ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ብኽነት መግቢ ዓቢይ ዘሕፍር ተግባር እዩ! ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ብኽነት መግቢ ዓቢይ ዘሕፍር ተግባር እዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ብኽነት መግቢ ዓቢይ ዘሕፍር ተግባር እዩ!

ኣንጻር ጥምየት ዝግበር ቃልሲ፡ ነቲ ዝሑል ስነ-መጐት ዕዳጋን ንመግቢ ተራ ንቁጠባዊ ረብሓ መጋበርያ ስሰዐን መግቢ ከም ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ጥራይ ገይሩ ዝምልከት ኣካይዳ ብምብዳህ፡ ናይ ስነ መጐት ምትሕግጋዝ ምሕያል

ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ንናይ ላቲን ኣመሪካ ዞባ ዝምልከት ኣብ ቺለ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጎ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም፥ “ሕውነታዊ ሰብኣዊ ስድራ ቤት” ኣንጻር ጥሜት ጭቡጥ ስጉምትታት ንምትግባር ኣድላይነት ኪኖ ስነ - መጐት ዕዳጋ ምስጋር” የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቛም ስነ ህይወት ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ፥ ምስ ናይ ቺለ ምኒስተር ሕርሻ ዶክተር ኢስተባን ቫልንዝዌላን ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ መግብን ሕርሻን ንላቲን ኣመሪካ ጉዳያት ስነ ቁጠባ ሓላፊ ዶክተር ማክሲሞ ቶረሮን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብቲ  “ኣብ ትሕዝቶ ውሕስነት መግብን ኣመጋግባን ኪስራን ብኽነትን መግብን ምክልኻልን ምንካይን፥ ብድሆ ውስጠ ጽላታት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ መደብ ምስታፍ ኣብቲ ካብ ዕለት 23 ነሓሰ - 31 ነሓሰ ኣብ ጉዳያት ማሕበራዊ ተቓላዕነት ዘተኮረ ዋዕላ ኣካል ናይቲ ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ቺለን ኣርጀንቲናን ናይ ዝገብርዎ ጉዕዞ  እዩ።

ብኽነት መግብን ሕጽረት መግብን

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብኽነት መግቢ ትሑት ሚእታዊ እተሃለዎ፡ ኣብ ዓለም ካብ ጠቕላላ ብኽነት  መግቢ 6 ሚእታዊ ዝሽፍንን ኣብታ ኣህጉር ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 47 ሚሊዮን ዋሕዲ መግቢ ዘለዎም ምዃኖም ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መጠን ሕጽረት መግቢ ከምዝወሰኸ ኣጉሊሖም፥ ግን ምስቲ ኣብ ዓመት ብነፍሲ ወከፍ ነባሪ ዝባኽን 69 ኪሎ መግቢ እዚ ኣሃዝ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበ - እቲ ዝባኽን መግቢ ን30 ሚሊዮን ዘለዎም ናይ መግቢ ጸገም ንምውጋድ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእልን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዘሕዝን ኩነታት ከምዘሎ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርቶ ኦፕሪንስ ኣብ ዝርከባ ናይ ድኻታት መንበሪ ከባቢታት ዝገበርዎ ዑደትን “ኣብ ፈቐዶ ኣንዳ ጓሓፍ ዝረኽብዎ ርፍራፍ ዝምገቡን ግሊኦም ብሕጽረት መግቢ ዝደኸሙ ኣካሎም ዝማሰነ ሰባት ከም እተራኸቡን ገሊጾም፡ እቲ ሓቂ ነዚ ዝመስል ክነሱ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ዋላ ሓንቲ ከም ዘየጋጠመ ኮይንካ ዝንበር? ከም ዘያጋጠመ እናምስለካ ዝቕጸል ክሳብ መዓስ? ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር ከመይ ኢዩ ዝከኣል? ስለዚ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብን ብሓላፍነትን ንምፍታሕ” ብኹሉ ቀዳምነት ክዋሃቦ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ስነ - መጐት

ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ምፍራይን ምክፍፋልን ምልውዋጥን መግቢ ዝተምስረተሉ ቁጠባዊ ኣቃውማ፥ “ልዕሊ ዓቐን ዝዓበየ እዩ፡” ይኹን እምበር “ቁጠባ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነ ክውሰድ ዘለዎ፡ እንታይደኣ ናይ ሰብኣዊ ህይወትን ፍትሓዊ ሕብረተሰብን ንምህናጽ መጋበርያ እዩ ክኸውን ዘለዎ።” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ናይ 2021 ዓ.ም. መዓልቲ መግቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ “ኣንጻር ጥምየት ዝግበር ቃልሲ፡ ነቲ ዝሑል ስነ-መጐት ዕዳጋን ንመግቢ ተራ ንቁጠባዊ ረብሓ መጋበርያ ስሰዐን መግቢ ከም ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ጥራይ ገይሩ ዝምልከት  ኣካይዳ ብምብዳህ፡ ናይ ስነ መጐት ምትሕግጋዝ ምሕያል የድሊ፡” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዊ መደረ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ ከምቲ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣብታ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘረጋገጽዎ፥ “ኩሉ ሰብእዊ ተመክሮ እንኮላይ ቁጠባዊ ተመክሮ ኣብ ህንጸት ሕውነታዊ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምትሕብባርን ምውፋርን” ዝብል ኣመለኻኽታ ክመርሕ ኣለዎ፡ ስለዚ ኣብ ቁጠባዊ መዳያት ዝዋስኡ “ማሕበራዊ ሓላፍነት ዝብል ዕዮኦም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘሎ ምትእስሳር ምእላይን ምምሕዳርን ሰባት ዝነብሩላ ዓለም ምክንኻን” ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ።”

ሰለስተ ኣሰር ንጸረ ምብኻን ቃልሲ

ኣስዒቦም ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ “ካብ መኣዲ ህይወት ዝግለል ሰብ ከይህሉ” ዝብል ዕላማ ክኽተሎ ዘለዎ “ሰለሰ ጭቡጥ መገዲ ስራሕ” ምህላዉ ኣመልኪቶም፥ ብቐዳምነት ብዛዕባ ብኽነት መግቢ ዝምልከት መረዳእታታት ማለት “ማሕበራዊ ክብደት ናይዚ ተርእዮ” ምግምጋም፡ ምስኡ ብዝተኣሳሰረ ድማ፥ “ብዝሒ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብኽነት ወይ ድማ ናይ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ኣብ ፍጻመ ንምብጻሕ ዝፈስስ ጸዓት ዘየገድስ ኣይኮነን” ስለዚ “ድሕሪ ብኽነት ሓደ ፍርያት ሕርሻ እንታይ ክሳራ ከምዘሎ ብማሕበራውን ሰብኣውን ኣዘራርባ እውን ምሕባር” ኣድላዪ እዩ።” ካልኣይ ንመላእ ሰንሰለት መግቢ ምርኣይ የድሊ፥ ምኽንያቱ “ብኽነት መግቢ ብሓፈሻዊ ራእይ ክውንነት ጥራይ እዩ ክምከት ዝኽእል፡” ስለዚ ሓደ ሰብ “እቲ ብሰፊሕ ዝተወደበ ምክፍፋል ዓበይቲ መሸጣታት መግቢን ዘይወግዓዊ ዕዳጋታትን ጎኒ” ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ፥ እቲ እዚዩ ዝተራቐ ምዕባለ ዕደ ጥበብን ጥንታዊ ጥበብ ሓረስተቶን” ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ኣብ መወዳእታ፥ “ዋጋ መግብን መኣድን ምርኣይ” የድሊ፡ እዚ ጥንታዊ ኣሰር ባህሊ ዘለዎ እዩ . . . ሓላፍነታውን ዋላ እውን መንፈሳዊ መቓርብ የድልየና ኣሎ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ስጉምትታት ምንካይ ብኽነት መግቢ ከም ዘርእዮ፥ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ክብርን ሰናይነትን ገዛእ ርእሱ፡ ናይ ዝፈትዎም ሰባትን ኣብ ኢዱ ዘለዎ ንብረትን እንተፈሊጡ፡ ሽዑ ውሑድ ብኽነት መግቢ ይህሉን ንመግቢ ብዕምቆት ሰብኣዊ ተግባር ይምልከቶን” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 August 2023, 17:01