ድለ

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ማእከል ኣማዞን ኣብ ዝርከብ ወሰናስን ከተማ ማናውስ ምብጻሕ ኣካይዶም ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ማእከል ኣማዞን ኣብ ዝርከብ ወሰናስን ከተማ ማናውስ ምብጻሕ ኣካይዶም 

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ማእከል ኣማዞን ኣብ ዝርከብ ወሰናስን ከተማ ማናውስ ምብጻሕ ኣካይዶም

ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ናይ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢላ ኣብ ምስማዕ ከም እትዋፈርን እዚ ድማ መሰረታዊ ብፍላይ ንኣገልግሎታ ቅርጺ ብምሃብ

ኩልንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብ ጉባኤ ናይ ዞባ ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ካብ ዕለት 8 – 11 ነሓሰ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዝሳተፍሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወሰናስን ከተማ ማናውስ ማእከል ኣማዞን ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ቅርበትን ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣብጺሖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኩሉ ዝተፈላለየ ቦታታት ብምኻድ ክትሰምዕ ክትመሃር ክትፈልጥን መመያ ክትገብርን እንክብሉ ዘቅርብዎ ጻውዒት ናይ ውሁድ ኩልንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ ምዃኑ ኣብቲ ካብ ዕለት 8 – 11 ነሓሰ ናይ ዞባ ኣማዞን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዋዕላ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ችዘርንይ እቲ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ዞባ ኣማዞን ከባብያዊ ክውንነት ንኽፈልጡ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝበጽሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህላወ ቤተ ክርስቲያን

ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ናይ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢላ ኣብ ምስማዕ ከም እትዋፈርን እዚ ድማ መሰረታዊ ብፍላይ ንኣገልግሎታ ቅርጺ ብምሃብ፥ ኣብ ጸገም ዘሎን መን ይሳቐን ንዝብሉ ዓበይቲ ሰብኣውን ማሕበራውን ንምዕባለ ዕንቅፋታት ህይወት ብብዝሒ ትገጥም፥ ነቲ ከባቢ ትሰምዕ ንቶም ዝሳቐዩ ትሰምዕ ምስኦም ሓቢራ እናነበረት ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ከም እተሰንይ ካርዲናል ችዘርንይ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ብጻይ

“ምስማዕን ምስ ሰማዕካ ድማ ብሓባር ምጉዓዝ ከምኡ እውን ንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ ንዘሎ ጸገም ዘይምፍራሕ -  እዚ ድማ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍቃር ዝነቐለ ሓባራውነት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ኣብ ወሰናስን ዞባታት ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ከባቢ ክውንነት ብወንጌል እናሰበኸት ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ተነቓቕሕ ነዚ ኪደት ዕብየት ንምርግጋጽ ዝሕግዙ መርበባት ትዝርግሕ፥ ምስቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ማሕበረሰብ ምዃን ኣማራጺ ዘይኮነ ሕመረት ተልእኾ ወንጌል እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ህዝብን ኣብ መንጎ ህዝብን ኣካል ናይቲ ህዝብን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምዃን ምለት ከም ዝኾነ ብጹዕነቶም ኣብቲ ዞባ ኣማዞን ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብ ዘካየድዎ ርክባትን ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 August 2023, 16:16