ድለ

ችዘርንይ፥ ኣማዞን ንሰብኣውነት መሰረታዊ እዩ፡ ቅድታት ልምዓት ምፍጣር ችዘርንይ፥ ኣማዞን ንሰብኣውነት መሰረታዊ እዩ፡ ቅድታት ልምዓት ምፍጣር 

ችዘርንይ፥ ኣማዞን ንሰብኣውነት መሰረታዊ እዩ፡ ቅድታት ልምዓት ምፍጣር

በዚ ኣርኣእያ እዚ ቺዘርንይ ነቲ ናይ ዞባ ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ “ካብ መስርሕ ምስማዕን ምስናይን ህዝብታት ዝውለድ ዘርኢ ተስፋ፥ መግለጺ “ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ” እዚ ድማ ነቲ ግዝኣት ካብ ምስናይ ዝፍጠርን ነቲ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝገልጽን እዩ

ኵልንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ካርዲናል ማይክል ቺዘርንይ፥ ኣብ ብራዚል - ከተማ ማናውስ ካብ ዕለት 8 – 11 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዞባ ኣማዞን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ ከምእተሳተፉን ዕለት 11 ነሓሰ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ካብ መስርሕ ምስማዕን ምስናይን ህዝብታት ዝተወልደ ዘርኢ ተስፋ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣማዞን ንሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ ህላወ እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ኩሉ  መዳይ ኵልተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ምድንፋዕ ኣገዳስን ህዝብታት ምስማዕን ምስናይን ቤተ ክርስቲያን ኣትስዕቦ ኣገባብ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም፥ እዚ እውን ኣብ ቅድሚ ብድሆታት ዘመንና ብሓባር ምእንቲ ክንጓዓዝን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብኹሉ ጽፍሕታቱ ንምትብባዕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ንቤተ ክርስቲያን መስርሕ ኣማዞን ምንባርን ምሕብሓብን

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መስርሕ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣማዞን ምንባርን ምሕያልን” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዘስተንተኑን፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ ባኣኦም ዝምራሕ ኵልንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ እዚ ርክብ እዚ ናይቲ ከባቢ ህይወትን ናይቲ ዞባ ድምጽን ክንሰምዕ ዘኽኣለና ሓለፋ እዩ፡” እታ ኣብ ዞባ ኣማዞን ናይ ደቐባት መራሒት ዝኾና ማርሲቫና ሳተረ፥ “መንነትና ካብቲ ዞባ እዩ ዝመጽእ” ዝበለኦ ቃል ጠቒሶም፥ “ኣብ ቅድሚ ደቀባት ገጽ ኣምላክ ከነለሊ” ዝዕድም ኣምር እውን እዩ ቢሎም፥ ኣብ ኣማዞን ንዝካየድ ቤተ ክርስቲያናዊ መስርሕ ምዕባይን ምድጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፥ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ብዝሓ -ህይወት ንምሕብሓብ ዝቐርብ ጻውዒት እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዞባ ኣማዞን፥ ንዞባ ኣማዞን ሲኖዶሳዊ እማም እዩ

ካርዲናል ቺዘርንይ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣማዞናዊ ዞባ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍቕርቲ ኣማዞን ብዝብል ኣራእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዘኪሮም፥ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይቲ ሲኖዶስ ፍረ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ሲኖዶስ ኵላዊ ህላወ ኣማዞን ዝዳህሰሰን ናይቲ ከባቢ ቲዮሎጊያ ዘጉለሐ ኣብቲ ዞባ ናይ ዝተሰግወት ቤተ ክርስቲያን ክፋል ተመክሮ እዩ። በዚ መንጽር ካብ ፍልልይ ናይ ምቅርራብ ተመክሮ ንምድላይ ዝግበር ተወፋይነት ሳዕቤን ናይቲ ኣማዞንን ህዝብታቱን ምንጪ ህይወት ምዃኖምን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ፍቕርቱ ኣማዞን ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲንዶስ ዝገለጽዎ ብዙሕ ስግኣታትን ሕምልታትን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣዒንቶም ዝተኸፍተ ህዝቢ ኣምላኽ

ካርዲናል ቺዘርንይ ኣብቲ ክፉት የዒንትን ኵላዊ ክፉት መንፈስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝብል ናይቲ ዞባ ኣማዞን ጉባኤ ጳጳሳት ተመክሮ ኣተኵይሮም፡ ነቶም ነዚ ጉባኤ ጳጳሳት ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ተክለ ሰብነት ዘኪሮም፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብዚ ግዝኣት ተልእኾኣ ክትፍጽም ምዃና እቶም ህዝብታትን እቶም ኣብዚ ግዚኣት ዝነብሩን ህዝብታት ታሪኾም ጥራይ ምስ እትኸውን እያ ዝብል ሓቂ” ክትግበር ዝጽዕሩ ዝነበሩ እዮም፥ ምስ በሉ፥ እቲ ኵለንታዊ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ እቲ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ ሰነድ ኣፓረሲዳ ጠቒሶም፥ ኣብኡ ድማ ህይወት ዝብል እቲ ብብዝሒ ዝደጋገም ቃል ኮይኑ ንልዕሊ 600 ግዜ ከም ዘጒልሐን፡ እቲ ሰነድ “ነቶም ብብዙሕ ክገጥሞም ዘለዎ ጌጋታት፡ ቃንዛታትን ዕንቅፋታትን ዝሳቐዩ ሰባት ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንምምጻእ ጉስነታዊ ንጥፈታት ንምክያድ” ዝቐርብ ዕድመ እዩ። ጉስነት ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ “ነቶም ኣብ ዓለምና ዝቖሰሉ ተንበርኪኽና ኣብ መንኮብና ተሰኪምና ከም ፍቑራት ደቂ እግዚኣብሔር ክብረቶም ምእንቲ ክምለስ ዘድሊ ምቕራብ” እዩ።

ዘርኢ ተስፋ

በዚ ኣርኣእያ እዚ ቺዘርንይ ነቲ ናይ ዞባ ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ “ካብ መስርሕ ምስማዕን ምዕጃብን - ምስናይን ህዝብታት ዝውለድ ዘርኢ ተስፋ፥ መግለጺ “ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ” እዚ ድማ ነቲ ግዝኣት ካብ ምስናይ ዝፍጠርን ነቲ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝገልጽን እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያንና ከምኡ እውን ጸዋዕታና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓብይ ሲኖዳዊ ተግባር እዩ። ስለዚ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ኣማዞን፥ “ብስራት ክኸውን ዝደልን ፍረ ናይቲ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሲኖዶስ ህያው ንምግባር ዘገልግል እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብዚ ብምብጋስ ድማ “ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣገዳስነት ኣማዞን ንኹሉ ሰብኣውነት ንቕሓት ንምፍጣር፡ ንድኻታት ዝምችእን ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግልን ልምዓታዊ ቅዲ ንምፍጣር ዝተፈላለየ ቀዳመንታት ዘለዎ ዓለማዊ ጓሳዊ ኣገባብ ንምቛም” ዝብል ስሉስ ዝገጻቱ ጸዋዕታ፥ “ንቤተ ክርስቲያን ኣማዞን ወንጌል ምእዋጅን ኣብ ምቛም ዓለማውያን ሰባትን ካህናትን ጉስነታዊ ንጥፈታት ንምምዕባልን ብዘድሊ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ምድጋፍ” ዝብል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።

12 August 2023, 16:43