ድለ

ስዩም ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ ስዩም ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ 

ስዩም ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ፥ ዘድሕነና ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘይኮነስ ኢየሱስ እዩ!

ሎሚ ነዚ ቃል እዚ ምዝካር ግቡእ እዩ። ናይ እምነት ፍጻመ ንህይወት ዳግማይ ዘመስርቕ ርክብ እንተዘይኮይኑ ንዓለም ዝቕይር ናይ እምነት ጠመቓዊ ትምህርቲ የለን፡ እዚ ድማ ንክርስቲያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ሃይማኖታት ክርአ ዝከኣል ሓቂ እውን እዩ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመዙ ሓደ ካብቶም ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ዝስመዩ ሊቀ ጳጳሳት ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እምነት ብፍላይ ብዛዕባ እምነት ዘሎና ርድኢት ብምዕባይ ንቑሓት ብምዃን ከም ዝዕቀብ ደጊሞም የረጋግጹ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቲዮሎጊያ ኣብ መንጎ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝግበር ዘተ ከምኡ እውን ምስ ስነ ፍልጠትን ማሕበረሰብን ኣብ ዝግበር ዘተ እናዓበየን እናዓመቘን እዩ ዝኸይድ፥ እንተኾነ ግን ወትሩ ንኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሰበኻ ላ ፕላታ ሊቀ ጳጳሳት ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ድሕሪ ዝሃብዎም ሓላፍነት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ናይ ቀረባ ተሓባባሪኦም ከም ዝነበሩ እውን ዘኪሮም፥ ሎሚ ወንጌል ምእዋጅን ንእምነት ምሕላውን እንታይ ማለት ምዃኑ ይገልጹ።

ብጹዕነትኩም ር.ሊ.ጳ. ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽትኮኑ ምስ ሓረዩኹም ነቲ ሽመትኩም ብደብዳቤ እዮም ዘሰነይዎ፡ እዚ ስለምታይ ይመለኩም? ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣዋጅ ሽመተይ ኣተሓሒዞም እውን ንትርጉም ‘ሓላፍነተይ - ኣገልግሎተይ’ ንምንጻር ስለ ዝደለዩ እዩ። ስለዚህ እታ ደብዳበ እንተወሓደ ሽዱሽተ ናይ ኣስተንትኖ ነጥብታት ዝሓዘትን ነቲ ‘ሁሩ ወመሃሩ’ ዘርእስቱ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል እዩ። ከመይሲ “ብሱል ቲዮሎጊያ ኣብ መንጎ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝግበር ዘተ ከምኡ እውን ምስ ስነ ፍልጠትን ማሕበረሰብን ኣብ ዝግበር ዘተ እናዓበየን እናዓመቘን እዩ ዝኸይድ፥ እንተኾነ ግን ወትሩ ንኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ” እዚ ንጹር እውን እንተኾነ ቅዱስነቶም ብዝያዳ የነጽርዎ፥ ስለዚህ እዩ ድማ ቅዱስነቶም ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ዓንቀጸ እምነት ህየንተ ሓደ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ቆሞስን ክኸውን ዝሓረዩ።

ሎሚ እምነት ምሕላው እንታይ ማለት እዩ? ቅዱስ ኣቦና ‘ምሕላው ወይ ምዕቃብ’ ዝብል ቃል ብትርጉም ሃብታም ምዃኑ ይገልጹ። ምዕቃብ ወይ ምሕላው ብርግጽ ንቕሓት ዘግልል ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ትምህርቲ እምነት ልዕሊ ኩሉ ኣብ ርድኢት ብምዕባይ ክዕቀብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጹ። ዋላ እውን መናፍቕነት ዝገልጽ ኩነታትን ትምህርትን ብሓድሽን ዝበለጸን መገዲ እምነት ንምሕላው ነቲ ብዛዕባ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘሎና ርድኢት ናብ ዘብስልን ዘዕብን ቲዮሎጊያ ክመርሕ ኣለዎ። ንኣብነት ጃንሰኒዝም ሃይማኖታዊ፣ ፍልስፍናውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ፡ ደቂ ሰባት ብመሰረቱ ኣበረይናታት ኮይኖም ይውለዱ፡ ስለዚ ድማ ክፍኣት ክፍጽሙ ዘይተርፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ብዘይ መለኮታዊ ጸጋ ሰብ ብጀካ ሓጢኣት ምፍጻምን ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምእዛዝን ካልእ ክገብር ኣይክእልን እዩ፤ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ገለ ደቂ ሰባት ንድሕነት ኣቐዲሞም ዝተመደቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ንኩነኔ፡ ስለዚ ድርብ ቅድመ ዕጫ ወይ ጽሕፍቶ ኣሎ ዝብል ቲዮሎጊያዊ ትምህርቲ፡ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኸኣለ ውጉዝ ጥራይ ብምባል፡ ንገለ ብድሕሪ እቶም ጌጋታት ክሕባሕ ዝክእል ሕጋዊ ዕላማታት ምላሽ ስለ ዘይተውሃበ እዩ። ምስ ግዜ ድማ ሓቀይና ቲዮሎጊያዊ ምዕባለ ስለ ዝይተራእየ እዩ።

ኣብቲ ዓለማውነት - ኢሃይማኖታውነት እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ሕብረተሰብና ሓደ ሰብ ወንጌል ብኸመይ ይእውጅን ነቲ እምነት ብኸመይ የመሓላልፎን? ኩሉ ግዜ ነቲ ናይ እምነት ጽባቔን ማራኽነትን ከተርእዮ ብምፍታን ብዓለምዊ መዐቀኒታት ከይተለኽፈ ቅርጹ ከይተበላሸወ፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝሰምዕዎ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎን ርቱዕ ኣንደበትን ክብሩን ክኸውን ዘኽእሎ ዘራኽብ ነጥቢ ምርካብ።

መልእኽትና ዋላ’ኳ ጽቡቕ እንተኾነ ምስ ባህሉ ዘይዛተ እተንድኣ ኮይኑ  ኣገዳስነት ዘይብሉ ኮይኑ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ይጋጥሞ። ነዚ እየ ድማ ኣብ ጎኒ ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ ብዙሕ ኣብ ዝተመሃርኩሉ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣባል ኮይነ ምግልጋልይ ኣብኡ ዝጸናሕክሉ ግዜ ዘመስግን።

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መኣተዊ ኣብቲ ‘እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ’ ዘርኣስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ‘ክርስቲያን ምዃን ውጽኢት ናይ ስነ ምግባራዊ ምርጫ ወይ ልዑል ሓሳብ ዘይኮነ ንህይወት ሓድሽ ኣድማስን ወሳኒ ኣንፈትን ምስ ዝህብ ሓደ ፍጻመ ምስ ሓደ ሰብ ምርኻብ ማለት እዩ’ እንክብሉ ዘስፈርዎ ሓሳብ ትርጉምን ተዛማድነቱን እንታይ እዩ? ሎሚ ነዚ ቃል እዚ ምዝካር ግቡእ እዩ። ናይ እምነት ፍጻመ ንህይወት ዳግማይ ዘመስርቕ ርክብ እንተዘይኮይኑ ንዓለም ዝቕይር ናይ እምነት ጠመቓዊ ትምህርቲ  የለን፡ እዚ ድማ ንክርስቲያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ሃይማኖታት ክርአ ዝከኣል ሓቂ እውን እዩ። ንኣብነት ኣብ ቅልውላው ሃይማኖት ሂንዱን ስዒቡ ዝመጸ ምሕዳሱን ምስ ማህሌት ክሪሽናን ካልእ ብዙሕ ኣጋጣምታት ምንጽጻር ዝከኣል እዩ።

ብዘይ ተመክሮ ናይቲ ዘፍቅርን ዘድሕንን ህያው ክርስቶስ፥ ‘ክርስቲያን ምዃንና’ ክንቀርጾ ኣይንኽእልን ኢና። ምስ ኩሉ ሰብ ኣብ ምጉትን ክትዕን ምትኳር፡ ነዚ ኣብ ሰባት ዘሎ ምዕባለ ንምብሳል ኣይሕግዝን እዩ። እዚ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ኣበሃህላ እዚ ብንጹር ናብ ኣገልግሎት እዚ ፍጻመ ዝቐንዐ ጽኑዕን ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ቲዮሎጊያ ከነማዕብል ይዕድመና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

11 July 2023, 16:03