ድለ

ኣጒያር፥ ድሕሪ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት፥ መንእሰያት ፈለምቲ ምህዞታት ቤተ ክርስቲያን! ኣጒያር፥ ድሕሪ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት፥ መንእሰያት ፈለምቲ ምህዞታት ቤተ ክርስቲያን! 

ኣጒያር፥ ድሕሪ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት፥ መንእሰያት ፈለምቲ ምህዞታት ቤተ ክርስቲያን!

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ እግዚኣብሔር፥ ንኹሉ . . . ንኹሉ . . . ንኹሉ . . . ከምዘፍቅር ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ቃል እውን ኣዚዩ ከምዝተንከፎምን እዚ እውን፡ “ካብ ልብን ኣእምሮን ዘይፍለ መቓልሕ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ምስጢር ዝገልጽ ቃል - ሓቂ እዩ።”

መጻኢ ካርዲናል ተራዳኢ ጳጳስ ሊዝበን፥ ናይቲ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣቦ መንበርን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ካብ ዕለት 2-6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓለምለኸ መንእሰያት መደብ ምስጋንኦም ኣቕሪቦም፥ እቲ ጽምብል “ጽባቐ ናይታ ንኹሉ ቤተ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን” ክርእዩ ስለ ዝገበሮም ድማ ዝተሰመዖም ሓጎስ ይገልጹ፥ ኣብ ወርሒ መስከረም፥ ሓደ ካብቶም 21 ካርዲናል ዝስመዩ ከምዝኾኑን፡ እዚ እውን ንኣገልግሎት ድልውነቶም ዘዕብይ ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ንኹሎም ናይ ርክብ ባህሊ ንኽነብሩ ስለ ዝሓተትዎም፥ ጳጳስ ኣመሪኮ ኣጒያር፥ ሓደ ካብቶም ኣብ ወርሒ መስከረም ካርዲናል ካብ ዝስመዩ 21 ናይቲ ኣብ ሊዝበን ዝተኻየደ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣቦ መንበር፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም መንእሰያት ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኽሳተፉ ዝቐረበሎም ዕድመ ብልግሲ ተቐቢሎም ስለ ምስታፎም ድማ ኣመጊኖም።

‘ህያው’ ቤተ ክርስቲያን

ተመክሮ ዓለምለኸ ቅነ መናሰያት ሊዝበን ብርግጽ ነታ ኣብ ፖርቱጋል ዘላ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ዝውክል እዩ፡ ኣብቲ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ድማ “ህያው ቤተ ክርስቲያን ክንርኢ ክኢልና፥” ስለዚ ኣብ ታሪኽ ናይታ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት፥ መበገሲ ለውጢ ከምዝኸውን ርግጸይና ምዃኖም ሓቢሮም፡ “ክርስቶስ ኣብ ልቢ መንእሰያት ህያው ምዃኑ ርኢና፥ ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ህልዎት ናይቲ ህያው ዝኾነ ክርስቶስ ኣስተማቒርና” ኢሎም።

ርክብ ምስተን ናይ ዕድመ በዓል ጸጋን ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን

ኣብቲ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ር.ሊ.ጳ. ካብ ዝተሳተፍሎም ፍጻሜታት ሓደ፡ ንጳጳስ ኣጒያር ኣዚዩ ዝተንከፎም፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስተን 106 ዓመት ዝዕድመአን ኣደ ዓባይ ዘካየድዎ ርክብን እቲ ኣብቲ ርክብ ዝነበረ ሓጎስን ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ እግዚኣብሔር፥ ንኹሉ . . . ንኹሉ . . . ንኹሉ . . . ከምዘፍቅር ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ቃል እውን ኣዚዩ ከምዝተንከፎምን እዚ እውን፡ “ካብ ልብን ኣእምሮን ዘይፍለ መቓልሕ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ምስጢር ዝገልጽ ቃል - ሓቂ እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፋጢማ ኣብቲ ቤት ጸሎት ግልጸታ ለማርያም ተረኺቦም ዝበልዎ እውን “እቲ ቤተ ጸሎት ግልጸታ ለማርያም ምልክት ኩሉ ዝኣትወሉን ኣልቦ ማዕጾ ናይ ዝኾነ ቤትን” ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ሰብ እትቕበል ኣደ ምዃናን” ዘብርህ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ሰብ ቦታ ስለ ዘሎ።”

ዝልወጥ መንእሰይ

ድሕሪ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ዝነበረ፥ ኣብዘን መንእሰያት ናብ ኣባይትኦምን ናብ ዝመጹለን ሃገራቶም ዝምለሱሉ ‘እዋን` ኣቡን ኣጒያር ‘ሶፍያ ደ ሜሎ ብራይነር’ ዝተባህለት ፖርቱጋላዊት ገጣሚት፥ “ፖርቱጋላውያን ዳህሳስያን ተጓዐዝቲ ባሕሪ በቲ ባዕሎም ብዝሕንጽጽዎ መርሓ መልክዓ ምድረ ባሕሪ እዮም ዝጓዓዙ” ቢላ ዝገለጸቶ ሓሳብ ጠቒሶም፥ መንእሰያት ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈለምቲ ሓደስቲ ነገራት ከምዝኾኑ ርግጸይና እየ” ቢሎም፥ ኣብ ሊዝበን መንእሰያት ቀረባና ዝኾነ ኣምላኽ ተመክሮ ከምዝነበሩን፣ ከምቲ ኣብተን መዓልታት ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ብዛዕባ ለውሃትን ምሕረትን እግዚኣብሔር ክዛረቡ ደጋጊሞም ዘጉልሕዎ እዩ” ኣምላኽ ኣብ ለውሃቱን ምሕረቱን ቀረባና ምዃኑ መንእሰያት ተመክሮኦም ዝገበርሉ እዋን እዩ” ይብሉ።

ፍራንቸስኮ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም፥ ምስ 25 ሺሕ ኣብ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ምስ ዘገልገሉ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ናይ ፍቕሪ ማዕበል ኩኑ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ዕድመ ዘኪሮም፥ እዚ ዕድመ እዚ ነቶም መንእሰያት ዘይሃስስ ዕድመ ከም ዝኸውን” ዘለዎም ርግጸይናነት ድማ ይገልጹ።

እዚ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ካብ 2018 ዓ.ም. ክሰናደው ከምዝጸንሐን እቶም ወለንተይናታትን ኣብ ፖርቱጋል ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ፍጻመ እዚ ከተዳልው ጸኒሓ እያ፡ እቲ ናይ መሰናደዊ ግዜ እውን ነዊሕ እዩ ዝነበረ ምኽንያት ብለምዒ ኮቪድ - 19 ካብ 2022 ዓ.ም. ናብ 2023 ዓ.ም. ስለ ዝተሰጋገረ፡ ብዙሓት ኣብ መደብ መሰናድዎ ድማ ካብ ዝተፍላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ተዋሲኦም እዮም። እቶም መንእሰያት ካብዚ ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ናብ ክውንነት መዓልታዊ ህይወቶም ምምላስ ጽምብል ክኸውን እዩ መጻኢ ክሓልሙን ክሓቑፍን ኣይክፈርሑን እዮም” ኢሎም።

ኵላዊትን ተዓጻጻፊትን ቤተ ክርስቲያን

ኣቡነ ኣጒያር ብዛዕባ ዝቕጽል ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት ሴኡል 2027 ዓ.ም. ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ ክምልሱ ከለዉ፥ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ብስራት እዚ ዝነገሩ ኣብቲ ናይ ሊዘብን ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምዃኑ ዘኪሮም፥ ካብ ኤውሮጳ ናብ እስያ ዝነቐለ እዩ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና “እግዚኣብሔር ዕድመ እንተሂቡኒ ክሳትፍ እየ” ዝበለዎ ኣነ እውን ከምኡ።” ይብሉ።

ዝቕጽል ጉባኤ ካርዲናላት

ኣቡነ ኣጒያር ብዛዕባ እቲ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላት ምስ ካልኦት 20  ጳጳሳት ካርዲናል ክስመዩ ምዃኖም ዘኪሮም፥ “ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ስለ ዘፍቅር እዮም ዝሓረዩኒ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ገና መንእሰይ ብምዃነይ ድማ ንመንእሰያት መወከሲ ነጥቢ” ንኽከውን ኣምላኽ ይሓግዘኒ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 August 2023, 15:58