ድለ

ካርዲናል ዙፒ ኣብ ሞስኮ ምስ ፓትሪያርክ ኪሪል ተራኺቦም ካርዲናል ዙፒ ኣብ ሞስኮ ምስ ፓትሪያርክ ኪሪል ተራኺቦም 

ካርዲናል ዙፒ ኣብ ሞስኮ ምስ ፓትሪያርክ ኪሪል ተራኺቦም

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሩሲያ፥ ዕለት 28 ሰነ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ሞስኮ ምስ ናይ ፑቲን ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ጉዳያት ሓላፊ ኡሻኮቭ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን

ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምሶኮ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ መንበሮም ኣቀብብላ ከም ዝገበሩሎምን ኣብ ድልያ ሰላም ንጻዕርን ተበግሶን ቫቲካን ደጊሞም ኣድናቖቶም ከም ዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓባር ዕዮ ኣቢያተ ክርስቲያን “ንጉዳይ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምግልጋል፥” እዚ ኣብ ማእከል ናይቲ ኣብ መንጎ ፓትሪያርክ ኪሪልን ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት - ወጥሪ ንምቅላል” ንኽዓዪ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ሰላም ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝኾነን፥ እቲ ርክብ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ሞስኮ መንበረ ፓትሪያርክ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከም እተኻየደን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ እውን ብዛዕባ ኣገዳስነት “ኩሎም ሓይልታት ዓለም ተጠርኒፎ ዓብይ ዕጥቃዊ ግጭት ከይፍጠር” ኣብ ምግባር ክዓዩ ዝብል ሓሳብ ከም እተመያየጡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ሞስኮ ፓትሪያርክ ተሓበብርትን ኣብ ሞስኮ ናይ ካቶሊካዊ ሰበኻ እመ ኣምላኽ ሊቀ ጳጳሳት ጆቫኒ ዳኒየሎ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሩሲያ ማዕከናት ዜና፥ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልኡኾም ናብ ሞስኮ ስለ ዝለኣኹ አመስግን . . . “ ከም ዝበሉ ክሕብራ እንከለዋ፥

ምስጋና ንተልእኾ ቅድስቲ መንበር

እቲ ኣብ መንጎ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪልን ወኪል ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ዙፒ ዕለት 29 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየደ ርክብ፥ ድሕሪ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ ሃቫና ተራኺቦም ሓባራዊ ስምምዕ ዝፈረሙሉ ርክብ ስዒቡ ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ . . . ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ዝሓበርዎ ኣብ መንጎ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዘተ መትረባት ኣሎ እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓሳብ ዘረጋግጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሩሲያ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተበግሶ ሓንጎፋይ ኢላ ትቕበሎ
ሩሲያ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተበግሶ ሓንጎፋይ ኢላ ትቕበሎ

ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒይጅ ዘቮሎኮላምስክ

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጉዳያት ርክባት ወጻኢ ኣቦ መንበር ናይ ቮሎኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶኒይጅ ከም እተረኽቡን ሜጥሮጶሊታ ኣንቶንይጅ ዕለት 3 ግንቦት ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምስታፎም ዕለት 2 ግንቦት ምስ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ተራኺቦም ከም ዝነበሩን፥ ከምኡ እውን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ኣብ ሮማ ምስ መስራቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ፕሮፈሰር ኣድንረያ ሪካርዲ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ካቴድራል እመ ኣምላክ

ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምስ ፓትሪያርክ ሩሲያ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ምስ ናይ ህጻናት መሰል ሓልዮ ሽማግለ ሓላፊት ማሪያ ኣሌክስየቭና ልቮቫ ቤሎቫ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን ኣስዒቦም እውን ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል እመ ኣምላክ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሩሲያ ተራኺቦም፥ “ሰላምታን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና” ከም ዘመሓላለፉሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ዕለት 30 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ሮማ ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ሩሲያ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተበግሶ ሓንጎፋይ ኢላ ትቕበሎ

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሩሲያ፥ ዕለት 28 ሰነ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ሞስኮ ምስ ናይ ፑቲን ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ጉዳያት ሓላፊ ኡሻኮቭ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን፡ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፐስኮቭ፥ “ብሓፈሻኡ ክረአ እንከሎ ነቲ ቫቲካን ንሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእል መገድታት” ንምድህሳስ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ” ሞስኮ ኣኽቢራ ከም እትርእዮን፡ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ደው ንምባል ኣበርክቶ ኽገብሩ ፍቓደይና ምዃኖም ድማ ሓንጎፋይ ቢልና ንቕበሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ድሕሪ ምስ ናይ ሞስኮ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሩሲያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆቫኒ ዳኒየሎ ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞስኮ ናይ ሃገረ ስብከት እመ ኣምላክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዳኒየሎ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መወዳእታ ተልእኾ ካርዲናል ዙፒ “ምልውዋጥ እሱራት ወይ ብወግዒ ዝቐርብ ኣዋጅ ዝኣመሰሉ ጭቡጥ ምልክታት” ምራኣይ ይከኣል ይኸውን፥ እዚ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ስደትን ምዝብልናን ቤተ ክርስቲያን ብምግጣም ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ተዋፊራ ከም ዘላን፡ . . . እምነት ክርስትና መገዲ ዕርቅን ይቕረታን እዩ። ኣብ ልብኻን ኣባይቲ ስድራን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ናይ ሰላም ምስክርነት እዩ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 June 2023, 16:27