ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሞንጎሊያ ዑደት “ንሙሉእ ዓለም ናይ ተስፋ ነጋዲ”

ብወገን ቅዱስ ኣቦናን ብወገን እታ ንመጀመሪያ ግዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተአንግድ ሃገረ ሞንግሊያን፥ ድሌት ር.ሊ.ጳ. ምስቲ ብቑጽሪ ውሑድ ግን ከእ መንእሰይን ህያውን ብፍሉይ ታሪኹን ኣቃውማኡን መሳጢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ምርኻብ ዝብል እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሪ ፓሮሊን ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፥ “ንእሽቶን ህያውን” ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ኣብ እምነት ንምጽናዕን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሞንጎሊያን ዘሎ ርክብ ንምድልዳልን” ዝሃቀነ ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሞንጎሊያ ንፈለማ ግዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከተእንግድ እያ፥ በዚ መሰረት ትጽቢታቱ ልዑል እዩ። ብጹዕነቶም ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ውሑድን ህያውን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሞንጎሊያ ንቕዱስነቶም ክቕበል ብውዕዉዕ ስምዒት ይዳሎ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎሊያ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 4 መስከረም ኣብ ርእሰ ከተማ ኡላንባታር ምብጻሕ ከካይዱን ኣብዚ መበል 43 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብታ ምስ ሩሲያን ቻይናን እተዳብው ካብ ኢጣሊያ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ስፍሓትን ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገርን ክበጽሑ እዮም።

ናይቲ መገሻኦም መርሕ ቃል፥ “ብሓባር ተስፋ ምግባር” ዝብል ኮይኑ እዚ ኸኣ “ባዶ ትጽቢት ዘይኮነ፡ ግን ከኣ መሰረት ዘለዎን እንተወሓደ ንዓና ክርስቲያን” ኣብ እምነት ማለት ኣብ ታሪኽ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ናብ ውልቃውን ሓባራውን ተወፋይነት ዝቕየር እዩ።

ብጹዕነትኩም ትጽቢት ቅዱስ ኣቦና እንታይ እዩ? እዚ ምብጻሕ እዚ ብዕድመ መንግስቲ እታ ሃገረን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ዝተበገሰ እዩ። ስለዚ ዘለዎ ትጽቢት ልዑል እዩ። ብወገን ቅዱስ ኣቦናን ብወገን እታ ንመጀመሪያ ግዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተአንግድ ሃገረ ሞንግሊያን፥ ድሌት ር.ሊ.ጳ. ምስቲ ብቑጽሪ ውሑድ ግን ከእ መንእሰይን ህያውን ብፍሉይ ታሪኹን ኣቃውማኡን መሳጢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ምርኻብ ዝብል እዩ። ብተወሳኺ ኣብታ ዓቢዪ ቡድሃዊ ትውፊት ዘለዋ ሃገር፥ ብማዕቅን ርክብ ውስጠ ሃይማኖታት  ድማ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን እዩ ኢሎም።

እቲ ውሑድ ማለት 1500 ካቶሊካውያን ሞንጎሊያ ቅዱስነቶም ንምቕባል ዝዳለወሉ ዘሎ ውዕዉዕ ፍናን ዝጭበጥ እዩ፡ ህላወኦም ኣብ መገዲ ክስቲያናዊ ህይወት ኣብ መገዲ እምነት ተስፋን ፍቕርን ዘጽንዕ እዩ፡ . . . ብሓቂ ታሪኽ ናይዛ ሃገር እንተድኣ ሓሲብና ክንድነቕ ጥራሕ ኢና እንኽእል። ድሕሪ ምቁራጽ ህላወ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ኣብ ተስዓታት ድሕሪ ምቛም ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሞንጎሊያ ክርስትና ከም ብሓድሽ ተበጊሱን በዚ ሓድሽ መንፈስ እዚ ድማ ልኡካነ ወንጌል የአንግድ ኣሎ፣ . . . እቲ ውሑድ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ናይ ሕውነት ዘርኢ ክኸውን ዘተባብዕ ምብጻሕ እዩ።

ዕለት 3 መስከረም ዝካየድ ኩለንተውን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዓውደ ኣኼባ . . . ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘዘኻኽሩና፥ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፥ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕርበልና ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ከም ምዃነን ማለት ብዘይ ምትሕንፋጽ ኣብ ምኽባርን ምክብባርን ሃይማኖታዊ መንነት ዝቖመ እዩ። . . . እቲ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ኩሉ ግዜ ሰላምን ሕውነትን ንምህናጽ ዝዓለመ ኮይኑ፥ ሎሚ ሰላምን ሕውነትን ንምሃንጽ እዚ ጻዕሪ እዚ ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንፍለጥ ኢና! . . . ኣብ ጥበባዊ ምድላይ ሓቂ ዝልለ እዩ። . . .

ውስጠ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣነብብራ እዋናዊ ከተማታት . . . ማሕበራዊ ለውጢ ኣሎ። እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መዳይ እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ?  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ስኒት ምድላይ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ። በዚ ኣገላልጻ እዚ፡ ኣብ ክንድኡ ፍልልያትን ለውጥታትን ከም ረቛሒታት ዕብየት ከመይ ጌራ ከም እትወሃሃድ ብምስትውዓል፥ ዓውሎማዊ ኩሉ ዕብየት ማለት ካብ ሓደጋታት ምትእስሳር ዝረሓቀ ሰብኣዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ዕብየት ክሕብሩ ይሓስቡ፡ ፍልልያት መጋበርያ ግጭትን ተቓውሞን ከይከውን መታን፥ . . . ትውፊት እታ ሃገር ከም ምልክት ሕውነትን ክኸውንን፡ ስለዚ እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ነዚ ኣቃልቦ ዝገብር ክኸውን እዩ።

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞንጎሊያን . . . ?  እቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሞንጎሊያ ቅድሚ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ማለት ናብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኢኖቸንጺዩስ ራብዓይ ታሪኻዊ ቅድመ ኩነት እዩ ዘብጽሓና ይኹን እምበር እቲ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ብወግዒ ኣብ 1992 ዓ.ም. ንኽምስረት ምኽንያት እውን እዩ ኮይኑና። ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ናይ ሓባር ተገዳስነት ርኡይ ምዕባለ ምህላዉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሞንጎሊያ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ነቲ ርክብ ኣጉሊሑዎ እዩ። ይቕጽል ድማ ኣሎ። እምበኣር እቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞንጎሊያ ዘካይድዎ ወግዓዊ ዑደት ነዚ ናይ ሓባር ጥቕሚ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሰላም ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ትምህርቲ ምልውዋጥ ባህልን ንምድንፋዕ ዝዓለመ፡ ከምኡ እውን ነዚ ዞባን ዓለም ለኸን ዝጸልው ናይ ሓባር ብድሆታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምትእስሳር ዝያዳ ንምድልዳል ምቹእ ኣጋጣሚ እዩ።

ስለዚ ምስቲ ብውግእን ግጭትን ዝደሚ ዘሎ ዓለም ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተሓደሰ ጻውዒት ሰላም ክንጽበ ንኽእል? ከምቲ ቅዱስነቶም ባዕሎም ከም ዝገልጽዎ፥ ነቲ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዝተበታተኸ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዘስዕቦ ስቓይን ሞትን ኩሉ ኣብ ልቦም ገይሮም ምእንቲ ሰላም ከም ዝጽልዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ደጋጊሞም እውን ጻውዒት ሰላምን ዘተን የተባብዑ፥ . . . ስለዚ እዚ ዑደት እዚ ኣብ ውሽጡ ነፍሲ ውከፍ ሃገር ንእሽቶ ይኹን ዓቢይ፥ ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብር ነቲ ምርድዳእ ብሓይሊ ምፍታሕ ዝብል ልምዲ ንምውጋድ ናብ ምህናጽ ዝምድታትን ምትሕብባርን ሕውነትን ኣብ መንጎ ሃገራት ክህሉ ዝብል ጻውዒት ዝሓዘ እዩ። . . .

. . . ንሞንጎሊያ ብዓቢይ እተዳብው እታ ቅዱስ ኣቦና ብዓቢ ተገዳስነት ዝርእይዋ ሃገረ ቻይና እያ። ናብ ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝገበር ጉዕዞ ኣብ ቀረባ እዋን እኳ እንተዘይኮነ ይሕሰበሉ ዶ?  ፍራንቸስኮ ንቻይና ዘለዎም ተገዳስነት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ቻይና ንምብጻሕ ዝብል ዓቢ ድልየት ኣሎ ክብል ይኽእል። ንቻይና ክበጽሑን ንካቶሊካውያን ቻይና ኣብ እምነትን መገዲ ሓድነትን ከጽንዑን ይምነዩ። ማለት ብኣካል ተረኺቦም!  . . . ዘተን ርክብን ዘተባብዕ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ተረኺቦም እዮም። ዘርኢ ተስፋታቱ ድማ ይረአ ኣሎ። እዚ ናይ ሞንጎሊያ ጉዕዞ ናበይ እዩ ዝወስደና? ከም እንፈልጦ ናይዚ ናይ ሞንጎሊያ ጉዕዝኦም መርሕ ቃል፥ “ብሓባር ተስፋ ንግበር” ዝብል እዩ ስለዚ እቲ ኣተክሩሮ ኣብ ተስፋ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል መርሕ ክኸውን እዩ። ብዙሕ ነገራት ሰለ ዘድልየና ማለት ከም ህዝብን ውልቀ ሰብን ተስፋ ክንገብር ንጽዕር። . . . ነቲ ኣብ ዓለምና ዝረአ ውልቃውን ሓባራውን መዓት ኣብ ግምት ብምእታው ዓለምና ተስፋ ዘይብላ ከምስል ይኽእል። ብሰርዮት ክሳብ ዝመሓየሽ ዝብል ባዶ ትጽቢት ዘይኮነ ተስፋ! እንተ ወሓደ ንዓና ክርስቲያን ኣብ እምነት ማለት ኣብ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽና እተመስረተ ምስ ናይዚ እውን ናብ ብሕታውን ሓባራውን መብጽዓ ንጡፍ ቈራጽነት ንዓለም ንምምሕያሽ ዝብል እዩ። . . .

ብጹዕነትኩም ናትኩም ትጽቢትከ እንታይ እዩ? ናይ ቅዱስ ኣቦና ትጽቢታት እየ ዝካፈል። ብተወሳኺ እውን ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ር.ሊ.ጳ. ኣብ መስሕብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትርጉምን ኣድማዕነትን ዘለዎ እዩ። . . . ብኻልእ ወገን ከምቶም ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንኽንከውን ዝዕድም እዩ። ንህይወትን ተልእኾን መሰረታዊ ዝኾነ ኣቃልቦ የቃልሕ . . . እዚ ክኸውን እዩ ትጽቢተይን ጸሎተይን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

31 August 2023, 15:31