ድለ

2023.08.15 Cardinale Pietro Parolin in Sud Sudan partecipa alla piantumazione di alcuni alberi di pace 2023.08.15 Cardinale Pietro Parolin in Sud Sudan partecipa alla piantumazione di alcuni alberi di pace 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን፦ ኣገልግሎት ትሕትና 'ንሕነ ምፍዳይ' ክስዕሮ ይኽእል እዩ

“ሓደ አካል እንተ ተሳቕዩ ከአ ካብ ካልኦት ንላዕሊ አቃልቦን ተገዳስነትን፣ ክንክንን ፍቕሪን ንኽረክብ መሰል አለዎ” በሉ። “ሎሚ ንግሆ ድማ ነዚ ካብ መላእ ቤተክርስትያን ዝኾነ ቈላሕታን ሓልዮትን ፍቕርን ክስምዓኩም እደሊ ኢየ!” ክብሉ ዘጸናነዕን ተስፋ ዝህብ ስብከት አስምዑ።

ዋን ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል  ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ማላካል እትበሃል ናይ ደቡብ ሱዳን ከተማ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኵሉ ሰብ  ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓሳባት ገዲፉ ምእንቲ ሰላም ብትሕትና አብ ኣገልግሎት ክጽመዱ ተማሕጺኖም ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን አብቲ አብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደቶም፣ አብ ካልአይ መዓልቲ ወዕሎኦም፣ ናብታ አብ ዞባ ላዕለዋይ ኒል እትርከብ ከተማ ማላካል ምብጻሕ አካይዶም፣ አባኡ ድማ አብ ካቴድራል ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ሃቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳር ፍራንቸስኮ አብቲ ከባቢ ምስታ ናይታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሑሉ ዝጸንሑ መስርሕ ሰላም ንምድፋዕ፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 14 ነሓሰ ናይ 4 መዓልቲ ምብጻሕ ንምክያድ አብ አህጉር አፍሪቃ ይርከቡ አለዉ።

ቅርበት ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮን ኣድማሳዊት ቤተክርስትያንን

ካርዲናል ፓሮሊን አብቲ ላቲናዊት ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም እትዝክረሉ ዕለት አብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ፣ ብጹዕነቶም ናይ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮስ ሰላምታን ምስ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘልዎም ቅርበትን አካልፈልዎም።

ካርዲናል ፓርሮሊን አብ ስብከቶ፦ “ቅዱስ አቦና ናይቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዚ አብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ምብጻሕ ክሳብ ሕጂ ህያው ተዘክሮታት ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፣ ነዛ ሃገር እዚአን ንህዝባን ንኹሉ ጸገማታን ቁስላን፣ ከምኡ ውን ትጽቢታታን ተስፋታታን አብ ልቢ ቅዱስ አቦና ዓቢ ቦታ አለዎ” ክብሉ ተረኽቡ።

ብጹዕነቶም ብዛዕባ እቲ አብታ ሃገር ዝገብርዎ ዘልዉ ሓዋርያዊ ዑደት እንክገልጹ፣ “ንሕብረትን ሓድነትን ናይታ አድማሳዊት ቤተክርስቲያን” ንምድልዳል ከም ምዃኑን፣ ከምኡ ውን ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ኩልና ብክርስቶስ ሓደ ክንዲ ዝኾና ወላ ሓደ እኳ ክርስቲያን ተነጽሎ ከይስምኦ ንምዝኽኻር ምዃኑ ገሊጾም።

“ሓደ አካል እንተ ተሳቕዩ ከአ ካብ ካልኦት ንላዕሊ አቃልቦን ተገዳስነትን፣ ክንክንን ፍቕሪን ንኽረክብ መሰል አለዎ” በሉ። “ሎሚ ንግሆ ድማ ነዚ ካብ መላእ ቤተክርስትያን ዝኾነ ቈላሕታን ሓልዮትን ፍቕርን ክስምዓኩም እደሊ ኢየ!” ክብሉ ዘጸናነዕን ተስፋ ዝህብ ስብከት አስምዑ።

'ንሕነ ምፍዳይ' ብእምነትን ብተስፋን ብልግስን ምስዓር

እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር አብ እተፈላለዩ ክፋልታት ዓለም ንዝርከብ ደቅሰባት እንተላይ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘሳቒ ዘሎ ውግአት ብምጥቃስ ዝስምዖም ጓሂ ገሊጾም።

ነቶም ብሰኪ ግጭት ካብ አብይቶም ንዝተመዛበሉ ብዙሓት ሰባት ዘኪሮም “ዓቢይ ናይ ሕነ ምፍዳይ መቕዘፍቲ” ቢሎም ብምጽዋዕ “ንማሕበረሰብኩም ዘጽንት” ኢዩ ክብሉ ገለጽዎ።

ይኹን እምበር ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ከም ዘዘኻኽረና እከይን ክፍአትን ናይ መወዳእታ ሓይሊ ከም ዘይብሎምን ከምኡ ውን እቶም ንኻልኦት ዘሳቕዩን ዘዋርዱን ሰባት ዘለዎም ሓይሊ ሓላፊ ምዃኑ የዘኻኽረና፣ ከመይሲ ይብሉ ብጹዕነቶም “ትዕቢቶምን አጽዋሮምን ገንዘቦምን አየድሕኖምን ኢዩ።”

ካርዲናል ፓሮሊን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን አብ አምላኽ ዘሎና ተስፋ ፈጺሙ ከም ዘየቛርጽን ክዝክሩን ናብ ኢየሱስን ናብታ ቅድስቲ አዲኡን ክጥምቱ አተባብዕዎም፣ ብፍላይ ድማ ክርስቲያን ንተስፋና ምስ እምነትና ብውህደት ምስ እንነብርን ተግባራዊ ዝኾነ ናይ ትሕትና አገልግሎታት ምእንቲ ሰላም ቢልና ምስ እነዘውትር ተስፋና አየሕፍን ኢዩ ክብሉ አተባብዕዎም ።

ኸምዚ ድማ በልዎም “እምነት ግብረ ሰናይ ትሕትና መንገዲ ወንጌል ኢዩ፣ እታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እተጓዕዘቶ መንገዲን እንክኸውን ከም ንግስቲ አብ የማን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ አብዝፋን ናብቲ ናይ ብርሃንን ሓጐስን ቦታ ዘብጽሓ መንገዲ ኮይኑ ምልክት ምጽንናዕን ተስፋን ናይ መላእ ዓለም ክትከውን ዘኽአላ መንገዲ ኢዩ።” በሉ።

አብ መንጐ እቶም ዘተመዛበሉ ሰባት ዝፍጸም ዓመጽ  

ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ካርዲናል ፓሮሊን ናብቲ ኻብ ሱዳን ዝተመልሱ ስደተኛታት ዝተረኽቡሉ መዓስከር ስደተኛታን ተመዛበልን በጺሖም ።

ከተማ ማላካል ኣብዚ ቐረባ እዋንት ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈን አባይቶምን ንብረቶም ዘዕነወ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝተገብረ ግጭትን ዓመጻን ርእያ ኢያ ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ደምበ እተገብረ ሕድሕዳዊ ግጭት እንተ ወሓደ 13 ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 20 ድማ ቈሰሎም ይርከቡ።

እዚ ፍጻመ እዚ ከአ ኣብቲ ተልእኾ አብ ደቡብ ሱዳን ዝፍጽም ማሕበር ው. ሕ. ሃ. አብ ዝርከበሉ፣ ከምኡ ውን ሰላማውያን ሰባት ተዓቒቦምሉ ዝርክቡ ናይ አብ ደቡብ ሱዳን መዓስከር ዓቃብ ሰላም ው. ሕ. ሃ. ኢዩ ተፈጺሙ። ካብ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ልዕሊ 37,000 ዝዀኑ ኻብ ውሽጢ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ኣብ መዓስከር ማላካል ይቕመጡ አለዉ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን

  ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምርኻብ

ካርዲናል ፓሮሊን ሰኑይ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ጁባ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪየር ማያርዲትን፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ከምኡውን ምስ ካርዲናል ጋብሪኤል ዙቢር ዋኮ ሊቀ-ጳጳሳት ካርቱም ከምኡውን ምስ ሊቀ-ጳጳሳት ስቲቨን ኣሜዩ ማርቲን ሙላ በዓል ጁባን ተራኸቡ።

አብታ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እተላእከ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ ካርዲናል ፓሮሊን "ካብ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተላእከ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮቶም" ከም ዘቕረቡ ገለጹ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብጹዕ ካርዲናልን ብዛዕባ መስርሕ ሰላምን ከምኡውን ምስቲ አብ 2024 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫን እተተሓሓዘ እተፈላለየ ጕዳያት ተመያየይጦም።

ካርዲናል ፓሮሊን "ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ስኒት ዘለዎ ሕብረተሰብ ንምህናጽ መንፈስ ሰላምን ዕርቅን ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።"

  ኣብ ካቴድራል ጁባ ኦም ናይ ምዝራእ ስነስርዓት ተኻይ

ካርዲናል ፓሮሊን ሰኑይ ዕለት 14 ነሓሰ 2023 ኣብቲ ኣብ ጁባ ዝርከብ ካቴድራል ደብረ ቅድስሪ ተሬዛ አግራብ ናይ ምትካል ስነስርዓት ተኻፊሎም። እዚ ድማ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዓዶም ምእንቲ ሰላም ክሰርሑን ክጽዕሩ ከም ዘልዎምን ዝሕብር ኢዩ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ስነስርዓት ምትካል አግራብ ኣሕጽር ኣቢሎም ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ምእመናን ነዚ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበልዎም ምስጋናኦም ገለጹሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ነቲ አብ መደብ ዝነበረ ሓዋርዊ ምብጻሖም ምስ ሰርዝዎ  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ካርዲናል ፓሮሊን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ ። ከምኡ ውን ብጹዕነቶም ካብ ዕለት 3-5 ለካቲት 2023 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኰይኖም ናብ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ውን ዝዝከር ኢዩ።

እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን "ኣብዛ ጽብቕቲ ሃገርኩም ሰላምን ዕርቅን ንምርካብ ጽዓሩ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ንሊቀ-ጳጳሳት ኣሜዩን ንዅሎም ምእመናን ኣባላት ካተድራል ቅድስቲ ተሬዛን ብስም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ ንመንእሰያት ከኣ መጻኢ ደቡብ ሱዳን ምዃኖም ኪቕበሉ ኣተባብዖም።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ቦታ ምስ ዝተረኽቡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝገበእዎ ቓለ-መጠይቕ እዚ አግራብ ናይ ምትካል ስነስርዓት ንደቂሰባት ንፍጥረት ክከናኸንዎ ብምሳልያዊ መገዲ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ገለጹ።

ብፍላይ መንእሰያት "መጻኢ ናይዛ ሃገር እዚኣ መጻኢ ደቅሰብ መጻኢ ዓለም ከም ምዃኖም ነዛ ሓባራዊ ቤትና ዝኾነ ምድሪ እዚኣ ንምዕቃብ ቈራጽነት ክትገብሩ አሎኩም" ብምባል ነዛ ሓባራዊ ቤትና ዝኾነት ዓለምና ክከናኸኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 August 2023, 14:44