ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣገዳስነት ተልእኾ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክሬይንን ሩሲያን

ብፍሉይን ፍሉይ ውልቃውን ረብሓ ዘይዕብለል፥ ብርእየት ዓለም ዘይዕብለል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድልየና። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝኽበረሉ ሕቡራት ሃገራት። ግርጭት ናይ ምክልኻልን ምፍትሕን ዓቕሚ ዘለዎ ሕቡራት ሃገራት። በቲ ንዕላማ ዝምጥን ኣገባባት ዝምራሕ። በዚ መንጽር እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ኣብ መሰረቱ ክምለስ ዘኽእል ጽገና የድልዮ ዝብል እምነት ኣሎኒ። . . .

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዩክሬይን ዝከየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባልን ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ዝገብር ናይ ቅድስቲ መንበር ጻዕሪ ከመርሑ ናይ ሰላም ልኡኾም ገይሮም ዝሰመይዎም ካርዲናል ዙፒ ተልእኾን ኣብ ኪየቭን ሞስኮን ዘካየድዎ ምብጻሕን ኪደታቱን ኣማእኪሎም ምስ ናይ ኢጣሊያ ረዲዮን ተለቪዥንን ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብናይ ኢጣሊያ ናይ መንግስቲ ተለቪዥን ዕለት 6 ሓምለ ኣብ ዝተገብረሎም ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ናይ ሰላም ልኡኽ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ቅድም ኣብ ኪየቭ ደሓር እውን ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ከም ዘይካየዱን፥ ብዛዕባ ዝተመዛበሉን ስደተይናታትን ሓባራዊ ፍታሕ ክርከብ ተስፋ ዘንበረን ድሕሪ 75 ዓመት ኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፥ ኣብዚ ስደት ዘየብቀዓሉ ዓለም ክኽበር ዝሓትት ምዃኑ የብርሁ።

ብጹዕነትኩም ዓለም ከምቲ ኣብ ግዜ ‘ዝሑል ኲናት’ ዝነበረቶ ዳግማይ ኣብ ቀጽሪ ክትምቐል ኣብ ዝገብር ሓደጋ ድያ ዘላ? እቲ ዘሕዝን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብልዎ ካብ ዝሑል ኩናት ናብ እናተገማመዐ በቢቍንጣር ኣብ ዝካየድ ውግእ ሳልሳይ ዓለም ኢና ዘሎና፡ ውግእ ብሓደ መልክዕ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ሰባት ኣብ መንጎ ጉጅለታት ኣብ መንጎ ሃገራት ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝፍጠር ተጻብኦ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ድማ ሎሚ ዳግማይ ትንሳኤ ተጻረርቲ ጉጅለታት ንርኢ ኣሎና። እዚ ሓድሽ ምዕባለ ከምዘይኮነ እምነተይ እዩ። ካብ ዝተወሰነ ግዜ ሎሚ እዚ ምፍልላይ፡ እዚ ንጽጽር፡ እዚ ወጥሪ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዓለም ንርእዮ ኣሎና፡ እዚ እውን ነዚ ዘሕዝን ተርእዮታት ከም ግጭትን ውግእን ዘስዕብ እዩ።

ነዚ ኩነት እቲ ገዛእ ርእስና ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ነቲ ድሕሪኡ ናብ መስርሕ ሄልሲንኪን ኣዋጃት ሄልሲንኪን ዝመርሐ፡ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ብቕጽበት ንማሕበረሰብ ዓለም ህያው ዝገበረ መንፈስ ክንመልሶን ነቶም ኣብኡ ዝተነብሩ ተስፋታትን ርእየት ዓለምን ዳግማይ ክንረኽቦ ኣሎና። . . . ስለዚ ኣካሊት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዳግማይ ንምህናጽ ዘኽኣለ ሳዕቤን ተመክሮ ኩናት ሎሚ ክምለስ ኣለዎ።

ስግኣት ሓደጋ ኑክለሳዊ ምዕባለ ብኸመይ ዘይምህላው ይከኣል? ኑክለሳዊ ምዕባለ ርኡይ ጸገም እዩ። ሎሚ ትሽዓተ ሃገራት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ኣለዋ። እቲ ዝንባለ ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምካይ ዘይኮነስ ንምዕባይ ዝዓለመ ዝኾነ እዩ ዝመስለኒ። እተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብለን ሃገራት ድማ ንመከላኸሊ ብዝብል ዕላማ ክህልወን ይፍትና ኣለዋ። መርገጺ ቤተ ክርስቲያን መርገጺ ር.ሊ.ጳ. ንጹር እዩ! ምውናንን ምጥቃምን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር እዩ። ምኽንያቱ ጥፍኣት ኩሉ ፍጥረት ስለ ዝኾነ።

ብኸመይ ክውገድ ይኽእል? እቲ እንኮ መገዲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምፍራስ ዕቱብ መደብ ምጅማር ጥራይ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ካልእ ኣማራጺ የሎን። ካብዚ ስግኣት እዚ መላእ ፍጥርት ምድሓን የድሊ!

ንተልእኾ ካርዲናል ዙፒ ናብ ኪየቭን ሞስኮን ብኸመይ ትግምግማዎ፡ ቀጻሊ ስጉምታቱኸ እንታይ እዩ? ኣዚዩ ኣገዳሲ ተልእኾ እዩ። እቲ ናብ ሞስኮ ዝገበርዎ ተልእኾ ኣካል  ናይቲ ብር.ሊ.ጳ.፥ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ሰብኣዊ ወገን ዘተኮረ እዩ። ማለት ኣብ ምልውዋጥ እሱራትን ምምላስ ህጻናትን ዘተኮረ እዩ። እዚ ድማ ምስ ሞስኮ ምዝርራብ የድሊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብዚ ነጥብ እዚ ድማ ካርዲናል ዙፒ ምስ ወኪል ርእሰ ብሔር ፑቲን ምስ ኡቫኮቭ ኣብ ሩሲያ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳያት ሓላፊት ክልተ ኣኼባታት ኣካይዶም እዮም፡ እዚ ተገዳስነት ቅድስቲ መንበር ብወገን ሩሲያ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ነዞም ተበጺሖም ዘለዉ ስምምዓት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገባባት ምርካብ የድሊ። ምናልባት ብሓገዝ ገለ ኣህጉራዊ ትካላት ነዚ ውጽኢት እዚ ንምዕታር ይከኣል። . . .

ቅድሚ ስሳ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝጸሓፉዋ ‘ሰላም ኣብ ምድሪ’ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ሓቅን ፍትሕን ናጽነትን ፍቕርን ሰላም ዝስርተሉ ኣዕኑድ ምዃኑ የመላኽቱ። ሰላም ኣብ ዩክረይን ብኸመይ ክኽወን ይከኣል? ሰላም ኣብ ዩክሬይን ፍትሓዊ ክኸውን ግድን እዩ። ነዚ ብዙሕ ግዜ ደጋጊምና ዝገለጽናዮ ሓሳብ እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ሰላም ነዞም ከምቶም ንቤት ዝድግፉ ኣዕኑድ ዝኾኑ መሰረታዊ መትከላት ኣብ ግምት ከእቱ ግድን እዩ። እዞም ኣዕኑድ እንተዘይሃልዮም ነፍሲ ወከፍ ህንጻ ግዚያዊ ናይ ምዃን ሓደጋን ኣብ ቀዳማይ ርእደ መሬት ናይ ምዕናው ሓደጋ እዩ ዝህልዎ።

ሓቂ ማለት ሓድሕዳዊ መሰላትን ከምኡ እውን ሓድሕዳዊ ግብኡን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ልዕሊ ኩሉ ክብሪ ሰባት ኣብ ግምት ምእታው ማለት እዩ። ደሓር ከኣ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕጊ እዚ መሰረታዊ እዩ። ቅድስቲ መንበር ወትሩ ዝሓተተቶ ነገር እንተሃልዩ ኣህጉራዊ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ኩለን ሃገራን ማሕበረሰብ ዓለምን ሰላም ንምዕቃብ ግርጭት ንምፍታሕን ዝሕግዝ መገዲ ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባርን ነዚ ሕጊ እዚ ክግዝኡን ክሰማማዑን ኣለዎም። ስለዚ ዘተ ድርድር መገዲ ፍትሕን ኣፍልጦ ዶባትን ርእሰ ውሳኔ ህዝብታትን ምኽባር፡ ምኽባር ውሁዳንን እዚ ኹሉ ኣብ ውሽጢ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝርከብ ተኸታታሊ መትከላት እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽገና የድልዮ ድዩ? ናይ መጻኢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ትሓስብዎ? እወ ጽገና የድልዮ እዩ! ንሕና ከም ቅድስቲ መንበር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወትሩ ንድግፍ ኢና። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዋላ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጭቡጥ ምብጻሕ ብምግባር፡ ወትሩ ደገፎም ኣርእዮም እዮም። እንታይ ክንሓስብ ንኽእል እንታይ ክንሓልም ንኽእል እንታይ ክንምነ ንኽእል፥ ብሓቂ ምሕያል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝብል እዩ። ኩለን ኣባል ሃገራት ናብ ሓባራዊ ረብሓ ወዲ ሰብ ብዘቕንዐ መንፈስ ከመይ ጌረን ከም ዝዋስኣ ኣፍልጦ ምሃብ ብዝብል ትርጉም ምድልዳል፡ ኣምር ስድራ ቤታዊ ኣህዛብ እዩ። ስለዚ ፍሉይን ፍሉይ ውልቃውን ረብሓ ዘይዕብለሉ፥ ርእየት ዓለም ዘይዕብለሉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድልየና። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝኽበረሉ ሕቡራት ሃገራት። ግርጭት ናይ ምክልኻልን ምፍትሕን ዓቕሚ ዘለዎ ሕቡራት ሃገራት። በቲ ንዕላማ ዝምጥን ኣገባባት ዝምራሕ። በዚ መንጽር እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ኣብ መሰረቱ ክምለስ ዘኽእል ጽገና የድልዮ ዝብል እምነት ኣሎኒ። . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኤውሮጳ እጃማ ከተበርክት ይጽውዑ፡ ብዛዕባ ስደት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ግን ሕብረት ኤውሮጳ ተገማሚዓ ትርከብ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝያዳ ስምርቲ ኤውሮጳ ተድልይዶ? እዚ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነት እዩ። ምኽንያት እዚ ግዳይ ስደተይናታት ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ስለ ዝኣመንና፡ ሎሚ ጸገም ስደተይናታት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዓለማዊ ጸገማት ምዃኑን፡ ቀሊልን ቅጽበታዊ ፍታሕ ዘድልዮ ከም ዘይኮነ ንፍለጥ ኢና። እቲ ናብ ፍትሒ ዝወስድ መገዲ ብመልክዕ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ግምትን ናይዚ ጸገም፡ ከምኡ እውን መልሲ ዝረከበሉ መገዲታት ዝመስል ኩሉ ናብ ሓባራዊ ድምጺ ምስሓብ። ምፍልላይ ነዚ ተርእዮ ብሰብኣውን ስርዓትን ምምሕዳር ዘየገልግል ጸገማት ዝውስኽ እዩ ዝኸውን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን ሰላም ርሒቑ ኣሎ። ድሕሪ ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ጀኒን ሓድሽ ወጥሪ ንዕዘብ ኣሎና። እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ?  . . . እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ኣድማሳዊ ኣፍልጦ ክልተ ሃገራት ዝብል እዩ። እዚ እዩ መፍትሒ ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ ጸገም። . . . ኣብዚ መፍትሒ እዚ ንምብጻሕ ቀጥታዊ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዘተ እንተሃልዩ ጥራይ እዩ ናብ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝብጻሕ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ምትእምማን የሎን፡ . . . እቲ ቀዳማይ ጻውዒት ኣጠቓቕማ መጋበርያ ዓመጽ ምውጋድ እዩ። ዓመጽ ፈጽምካ ሽግራት ንምፍታሕ ኣይጠቕምን። . . . ምትእምማን ንኽምለሱ ነሓድሕድካ ምርኻብን ምዝታይን ኣብ ውሳኔታት ሕቡራት ሃገራት እውን ዝተመርኮሰ ብርግጽ ኣብ መላእ ዞባ ሰላምን ምዕባለን ዘምጽእ ሓባራዊ ፍታሕ ብሓባር ምድላይ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ መበል ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሃይማኖታዊ ናጽነት እውን ‘ባህሊ ምስራዝን ርእየተ ዓለማዊ መግዛእትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ይመስል? ሃይማኖታዊ ናጽነት ሓደ ካብ ኣዕኑድ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኩሉ ግዜ ብኣጽንዖት ተዘኻኽር። ምኽንያቱ ንሕልና ኣዚዩ ቅርበት ዘለዎ ክፋል ሰብኣውነት ስለ ዝትንክፍ። እዚ ድማ ንኹሉ ሰብ ይምልከት። ዋላ ንዘይኣመንቲ እውን። ሎሚ ድማ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብዝያዳ ንምንካይ ዝግበር ፈተነ ብስፍሓት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ብሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ዝፍጸም ቀጻሊ መጥቃዕትን ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዘዳኽም ቀጻሊ ምንቅስቃሳትን ኣብ ዓለም ዘሎ ስደት ዝምስክሮ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እምነትን ስነ ምግባርን ህዝባዊ ድምጺ ከይህልዎ ዝግበር ፈተነ። ኣብዚ ዝኽሪ እዚ ኩሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምቲ ቅድሚ 75 ዓመት ዝጸደቐ ውሳኔ ክምለስ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ከምኡ እውን ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ፍሉይ ኣቃልቦ ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንኹሉ ካልእ መሰላት ንምኽባር ዝድርኽ እዩ።

እምረት ሰብኣይን ሰበይትን እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ድዩ? ብርግጽ ከምኡ እዩ ዝመስል። ብዛዕባ ወዲ ተባይታይን ጓለንስተይት ንዘሎና ራእይ ብግልጺ ክንሕብር ክንክእል ንሓትት፡ እዚ ራእይ እዚ ድማ ኣብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ሱር ዝሰደደ ካብ ወንጌል ዝተወልደ ራእይ ምዃኑ ርግጸይና እየ። ብሓቂ ንወዲ ተባዕታይን ጓለ ኣንስተይትን ሰብኣውነትን ብሓፈሻ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ብፍላይ ክሕሉ፡ ክከላኸልን ከስፍሕን ዝኽእል ራእይ እዩ። እማመ ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ዝምጭው እዩ። ናይ ሓደ ፍሉይ ራእይ ምጽዓን ማለት ኣይኮነን፡ ንሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝኾንዎ ሕጉሳት ክኾኑ ብሓቂ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ንኣምን ነዞም ብወንጌል ዝተደገፉ ክርብታት ብምድጋፍ።

ዋላ ብሓለዋ ስድራ ቤት? ስድራ ቤት ካልእ ነጥቢ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ቅልውላው ዝያዳ ኣቃልቦ፡ ዝዓበየ ምክልኻል፡ ዝዓበየ ምንቕቓሕ ብኹሉ ዝግብኦ እዩ። ምኽንያቱ ጥዑይ ኣባይቲ ስድራ  እንተላህዮምና ጥራይ እዩ ጥዑይ ሕብረተሰብ ክህልወና ዝኽእል፡ ስድራ ቤት ዋህዮ ሕብረተሰብ ምዃኑ ብሓቂ ንኣምን። እቶም ዋህዮታት ጥዑያት እንተኾይኖም ኣካላት እውን ጥዑይ ይኽውን። ኩሉ ግዜ ካብዚ እወታዊ ራእዩ እዩ እቲ ሓደ ሓደ ግዜ ዘይንርድኦ ተወፋይነትና ዝውለድ፡ ናብዚ ኣረኣእያ እዚ ንምእታው እውን ኣጸጋሚ ምዃኑ ይርድኣኒ እዩ። ተወፋይነትና ክርስቲያናዊ ራእይ ንሎሚ ዓለም ምቕራብ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

08 July 2023, 16:42