ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12: ዛዕባ ‘ኣዴታትን ኣቦታትን ኣባይቲ ስድራ’ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12: ዛዕባ ‘ኣዴታትን ኣቦታትን ኣባይቲ ስድራ’  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12: ዛዕባ ‘ኣዴታትን ኣቦታትን ኣባይቲ ስድራ’

ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝደረስዎ ምስጢራዊት ኣካል ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ግደ ስድራ ቤት ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘለሉ እዋን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ቀዳማይ ክፋል ተመክሮ ሲኖዳውነት ርኢኻ እዋናዊት ክትብላ ዝከኣል ምዃኑ

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት እታ ብፒዮስ መበል 12 Mystici Corporis - ምስጢራዊ ኣካል ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝደረስዎ ምስጢራዊት ኣካል ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ግደ ስድራ ቤት ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘለሉ እዋን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ቀዳማይ ክፋል ተመክሮ ሲኖዳውነት ርኢኻ እዋናዊት ክትብላ ዝከኣል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብቲ ብዕለት 29 ሰነ 1943 ዓ.ም. ንቤተክርስቲያን ብኣቃውማን ብመሰረታዊ ባእታታት ኣካለ ክርስቶስ - ምስጢር ኣካለ ክርስቶስ እንክብሉ ከምዝገልጽዋን እዚ እውን በዪ መንፈስዊ መስህብ ውህበታት ብዘስተማቕሩን ጥራይ ዝቖመት ገርና ንከይንምልከታ የተሓሳስቡና።

በቲ ሓደ ወገን ጳጳሳትን ካህናትን በቶም ፍልዩ መንፈሳዊ መስህብ ብዝተዓደሉ ዝቖመት ጥራይ ከም ዘይኮነትን ብሓቂ ብፍላይ ኣብዚ ዘመንና ኣቦታትን ኣዴታትን ኣባይቲ ስድራ እቶም ናይ ጥምቀት ኣቦን ኣደን ዝኾኑ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝሳተፉ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክቡር ቦታ ዝሕዙ ምዃኖም፥ ንሳቶም እውን ኣብ ትሕቲ ድርኺት ኣምላኽን ብሓገዙን ናብ ዝለዓለ ቅድስና ክበጽሑ ከም ዝኽእሉን እዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ከም ዝኣተዎ እዩ።

ኣብ ዘመንና ማለት ኣብታ ብኣዕናዊ ራዕዲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተለለየት ዓመት 1943 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ “ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራ ቤት” ዝሓዝዎ ክቡር ቦታ የመልክቱን ክርስቲያናዊ ህይወት ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ብቕዱሳት ምስጢራታ ኣቢሎም ዝነብሩን ህዝበ እግዚኣብሔር ዝሕዝዎ ክቡር ቦታ የመላኽቱ።

ፒዮስ መበል 12 ንህዝበ እግዚኣብሔር ናብ ቅድስትና ዝወስድ መገዲ ጥራሕ ዘይኮነ ዘዘኻኽሩ፡ ኣብ ምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ማለት ኣብ ተልእኾ መሰረታዊ ኣበርክቶኦም የጒልሑ። ሎሚ ምናልባት ካብቲ ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ዝነበረ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሕቡእን ምስክርነት ንኣቦታትን ኣዴታትን ስድራ ቤት ይወሃብ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣቃውማ ሲኖዶስ ዳግማይ ብምሕንጻጽን ምስ ናይ ጳጳሳት ጎኒ ጎኒ ንኣድማዒ ኣበርክቶ ዓለማውያን ምእመናን ብምኽፋትን ካብ ርሑቕ ዝመጽእን ከም እምነ ማእዝን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረን ንቕሓት እናዕሞቑ ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቅረብዎ ርእሰ ዓንውጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

30 June 2023, 16:32