ድለ

ሰንበት መዓልቲ ባሕሪ፥ ቅድስቲ መንበር ንባሕረይናታት ዘለዋ ቅርበት ተረጋግጽ! ሰንበት መዓልቲ ባሕሪ፥ ቅድስቲ መንበር ንባሕረይናታት ዘለዋ ቅርበት ተረጋግጽ! 

ሰንበት መዓልቲ ባሕሪ፥ ቅድስቲ መንበር ንባሕረይናታት ዘለዋ ቅርበት ተረጋግጽ!

እቲ ዝተሓላለኸ ኣወዳድባ ሕብረተሰብና ዘይማዕርነት ናይ ምሕባእ ውሱን ዝንባለ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈሳዊ ሃብትን ንዋታዊ ድሌታትን ትሑታት ሰባት ኣብ ጽላልቶ ይሓድጎ!

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ሰንበት “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ” ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፥ “ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ቅርበትን ምትሕብባርን” ብምርግጋጽ፡ ነዞም ክፍሊ ሕብረሰብ “ኣገዳስነት ዕዮታቶም ድሌታቶም ኣቃልቦ ክግበረሉ” በቢ ዓመቱ እተብዕሎ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ፥ ሰንበት ዕለት 9 ሓምለ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ዝኽበር መዓልቲ ማያት ባሕሪ፥ ናይቶም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዕዮታቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጉልሑን ንጸገማቶምን ድሌታቶም ኣቃልቦ ክወሃቦን ማሕበረሰብ ክርቲያን ስሌኦምን ኣባይቲ ስድራኦምን ክጽሊ ዘዘኻኽር መዓልቲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ

ብርግጽ ሳላ እዞም ባሕረይናታት “መዓልታዊ ህይወትና ዝድግፍን ቁጠባ ቀጻልነት ክህልዎ ዝገብርን” እዩ ቢሎም፥ “እንተኾነ ግን ብዛዕባኦም ብዛዕባ እምነቶም ወይ ብዛዕባ ከመይ ከም ዘፍቅሩን ተስፋ ከም ዝገብሩን ዳርጋ ብዙሕ ኣይንገርን ወይ ኣይፍለጥን . . . ብዙሓት ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ርሒቖም ከም ዝጸንሑን ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝጸንሕሉ ነዊሕ እዋን መንፈሳዊ ኣገልግሎት እውን ከምዘይረኽቡን፥”

እቲ ዝተሓላለኸ ኣወዳድባ ሕብረተሰብና ዘይማዕርነት ናይ ምሕባእ ውሱን ዝንባለ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈሳዊ ሃብትን ንዋታዊ ድሌታትን ትሑታት ሰባት ኣብ ጽላልቶ ይሓድጎ!

ስለዚ ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ንባሕረይናታት ጥራሕ ዝተሓዝኣ መዓልቲ ከም ዘይኮነ ብምዝኽኻር፥ “ኣቃልቦ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቶም ሳላኦም ዓቢ ክፋል ናይቲ ዝምግበና ጸጋታት እነስተውዕለሉን ተጠቓምነትና እንዝክረሉን ምእንቲ እዚ እውን እነመስግነሉን ዕለት እዩ፥

ነቶም ኣብ ባሕሪ ዘለኹም እዚ ድምጺ ዝህብን ናይ ብሓደ ድምጺ ዝተቓንየ መልእኽቲ ከብጽሓኩም ቤተ ክርስቲያን ቀረባኹም እያ። ሓጎስኩምን ጭንቀትኩምን ንልብና ቀረባ ዝገብር መዓልቲ እዩ . . .

ብሓባር ኢና እንጓዓዝ

ቤተ ክርስቲያን ንባሕረይናታት እትህቦ ነገር ጥራይ ዘይኮነስ ካብኦም እትቕበሎ ነገር እውን ከም ዘለዋን፡ “ንሕና እውን ታሪኽኩም ምስክርነትኩም ኣረኣእያኹም ብዛዕባ ስራሕን ቁጠባን ብዛዕባ ዝምድናታት ሃይማኖታትን ዝተፈላለዩ ባህልታትን ብዛዕባ ኩነታት ባሕርን ምድርን ከምኡ እውን ብዛዕባ እምነት” ዝብልዎ ጠቒሶም፥ “ተመክሮኹም ንኹሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ብኣኦም ኣቢሉ እውን ንመላእ ሕብረተሰብ ከብጽሕን ክብድህን ዝኽእል እዩ፥”

ንሕና ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢና፡ ኣብኣ ብሓባር ንመላለስ ብሓባር ንቕድሚ ክንከይድ ይግባእ። ብሓባር ክንጓዓዝ ንዝኾነ ሰብ ድሕሪት ከይሓደግና፥ ንሓድሕድና እናተደጋገፍና። ሓደ’ኳ ዘቕርቦ ከም ዘይብሉ ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን!

ካብዚ እዩ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ማያት ባሕሪ፥ ንስራሕ ባሕረይናታት “ካብ መዓልታዊ ተመክሮን እምነትን ኩሉ ዘይርሕቕ” ዝገብር “ብቐጻሊ ምልውዋጥ ዝድግፍ ኩነት ንሓድሕድና ንምቕራብ ዘኽእል” ጻዕርታታ ንምሕዳስ ቃል እትኣትው - ቢሎም - ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮኾብ ባሕሪ ተማሕጺኖም፥ “ምጽንናዕን ጽንዓትን ኩንና” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 July 2023, 15:46