ድለ

2020.10.19 Mons. Gabriele Caccia nuovo Osservatore Permanente della Santa Sede presso l’ONU 2020.10.19 Mons. Gabriele Caccia nuovo Osservatore Permanente della Santa Sede presso l’ONU 

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ብሰንኪ ኑክልየሳዊ ጸዓት ዝወረደ ጕድኣት ይዝክሩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቐዋሚ ተዓዛቢ አብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንኮን ከምኡውን ናይ ቅዱስቲ መንበርን አቅዋም ብዛዕባ ምርጋፍ ኒኵለሳዊ አጽዋር ብዝምልከት ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. አቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን  

ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ዝዀኑ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየለ ካቺያ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምርጋፍ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣመልኪቶም ኣብቲ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ኑክልየሳዊ ፈተናታት (IDANT) ንምዝካር እተገብረ ላዕለዋይ ባይቶ ው. ሕ. ሃ.  ዝለአኽዎ መልእኽቲ አቕሪቦም።

ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ አብ ዘቕረብዎ መደረ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ "ትንቢታዊ ድምጺ" ዝኮነ ናይነቶም ግዳያት ኑክልየሳዊ ፈተነ ዝዀኑ ሰባት ጽን ኢሎም ንኽሰምዑን፣ ኒኵለሳዊ አጽዋር ናይ ምርጋፍ ወሳኒ ስጕምቲ ብቕልጡፍ ንኽወስዱን ተማሕጺኖም። 

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ እቲ ቕድሚ 78 ዓመት ኣብ ስሉሳዊ ቦታታት እተገብረ ናይ መጀመርታ ኑክልየሳዊ ፈተነ ነተጕቲ ሓደገኛ ቕድድም ንኒኵለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዓዓለ እዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ጕድኣት ከም ዘውረደ ብምግላጽ ነቲ ኸቢድ ታሪኻዊ ሓቂ ኣጕልሕዎ። 

እዚ ፈተናታት እዚ "ምዝንባል ሕዝብታት፣ ወለዶታት ዝቐዝፍ ጥዕናዊ ጸገማትን፣ ምረዛ ምግብን ማይን" ከም ዘስዓበን ከምኡውን ምስ ተፈጥሮን ምድርናን ዘሎና መንፈሳዊ ርክብ ከነጥፍእ ከም ዝገበረናን ገለጹ ። 

ደቀባትን ሕዝብታትን፣ ኣንስትን ቈልዑን በዚ ኸምዚ ብዝሰዓበ ከቢድ ጸገማት ብዙሕ ሓገዝ ስለ ዘይተገብረሎም ከአ ነዚ ጸገም እዚ ክጾርዎ አይተኻእሎምን። 

ስነ-ምግባራውን ሕጋውን ግዴታታት 

ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ አብ መደረኦም እተን ኣብ ኑክልየሳዊ መከላኸሊ ዚምርኰሳ ሃገራት ነቲ ብሰንኪ እዚ ፈተነታት እዚ ዝወርድ ጕድኣት ንምዕራይ ስነ-ምግባራውን ሕጋውን ግዴትአን ክዋጽአ ከም ዘለወን ገለጹ። 

ኑክልየሳዊ ፈተነ ኸም ዳግም ከይግበር ውን ኣጠንቀቑ፣ በዚ ኸምዚ ከኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ውጥረት ኬጋድዶ ስለዝኽእልን ንድሕንነት ደቅሰባት ድማ አስጋኢ ብምዃኑ እዩ። 

እቲ ቅድስቲ መንበር ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዕላማ አህጉራዊ ዝምድናታት ዝኾነ ውዕል እገዳ ፈተነታት ኑክልየሳዊ   ብጽንዓት ከም ትድግፎ ገሊጾም። 

ብተወሳኺውን ቅድስቲ መንበር ነቲ ምኽልካል ኑክልየሳዊ ኣጽዋር (TPNW) ብዝምልከት እተገብረ ውዕል እገዳ ኑክልየሳዊ ፈተነ አጸቢቑ ንኽድልድልን ክጸንዕን ከም እትሰርሕ አመልኪቶም።

31 August 2023, 13:51