ድለ

ቫቲካን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖሶስ ስም ዝርዝር ተጋባእያን ወግዓዊ ይገብር ቫቲካን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖሶስ ስም ዝርዝር ተጋባእያን ወግዓዊ ይገብር 

ቫቲካን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖሶስ ስም ዝርዝር ተጋባእያን ወግዓዊ ይገብር

ብዙሓት ካብ ዓለም ብዝርከቡ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝተሓርዩን ደሓር እውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐን ግሊኣቶም እውን ብቐጥታ ብቕዱስነቶም ንኽሳተፉ ዝተሓርዩ

ቅድሚ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ቫቲካን ንመጀመርያ ግዜ ዘይ-ጳጳሳት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ናይ ተሳተፍቲ ስም ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍት፥ ኣብቲ ሲኖዳውነት ኣብ ዝብል ዛዕባ ዝመክር ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝርዝር ተሳተፍቲ ብወግዒ ከም ዝሓበረን ኣብቲ ስም ዝርዝር ንፈለማ ግዜ  ዘይ-ጳጳሳት እውን ዝርከብዎ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ጳጳሳት ዘይኮኑ ተሳተፍቲ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ተጋባእያን 21 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ፥ ብዙሓት ካብ ዓለም ብዝርከቡ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝተሓርዩን ደሓር እውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐን ግሊኣቶም እውን ብቐጥታ ብቕዱስነቶም ንኽሳተፉ ዝተሓርዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ኣምላኽ

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ሲኖዶስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቶም ልኡካን ተግባእያን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ቤተ ክርስቲያን ዝተመርጹ ምዃኖም ሓቢሮም፥ ካብ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝመጹ ምዕሩይ ዝምድና ዘለዎን እቶም ጳጳሳት ዘይኮኑ ተጋባእያን ድማ ምዕሩይ ጾታዊ ዝርጋሐ ዘለዎምን ማሕበረሰብ ከከም ደረጃታቱን ኩነታቱን ዝውክሉ ምዃኖም ኣብሪሆም፡ ኩሎም ኣባላት ሲኖዶስ እውን ኣይኹኑ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝግበር ዘተ ክሳተፉን ኣብ እማመታት ድምጺ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጦም። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርዝር ዝተነብሩ ተጋባእያ ድማ ኣብ ዘተ ዝሳተፉ ግና ድምጺ ዘይህቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተነብሩ ድማ ነቲ መስርሕ ኣብ ምምችቻእ ወይ ኣብ ምምካር ተራ ክጻወቱ ግና ኣብ ዘተ ጣልቃ ዘይኣትውን ዘየድምጹን ምዃኖም የብርሁ።

ወሲኾም እቲ ዝቐረብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይ መወዳእታ ኣይኮነን ምኽንያቱ ካብ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ገና ዝለኣኽ ዝርዝር ስለ ዘሎ፥ ኣብ ህይወት እውን ብዙሕ ኩነታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ናይ ተሳተፍቲ ዝርዝር ክቀያየርን ክሕደስን ዝከኣል ምዃኑ የዘኻኽሩ።

መንፈሳውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ርክብን

ቀጺሎም ናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን፥ ኣብ ዝህብዎ መግለጺ፥ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኩሎም ተጋባእያን ኣቐዲሞም ኣብቲ ንስለሰተ መዓልቲ ዝግበር መንፈሳዊ ሱባኤ ዝሳተፉ ምዃኖም ኣጒሊሖም፥ ካልአይቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊት እናቴ ናታሊ ቤኩዋርት፥ ሓደ ካብቲ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ዝተኻየደ ምይይጥ እተረኽበ ቀንዲ ነጥብታት ንመንእሰያት ኣብቲ መስርሕ ምክፋል ዘለዎ ኣገዳስነት ዝብል ምዃኑ ገሊጸን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣዳለውቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን፡ ብጀካ እዚ ኣገዳስነት እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ርክብ ዘጉልሕ እውን ምዃኑ ብፍላይ ነቲ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ “ብሓባር ሕዝበ እግዚኣብሔር ነሕብር” ብዝብል ኣርእስቲ ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዋዜማ ሲኖዶስ ኣብ ዘካይድዎ መንፈሳዊ መደብ መሰረት ገይረን ከም ዝሓበራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 July 2023, 16:18