ድለ

2023.08.12 Ordinazione Episcopale in Angola di Mons Germano Penemote presieduta dal Card Parolin 12 Agosto 2023 2023.08.12 Ordinazione Episcopale in Angola di Mons Germano Penemote presieduta dal Card Parolin 12 Agosto 2023 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዘልኩም መጺአ አሎኹ"

እዚ ፍጻሜ እዚ "ንኹልአዊት ቤተ-ክርስትያንን ነዛ ሃገርን ኣገዳሲ" ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ፣ "ነዚ ኽቡር ኣጋጣሚ እዚ ንኽሳተፍ ኢየ ድማ አብዚ ተረኺበ ዘሎኹ" ምስ በሉ። ወሲኾም ድማ "እቶም ቅብአተ ጵጵስና ዝቕበሉ ኣቡን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚውክሉን ካብዛ ሃገር እዚኣ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዝዀኑን ምስ ሮሜ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም ።"

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብዕለት 12 ነሓሰ 2023 ኣብ ኦንዲጅቫ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ  ናይ ፓኪስታን ሐዋርያዊ ልኡኽ  ቅድስቲ መንበር ንክኾኑ ብር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝተመርጹ የኔታ  ፔነሞተ ቅብአተ ብጵጵስና መሪሖም። ትማሊ ዕለት 11 ነሓሰ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ናይ ዕንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድሙቕ አቀባብላ ተጌሩሎም፣ ካርዲናል ፓሮሊን  "ኣብዚ ብምርካበይ ሕጉስ ኢየ እዚ አብ አንጎላ ናይ መጀምርታ ግዜ ምብጽሕ እገብር አሎኹ" ብምባል ፍቕራዊ ሰላምታ አቕረቡሎም ። አብቲ ቦታ እተረኽቡ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ሃገር ክበጽሑ መደብ አለዎም ዶ? ቢሎም ምስ ተሓቱ ልዑልነቶም “ቅዱስ አቦና ክበጽሑኹም ባህጊ ከም ዘለዎም አይጠራጠርን” ክብሉ መለሱሎም።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ዕለት 11 ነሓሰ ኣብ ሉዋንዳ ኣንጎላ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ባህላዊ ኽዳውንቲ እተኸድና ደናግለትን አዴታትን ተሰንዮም ብመዝሙርን ሳዕስዒትን ጣቕዒትን ድሙቕ አቀባብላ ተጌሩሎም ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገረ አንጐላ፣ ካርዲናል ፓሮሊን ሎሚ ዕለት 12 ነሓሰ ነቶም አብ ዝሐለፈ 16 ሰነ ብር. ሊ. ጳ. አብ ፓኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ንክኾኑ ዝሾምዎም የኔታ ጀርማኖ ፔነሞተ ናይ መጀመርታ አንጐላዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንዝኾኑ ቅብዓተ ጵጵስና ፈጺሞም ።

ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣንጎላ

እቶም ብተደጋጋሚ ናብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ዝነብሩ ካርዲናል ፓሮሊን እብዚ ናብ አንጐላ ዝገበርዎ ምብጻብ ናይ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ። ነቶም አብ አፍደገ መንበሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንብር ሉዋንዳ ኮይኖም ድሙቕ አቀባብላ ንዝገበሩሎም ምእምናን - "ኣብዚ ብምርካበይ ኣዝየ ኢየ ሕጉስ ኢየ፣ አብዚ ክመጽእ እዚ ናይ ንመጀመርታ ግዜይ ኢዩ ።” ምስ በሉ እቶም ካርዲናል "ብጣዕሚ የመስግነኩም" በልዎም ፣ ወሲኾም ድማ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ሒዘልኩም መጺዐ አሎኹ ። ናብ ኦንድጂቫ ክንከይድ ክንዲ ዝኾና አብዚ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ዘይሃለወና ኣብቲ ወዲ እዛ ሃገር እዚአ ዝኾኑ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝግበር ቅብአተ ጵጵስና ምስ ብምልእታ ናይ ኣንጎላ ቤተ-ክርስትያን አባኡ ከም እትርከቡ እፈልጥ፣" በሉ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቅብአተ ጵጵስና የኔታ ፔነሞተ ሎሚ ቀዳም 12 ነሓሰ በቆጻጽራ ሮማ ልክዕ ሰዓት 8፡30 ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኲነነ እትርከብ ሰበኻ ኦንዲጅቫ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት አካላትን ናይ እተፈላለዩ ሃይማኖታት መራሕትን አብ እተረኽቡሉ ተፈጺሙ ። ጽባሕ ሰንበት  ዕለት 13 ነሓሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምስ ማሕበር ቅዱስ ጳውሎስ ንዝግበር መደብ ጸሎት ንምስታፍ ናብ ርእሰ- ሰበኻታት ሉዋንዳ ክምለሱ ኢዩም ።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዘልኩም መጺአ አሎኹ"
ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዘልኩም መጺአ አሎኹ"

ድሙቅ ስነ ስርዓት ተቕባል

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 11 ነሓሰ ንግሆ ናብ ኣንጎላ አብ ዝበጽሁሉ፣ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ 4 ደ ፈቨሬሮ (ሉዋንዳ) ምስ አተው፣ ገለ ኣቡናት ካብ ካቶሊካውያን ጉባኤ ጳጳሳት ኣንጎላን ሳኦ ቶመን ፣ ምእመናንን ካብ ወከልቲ  መንግስታዊ ትካላትን ተቕባል ተገብረሎም ። ብኡንብኡ ናብቲ ድሙቅን ፍቕራውን ዝኾነ ተቕባል ንኽገብሩሎም ዝጽበይዎም ዝነብረኡ ምእመናንን ቤተክህነትን ዘለዉዎ  ናብ እተስናደወሎም ቦታ፣ ናብ መንበሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስሪ መንበር አንጐላ በጽሑ፣ ጸሎት አቦና አብ ስማይ ትነብር ምስ ተገብረ ሰላምታን ናይ ዕንቋዕ ብደሓን መጻዕኩም ቃል ጳጳሳዊ ወኪል ምስ አስምዑ ናብ ቤት ጸሎት ብምእታው ናይ ጸሎት መርሓግር ተኻይዱ።  

ብዛዕባ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ቦታ እቲ ካብ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ቃለ-መጠይቕ ምስ ተገብረሎም ቅብአተ ጵጵስና ንኸካይዱ ናብ ኣንጎላ ከም ዝመጹ ገለጹ - "ነዚ እንገብሮ ፍጻመ እዚ ንምግላጽ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ተሰምዓኒ።" እዚ ፍጻሜ እዚ "ንኹልአዊት ቤተ-ክርስትያንን ነዛ ሃገርን ኣገዳሲ" ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ፣ "ነዚ ኽቡር ኣጋጣሚ እዚ ንኽሳተፍ ኢየ ድማ አብዚ ተረኺበ ዘሎኹ" ምስ በሉ። ወሲኾም ድማ "እቶም ቅብአተ ጵጵስና ዝቕበሉ ኣቡን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚውክሉን ካብዛ ሃገር እዚኣ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዝዀኑን ምስ ሮሜ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣንጎላ ምብጻሕ ክገብሩ መደብ አለዎም ዶ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ድማ፣ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ  "መን ይፈልጥ... ነብዪ እኳ እንተ ዘይኰንኩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓደ ጕዕዞ ኣዝዮም ከም ዚግደሱን ኣብ መጻኢ ናብ ኣፍሪቃ ክበጽሑ መደብ ከም ዘለዎምን ይአምን ኢየ ። ብምሉእ ልበይ ውን  ክበጽሑኹም ከም ዝደልዩ ይመስለኒ፣" ክብሉ መለሱሎም።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዘልኩም መጺአ አሎኹ"
ካርዲናል ፓሮሊን፡ "ቡራኬ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሒዘልኩም መጺአ አሎኹ"

 

12 August 2023, 14:59