ድለ

ቤተ ምጽዋት ጴጥሮስ 2022 ዓ.ም.፥ ንተልእኾ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳጳሳትን

ቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ 2022 ዓ.ም. ንናይ ኩላዊት ቤተ ርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾን ንምድጋፍ ዝረኸቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝን ወጻኢታቱን ኩሉ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘቕረበን፥  ካብቲ ዝረኸቦ ጠቕላላ 107 ሚሊዮን ኤውሮ ዝግመት ሓገዝ ርእሰ ማል ንተልእኾ ቅዱስነቶም 95.5 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዘውጸኣ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2022 ዓ.ም. ቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ብድምሩ 107 ሚሊዮን ኤውሮ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ 95.5 ሚሊዮን ኤውሮ ንናይ ቅዱስነቶም ኵላዊ ኣገልግሎት ከም ዘውዓሎ ኣመላኺቱ፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ንቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝህብዎ ኣበርክቶ ብመገዲ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት መሰረት ዝቐርብ ኮይኑ እዚ እውን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ካብ ኩለን ሰበኻታት ብኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቢሉ ዝቐርብ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ናይ ብሕቲ ለገስቲ ሃይማኖታዊ ማሕበራት መሰረት ዝርከብ ገንዘብ እዩ።

ንኩርያ ሮማናን ንገበርቲ ሰናይን ተገበግሶታት ዝግበር ድገፍ

እቲ ኣበርክቶ ንኽልተ ቀንዲ ዕላማታት ዘገልገለ እዩ፡ ንጥፈታት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና ኣካላትን ትካላትን ምድጋፍን ንዝተጸገሙ ተበግሶታት ግብረ ሰናይ” ምድንፋዕን ዝብል ኮይኑ፡ ካብቲ ዝተዋህበ ጠቕላላ 77.6 ሚሊዮን ኤውሮ ብቕድስቲ መንበር ኣቢሉ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ተልእኾ ንምድጋፍ ዝተመደበ ክኸውን እንከሎ፡ 16. 2 ሚሊዮን ኤውሮ ድማ ንኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ንቐጥታዊ ናይ ሓገዝ መደባት ከምዝወዓለን ንዝተጸገሙ ሰባትን ኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ድኻታት ንዝተፈላለያ ሰበኻታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ከምኡ እውን ብተፈጥሮኣዊ መዓት ወይ ውግእ ንዝተሃሰዩ ሓገዝ ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ደገፍ ዘቕርብ እዩ።

ድጋፍ ንዝተጸገሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢሎም ንዝተጸገሙ ናይ ሓገዝ መደባት መሳለጢ 36 ሚሊዮን ኤውሮ ከም ዘበርከቱን እቲ 16.2 ሚሊዮን ኤውሮ ድማ ብናይ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ ምጽዋት ዝተመወለ እዩ። እቶም ናይ ሓገዝ መደባት ኣብ 72 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዘርገሐ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ዝርከበኦ ኮይኑ፡ ንማሕበራዊ ውጥናትን ንወንጌላዊ ህላወ ናይተን ብዙሓ ድኻታት ኣብ ዝርከብወን ሃገራት ዘለዋ ሰበኻታት ዝድግፍ፡ ከምኡ እውን ምስፋሕን ምዕቃብን ህላወ ወንጌል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝቖማ ሓደስቲ ሰበኻታት ዝተመደበ እዩ። . . . ንኣብነት ኣብ ዩክረይን ብኲናት ዝተሃስዩ ንምድጋፍን ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስዩ ተበግስቶታት ክንክን ጥዕናን ናይ ህንጸትን ትምህርቲ መደባትን ከምኡ እውን ንህንጸት ሓደስት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝወጽእ ሓገዝ ዘጠቓልል እዩ።

ሓዋርያዊ ተልእኾ ር.ሊ.ጳ. ንምድንፋዕ

ካብ ምእመናን ናብ ቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽበ ሓገዝ እዚ እውን ነቲ ናይ ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ተልእኾ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኮይኑ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምስፋሕ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ህንጸት ካህናትን መሳለጢ ስነ ክሌኣዊ መላዊ ርክባት ንዘካይዶ ጻዕርታት ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነት ንምዕባይን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘጥቓልል እዩ። ኣብ 2022 ዓ.ም. ቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ “ጉጅለ ሓዋርያዊ ተልእኾ” ዝተጠርነፉ 70 ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣካላትን 77.6 ሚሊዮን ኤውሮ ኣበርኪቱ በዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ወጻኣኢታት ናይዘን ኣካላት 20 ሚእታዊ ከም ዝሸፈነን እዞም ኣካላት እዚኣቶም ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ዘገልግሉ፡ ኣብ ጸገም ንዝርከባ ኣባይቲ ክርስቲያን ከባቢ ድጋፍን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምዝርጋሕ መልእኽትታት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካንን ካልእን ይርከብዎም።

መጋበርያ ምጽንናዕ

እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ቤተ ምጽዋት ቅዱስ ጴጥሮስ 2022 ዓ.ም.፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ቤተ ክርስቲያን ‘ኵላትና’ እያ፡ ኵሎም እቶም ንጐይታ ኢየሱስ ዝስዕቡን ብስሙ ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡን ንኡሳንን ዝቐርቡ ሓገዝን ምጽንናዕን ሰላምን ከቕርቡ ዝደልዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሱ ይድምድም።

01 July 2023, 16:35