ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ እዮም  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ር.ሊ.ጳጳስናኦም ምስቲ ዕለት 9 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ብወግዒ ዕለት 30 መስከረም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ዝገለጽዎ ሓዊስካ፡ 9 ግዜ ጉባኤ ካርዲናላት ከምዝጸውዑን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠመተኦም ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብምግባር፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ንኽሰምዩ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑን ብዙሓት እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ካብ “ወሰን” ቤተ ክርስቲያን ዝመጹ ምዃኖም ነዚ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ር.ሊ.ጳጳስናኦም ምስቲ ዕለት 9 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ብወግዒ ዕለት 30 መስከረም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ዝገለጽዎ ሓዊስካ፡ 9 ግዜ ጉባኤ ካርዲናላት ከምዝጸውዑን እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ እቲ ኣብ ክልተ እዋን ዝካየድ ዝጸውዕዎ  ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ኣብ ዋዜማ ምጅማር እቲ ቀዳማይ ሲኖዶስ እዩ።

ዝርዝር ናይቶም 21 ቅዱስነቶም ካርዲናል ንኽኾኑ ዝሓረይዎም እቶም 18 ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ከም ዝኾኑን ስለዚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን ሕገ ቆኖናዊ መሰል ዘለዎም እዮም። እቶም ሰለስተ ድማ፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ናይ ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓደስቲ ህየንተ ንኽኾኑ ቅዱስነቶም ዝሓረይዎም እዮም፣ ካልእ ፍልይ ዘይብሎ ድማ ካብቶም 21: እቶም ሓደ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውል ትሸሪግን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክርቲስቶፍ ፒየር ዝርከብዎም፥ ሊቀ ጳጳሳት ፒየር ብፍላይ ኣብ ምምራጽ ጳጳሳት ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምትሕብባር ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ሚዛናዊ ሰብ ምዃኖም ዝንገረሎም እዮም።

ካልእ እቲ ፍልይ ዘብሎ ድማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኢዮርሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፒዛባላ ናይ መጀመርታ ሕጹይ ካርዲናል ምዃኖም እዩ፡ . . . ከምኡ እውን እቲ ስሜት ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝበጽሕዋ ሃገረ ድቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ስተፈን ሙላን፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ከፕታውን ሊቀ ጳጳሳት ስቲቨን ብሪስሊን ከምኡ እውን ኣብ ታንዛኒያ ናይ ታቦራ ሊቀ ጳጳሳት ፕሮታሰ ሩጋምብዋ ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ፡ እቲ ሕርየት ኣብ ወሰናስንን ቅድመ ግንባር ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣቃልቦ ዝሃበን እዘን ሰለስተ ሰበኻታት ንፈለማ ግዜ ካርዲናል ክህልወን ምዃነን እዩ።

ብተወሳኺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎም ናይ ሆንግ ኮንግ ሊቀ ጳጳስ ስቲቨን ቸው ሳው ያንን ናይ ሳሊዥያን ገዳማውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ክብሩ ኣባ ኣንገል ፈርናንደስ ኣርታይም ዘጠቓለለን፡ ካብቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ድማ ናይቲ ቀደም ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገየሽትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ናይ ስነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሊቅ ሊቀ ጳጳሳት ኣጎስቲኖ ማርከቶን 96 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርጀንቲናዊ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ልዊስ ድሪ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ዝነብሩ ዘለዉ ይርከብዎም።

እቶም ሓደስቲ ዝተመዙ ካርዲናላት፥ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎ ቁጽሪ ካርዲናላት ናብ 137 ከብ የብሎ . . .  ብክፋል ዓለም ክርአ እንከሎ 15 ኢጣሊያውያን ሓዊስካ እቶም 53 ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎ ኤውሮጳውያን 15 ካብ ስሜን ኣመሪካ ካብኣቶም ድማ እቶም 11 ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቶም 4 ድማ ካብ ካናዳ ዝርከብዎምን 24 ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ 19 ካብ ኣፍሪቃ፡ 23 ካብ እስያ፡ 3 ድማ ካብ ኦቻይና ምዃኖም ኣድንረያ ቶርኒየል ይሕብሩ።

(Andrea Tornielli)     

11 July 2023, 16:08