parolin a Rumbek dove ha celebrato la messa per la pace e la riconciliazione 

ካርዲናል ፓሮሊን ፦ “ደቡብ ሱዳን ንፍርሂ ብፍቕሪ ብምስጋር ሰላም ክትረክብ ትኽእል ኢያ”

ብጹዕ ካርዲናል ኣብቲ ሓሙስ ንግሆ እተገብረ ናይ ተቕባል ስነስርዓት አብ ዘቕረብዎ መደረ እዚ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ዘለዉ ንሳልሳይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ር. ሊ. ጳ ፍራንቸስኮ ንዝጀመርዎ መስርሕ ሰላም ንምድልዳልን ክሳብ ፍጻሜ ዝበጽሕ ከአ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ከም ምዃኑ ገለጹ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብታ ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ሩምበክ መስዋዕተ ቅዳሴ የዕሪጐም፣ ንጥቕሚ እታ ሃገር ኢሎም ኩሎም ዘጋታታ በቲ ሰላምን ዕርቅን ዝመልኦ መገዲ ኺጐዓዙ ዓደምዎም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ዕለት 17 ነሓሰ ናብታ ጥንታዊት ርእሲ ኸተማ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ዝነበረትን ሕጂ ድማ ርእሲ ከረማ ዞባ ለይክ ስተይትስ ዝኾነት ከተማ ሩምበክ በጽሑ ።

እዚ ምብጻሕ እዚ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቤተ-ክርስትያን ምስቶም ብባህርያውን ሰብኣውን ዕንወት ዝሳቐዩ ሰባትን ከምኡውን ምስ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዋ ንምሕባር ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ማላካል ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ምሕላፎም ዝገበርዎ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ።

ካርዲናል ፓሮሊን አብ ደቡብ ሱዳን
ካርዲናል ፓሮሊን አብ ደቡብ ሱዳን

መደባት ጸሎትን ሓድነትን

ብጹዕ ካርዲናል ሓሙስ ዕለት 17 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሩምበክ ምስ በጽሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ናብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ንኽገብሩ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብዙሕ ከም ዘሐጐሶም ገለጹ ።

ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጵ. ብምኽንያት ጥዕና ነቲ መዲቦሞ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኻልእ ግዜ ከመሓላልፍዎ ምስ ተገደዱ፣ ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከም ዝገብሩ ዘከሩ። ድሕርዚ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ 3-5 ለካቲት 2023 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ደቡብ ሱዳን ዳግም ተመልሱ።

ብጹዕ ካርዲናል ኣብቲ ሓሙስ ንግሆ እተገብረ ናይ ተቕባል ስነስርዓት አብ ዘቕረብዎ መደረ እዚ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ዘለዉ ንሳልሳይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ር. ሊ. ጳ ፍራንቸስኮ ንዝጀመርዎ መስርሕ ሰላም ንምድልዳልን ክሳብ ፍጻሜ ዝበጽሕ ከአ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ከም ምዃኑ ገለጹ።

ወሲኾም ድማ በዚ ናብ ከተማ ሩምበክ ዝገበርዎ ምብጻሕ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ናይ እምነትን ጸሎንት ከምኡውን ናይ ሕብረትን ሓድነትን ህሞት" ንምክፋል ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጹ።

ፍርሂ በታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ኢያ እትስጐግ

ድሕርዚ ብጹዕነቶም ኣብ ከተማ ሩምበክ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ከም ዘዕረጉ ተፈሊጡ።

ብጹዕ ካርዲናል አብ ስብከቶም፣ አብቲ ዝተበበ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኲሶም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ብፍርሒ ተዓጽዮም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ከም እተገልጸሎም ብምስትንታን ቃል አምላኽ አካፈልዎም።

"ብቐጻሊ ኣብ ስግኣትን ፍርህን ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" ቢሎም፣ ምኽንያቱ ዓመጻ ብቐሊልን ብዘይተፈልጠ ምኽንያትን ኪለዓል ይኽእል እዩ" በሉ።

ከምቲ ኢየሱስ ንፍርሂ ደቀመዛሙርቱ ከም ዘህድኦ፣ ናዓና ውን ጐይታ ናባና መጺኡ ኣባኡ ክንውከልን ክንአምኖን የዕድመና አሎ። 

ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ መብዛሕትኡ ግዜ አብቲ ለዋጢ ዝኾነ ሓይሊ ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ካብ ምእማን ንላዕሊ አብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓይልን ብርታዐን ዝያዳ ንኽንውከል ንፍተን ኢና ።

"ሓጢኣት ንሰባት ድኹማትን ተነቀፍትን ይገብሮም፣ ከምኡ ውን አብ ስቓይ ኻልኦት ተደናገጽቲ ንኸይኮኑ ይኽልክሎም፣  ንፍትሕን ሰላምን ምትሕብባርን ንምርካብ ከም ዘይጽዕሩ ይገብሮም፣  ዝያዳ ድማ ሕውነታዊ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ከም ዘይክእሉ ኢዩ ዝገብሮም" በሉ።

ይኹን እምበር ኣስዕብ ኣቢሎም "ፍርሃት በታ ፍጽምቲ ዝኾነት ፍቕሪ እዩ ዝውገድ" በሉ፣ ክርስትያን ከኣ ኣብ ኣምላኽ ብምውካልን ንሓቅን ፍትሕን ብምዕያይን ንፍርሃት ካባኡ ከወግዶ ይኸል ኢዩ።

ካርዲናል ፓሮሊን አብ ደቡብ ሱዳን
ካርዲናል ፓሮሊን አብ ደቡብ ሱዳን

ንልባትና ምስንዳው

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኸም ክርስትያን መጠን ንሓድሕድናን ወንጌልን ናይ ምግልጋል ግዴታ ከም ዘለና ብምስትንታን ስብከቶም ቀጸሉ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያን ናይ ምትዕራቕ ግዴታ ስለ ዝነበሮ እዚ ዕዮ እዚ ኣገዳሲ ኽፋል ክርስትያናዊ ተልእኾና ምዃኑ ብምግላጽ ንዅሎም ሰባት ዕርቂ ንምግባር ክዓዩ ተማሕጸኖም።

"ምሕረት አፍደገ ሰላምን ፍትሕን ዚኸፍተልና ቐንዲ መፍትሕ እዩ ፣ እዚ ኸኣ ክርስቶስ እቲ ኣብ መስቀል ዝረኸበልና ናይ ዕርቂ ምሕረትና እዩ " ክብሉ አስተምሃሩ ።

ወሲኾም ድማ "ወይ ልባትና ብይቕሬታ ናጻ ንገብሮ ወይ ድማ ነቲ አብ መንጐና ዘሎ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ  ዓመጽ ዝመልኦ መገዲ ክንጥቀም ንርከብ በዚ ኸምዚ ድማ ገዛእ ርእስና ነጥፍእ" ክብሉ አጠንቀቑ።

እቶም ብጹዕ ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ ሓይልን ዓመጻን ዘይምጥቃም እቲ እንኮ ምርጫና ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ምፍልላይን ዘይምርድዳእን ክንፈትሓሉ እንኸል መንገዲ ክኸውን አለዎ በሉ።

ደቡብ ሱዳን "ክንየው ኵሉ ፍልልያት ክጥምትን" ምብትታን ሕብረተሰብ ዘብቅዓሉ መገድታት ከናድዩን ኣለዎም ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድነትና ኢዩ፣ ከመይ ንሱ ናባና ዝመጸሉ ጉዳይ እንተ አልዪ ሓደ ኽገብረናን ንሓድነትና አባኡ ዝተሰረተ ክገብሮ ስለዝደለየን ኢዩ ክብሉ ገለጹ ።

ካርዲናል ፓሮሊን አብ ስብከቶም ኩሎም ምስጢራት ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም ከም ዘሎ ንኽፈልጡን ንመገዲ ሰላም ንኽቕበሉን ጻውዒት የቕርቡ ኢዮም ድሕሪ ምባል።

"ፍትሕን ሰላምን ክትደልዩ ኸሎኹም ጐይታናን ኣምላኽናን ዝበሎ ስምዑ" ምስ በሉ "ክርስቶስ ናይ አቦ ቃል ሰላምና እዩ።"

መስርሕ ሰላም እንደገና ምጅማር

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ደቡብ ሱዳን አብ ዝገበሩሉ ንመራሕቲ መንግስቲ ንዝተዛረብዎ ቃላት ብምድጋም ስብከቶም ዛዘሙ ።

ካርዲናል ፓሮሊን ንቓላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምድጋም "ፍቑራት ኣዕሩኽይ ካብ ቃላትን ዘረባን ናብ ተግባር ንሰጋገረሉ ግዜ እዩ" ድሕሪ ምባል። "ነቲ ዝነበረ ኩነታት እንቕይረሉ ግዜ ኢዩ - ህጹጽን ኣድላዪን ለውጢ ንምግባር ቈራጽነት እንገብረሉ እዋን ኢዩ። መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ሓድሽ ምጅማር ኢዩ ዝሓተና ዘሎ።" ክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

18 August 2023, 16:35