ድለ

2013.07.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላምፐዱዛ 2013.07.08 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላምፐዱዛ 

ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ላምፐዱዛ፥ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’

ወሲኾም ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝጋጠመ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ፡ እንተዘይዘኪርናዮ ሕጂ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘለና ኣመይፈለጥናን፡ ነገራት ንኽንቀሳቐሱ ካብ ጭርሖታት ክንርሕቕን ብልብና ክንዛረብን ከነካፍሎን ይድርኸና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናብ ላምፐዱዛ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዓስራይ ዓመቱ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ስደት ብርግጽ ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ክስተት እዩ ይኹን እምበር ብልብና ምስማዕን ምርኣይን” ጥራሕ እዩ ኪፈትሖ ዝኽእል ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱዛ ታሪኻዊ ምብጻሕ ካብ ዝገበርሉ ግዜ ኣትሒዞም ዓመት መጸ እትዝኸር ዕለት እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሲቺሊያ ርሒቓ እትርከብ ደቡባዊት ደሴት ኢጣሊያ ካብ ኣፍሪቃ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ እውን ካብ እስያ ዝመጹ ናብ ኤውሮጳ ኪኣትዉ ንዝደልይ ዘይሕጋዊ ስደተይናታት ብቐንዱ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ዝመጹላ ከም ዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተመረጹ ንፈለማ ግዜ ካብ ሮማ ወጻኢ ዝገበርዎ ጉዕዞ ምልክት እቲ ኣብ መዲትራኒያን ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻሜታት ብምምራጽ ብዛዕባ ኩነታት እቶም ካብ ውግእን መስጎጒትን ድኽነትን ዚሃድሙ ስደተይናታት ዑቕባ ዚደልዩን ኩሎም ትኩረት ክግበረሎምን ዓለም ነዚ ጉዳይ እዚ ዝመዓራረ ፍትሓዊ መልሲ ንኽህበሉ ጻውዒት ዘቕርብ እዩ፡

ብጻህ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ላምፐዱዛ፥ ጻውዒት ስጉምቲ

እቲ ቅዱስነቶም ዝፈጸምዎ ዑደት ንውሑዳት ሰዓታት ጥራሕ እውን እንተነበረ ንኤውሮጳ ክበጽሑ ንዝፍተኑ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍአን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ጸሎት ብምግባርን ምልክት ሓዘን ንምምልክትን ዕንባባ ናብ ባሕሪ ደርብዮም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ሰጣሕ ጎልጎል እታ ደሴት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑን፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራሕ ከም እንሓስብ ዝገብረና ኣውያት ካልኦት ሰባት ዘይስምዓና ዝገብረና ‘ዓለማዊ ግብረ ዘይምግዳስ” ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ዘስምዕዎ ስብከት፥ እግዚኣብሔር ንቃኤል ሓውኻ ኣበይ ኣሎ እንክብል ዝሓተቶ ሕቶ ሕመረት ዝገበረ ኮይኑ፥

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ደሙ ናባይ ይጭርድ ኣሎ፡ እዚ ናብ ካልኦት ዘቕንዔ ሕቶ ኣይኮነን! ናባይ ናባኻ ንነፍሲ ወከፍና ዘቕንዔ ሕቶ እዩ፡ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገለ ቅሳነትን ሰላምን ንምርካብ ካብ ከቢድ ኩነታት ክሃድሙ ዝፈተኑ እያቶም። ንርእሶምን ንስድራ ቤቶምን ዝሓሸ ቦታ ንኽደልዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ሞት ረኸቡ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ክንደይ ግዜ እዮም ዝርድኦም ዘርይረኽቡ፡ ተቐባልነት ዘይረኽቡ ሓገዝ ዘይረኽቡ!

ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፥ ድሕሪ ዓሰረ ዓመት ምብጻሕ ናብ ላምፐዱዛ ቅዱስነቶም፡ ንቤተ ክርስቲያንን መንግስታትን ብማዕረ ጻውዒት ስጉምቲ ኮይኑ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ባሕሪ ማእከላይ ግዳያት ዘይሕጋውያን ስደተይናታት እናወሰኹ ይቕጽሉ ብምህላዎም “ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር” ኮይኑ ከም ዘሎን እዚ ስቃይ እዚ ከብቅዕ ናይ ኩሉ ሕሊና ዘነቓቕሕ እዩ።

ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ብጠቕላላ 17 ሺሕ ስደተይናታት

ኣብቲ ናብ ኤውሮጳ ዝወስድ መስመር ስደት ማእከላይ ባሕሪ፥ ንሊቢያን ቱኒዝያን ምስ ጣልያን ዘራኽብ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሞትን ሃለዋት ምፍጥፋእ ስደተይናታትን ዝረኣየሉ ከምዝኾነን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ልዕሊ 17 ሺሕ ስደተይናታት ዝሞቱን ደሃዮም ዘይተረኽበን ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ቁጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ምዃኑ እውን እዩ ዝሕሰብ፡ ብምዕራባዊ መስመር 2,300 ኣብ ብራቓዊ መስመር ድማ 1,700 ስደተይናታት ከምዝሞቱ ይሕብር። ሕብረት ኤውሮጳ ብመሬት ካብ ዞባ ባልካን ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተይናታት ደው ንምባል ንቱርኪ ልዕሊ 6 ቢሊዮን ኤውሮ ክህብ እንከሎ፡ እቲ ዋሕዚ ብድሕሪኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዚዩ ክጐድል ከም ዝገበረን ሓደ ክፋል ናይቶም ናብ ቱርኪ ዝውሕዙ ስደተይናታት ግን ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኢጣሊያ ንምእታው ዝፍትኑ ብዙሓት እያቶም፥ ይቕጽል እውን ኣሎ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዝዓበየ ቁጽሪ ስደተይናታት ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዝጀመረ ኮይኑ ካብ ሚስራት ሊቢያ እትጓዓዝ ዝነበረት 20 ሜትር ዝንውሓታ ጀልባ ካብ ላምፐዱዛ ፍርቂ ማይል ርሒቓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ተገልቢጣ 368 ስደተይናታት ከም ዝሞቱን እስታት ዕስድራ ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረክበን እቲ ዳሕረዋይ ቀታሊ ፍጻሜ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዕለት 14 ሰነ 2023 ዓ.ም. ዘጋጠመ ኮይኑ ክሳብ 750 ስደተይናታት ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነት መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ተገልቢጣ ዓሰርተታት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ደሃዮም ከም ዘተረኽበ ይዝከር።

ስደት ብጭሖታት ክፍታሕ ዘይክእል ዝተሓላለከ ክስተት እዩ

ኣብ ቅድሚ እዚ ዘሕዝን ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ብልብና ክንሰምዕን ክንርእን እምበር ኩሉ ክንውጥን ከም ዘይንኽእልን” ዝለገጽዎ ሓሳብ፡ እቲ ክስተት ስደት ከምዘሎ ምርዳእ ማለት ምዃኑ” ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ “ስደት ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ . . . ንዝተሓላለኹ ጸገማት ቀለልቲ መፍትሒታት ኣለዉ ኢልና ምሕሳብ ዝለመድና ኮይንና ኣሎና፡ ይኹን እምበር እቲ ሓቀይና ሕቶ ኣብ ታሪኽ ዓለም ወትሩ ዝጽንሕ ስደት ደጋፊ ወይ ኣንጻር ምዃን ዘይኮነስ ከመይ ገርካ ተመሓድሮ ዝብል እዩ” ቢሎም፥ “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ይብሉ ሩፊኒ ወሲኾም ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝጋጠመ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ፡ እንተዘይዘኪርናዮ ሕጂ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዘለና ኣመይፈለጥናን፡ ነገራት ንኽንቀሳቐሱ ካብ ጭርሖታት ክንርሕቕን ቢልና ክንዛረብን ከነካፍሎን ይድርኸና ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 July 2023, 16:53