ድለ

ዓለም ለኻዊ ዘተ ንምመርሒታት ምክልኻል ግህሰት ንምእዋን ዓለም ለኻዊ ዘተ ንምመርሒታት ምክልኻል ግህሰት ንምእዋን  (Vatican Media)

ዓለም ለኻዊ ዘተ ንምመርሒታት ምክልኻል ግህሰት ንምእዋን

“ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያንን በርገስዊ ማሕበረሰብን ዝተፈጸመ ስራሕ ብምትንታን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ መምርሕታትን ሕግታትን ምክልኻል ንምድጋፍ ዝተዳለዉ ተኸታተልቲ ቀንዲ መትከላት

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ዝምልከቱ መምርሕታት ንምእዋን ዝኣመተ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ምምኽኻር ከም ዘጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ክትግበር ዝግብኦ ሕጻናት ናይ ምክልኻል ደረጃ ንምንጻር ኣርኣያ ዝኾነ እዋናዊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መምርሒ ማዕቅፍ ዘማእከለ ዓውደ ምኽክር ዕለት 23 ሰነ ከምዘበገሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ክትግበር!

እቲ ዝቐረበ መቓን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ንህጻናትን ተቓላዕትን ሰባትን ውሑስ ሃዋህው ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ንምሕያል ዝዓለመ እዩ።

እዋናዊ ኵላዊ መምርሒታት መቃም

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ “ብመሰረት ኣብ ምሕላው ዘሎ ስናይ ተግባራት ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ግህሰት ምክልኻል ንምድንፋዕ ዘገልግል መምርሒታት ዕዮኡ እውን ኣብ ምሕጋዝ ሰባት ዘተኮረ ምዃኑ ብግለጺ ኣመላኺቱ። ብግህሰት ዝጽሎን ንኣጋጣሚታት ግህሰት ብግቡእ ንምግጣም ዘለዎ ኣገዳስነት መሰረት፥ “ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያንን በርገስዊ ማሕበረሰብን ዝተፈጸመ ስራሕ ብምትንታን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ መምርሕታትን ሕግታትን ምክልኻል ንምድጋፍ ዝተዳለዉ ተኸታተልቲ ቀንዲ መትከላት ከም ዘለለየ” ይሕብር።

እዋን ምምኽኻር

እቲ ናይ ምምኽካር እዋን እቲ ሽማግለ ሰባት ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሽማግለ ብመርበብ ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ ንኽሳተፉ ከም ዝዓደመን እዚ እውን ተወሳኺ ተኽእሎታት ንምልላይ ዝዓለመ እዩ website ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ብኣርባዕተ ቋንቋታት ክርከብ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ተኸታታሊ ሕቶ እውን ዝሓዘ እዩ፣ እቲ ሽማግለ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት As a Loving Mother - ከም ፈቓድ ኣደ መጠን ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘቕርብዎ ጻውዒት ብምስማዕ፡ “እዚ ናይ ምክንኻንን ዕቑባን ግዴታ ኣብ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝፍጸም” ዝብል ሓሳብ መሰረት ርእይቶ ክህሉ ይዕድም።

እዚ ግዴታ ሓልዮትን ሓለዋን ኣብ ሎሚ መላእ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝዝርጋሕ!

እቲ ንመጽናዕቲ ዝቐርብ መልስታት ክግምገም ክእከብን ኣብ ናይ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ንምመርሒታት ምክልኻል ግህሰት ዝሕወስን ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ብሽማግለ ክግምገምን ክጸድቕን እዩ። ስዒቡ ብናይ መወዳእታ መልእክዑ ንኹለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ክዝርጋሕ እዩ፡ ነቲ ሕጂ ዘለወን ናይ ምክልኻል መምርሒታት ክሕድሳን በቲ ሽማግለ ንኽግመማ ክቐርባን ይሓትት።

መምርሕታት ምሕላው

እቲ ጳጳሳዊ ኣካል ቀጺሉ “ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን መምርሒታት ምሕላው ናይ ምቛም መስርሕ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እዚ እውን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተመርሐ እዩ ነይሩ። ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ዘተ ንምመርሒታት ምክልኻል ግህሰት ኣብ ከባቢና ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን መሰረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Vos Estis Lux Mundi - ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም ብዝብል ኣርእስቲ ንኹሎም ዝተጎድኡ ብፍላይ ድማ ግዳያትን ዝደሓኑን ዝድግፍ ስርዓታት ከቕርባ ክጠልብ እዩ።” ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሱ ካልኦት ረቛሒታት ድማ

-         ብግህሰት ዝተጸልዉን ዝተጎድኡ ማሕበረሰባትን ምስናይ

-         ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ውሑስ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ባህላዊ ብቕዓት ምብራኽ

-         ብህዝቢ ተበጻሒ ዝኾነ ኣገባባት

-         ንመሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ናይ ምሕላውን ተሓታትነትን ኣገባባት ንምኽባር ዝተገልጸ ተወፋይነት

-         ስጉምትታት ምክልኻል ሓደጋ

-         ጓሳዊ ምልዋጥ ናብ ቀጻሊ ምቛምን ሕንጸት ንኹሎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርኮሰ ናይ ምሕላውን ምክንኻንን ባህሊ

ዝብሉ እዮም።

ዓቕሚ ምህናጽ

እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ሕጻናት “ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን መምርሒ ምሕላው ናይ ምእዋን መስርሕ ካብ ምምራሕ ብተወሳኺ ነዚ መምርሒ እዚ ብግብራዊ ኣተገባብራ ንምርግጋጽ ቁጠባዊ ወይ ሰብኣዊ ዓቕሚ ክጎድሎ ዝኽእል ክፋላት ቤተ ክርስቲያን ክሕግዝ እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹ፡ በዚ ድማ ምስ መሻርኽቲ ትካላት ብምትሕብባር መምርሒታት ምክልኻል ክምዕብልን ክትግብረን ንምርግጋጽን ክከኣል መደብ ሕንጸት ዓቕሚ ኣጣይሱ ኣሎ።

እዚ መደብ እዚ Memorare - ምዝካር ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ብዘይ ሓገዝ ዝተርፍ ሓደ’ኳ ከይህሉ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝውከስ ጸሎት ይድምደም።

ዓመታዊ ጸብጻብ

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ “መምርሒታት ምሕዳስን ከምኡ እውን ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ዓቕሚ ኣብ ምህናጽ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ነቲ ሽማግለ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝገበረ ዓመታዊ ጸብጻብ ክህሉ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ናይ መጀመርታ ንድፊ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ጥቅምቲ ወርሒ 2023 ዓ.ም. ክዝርጋሕ እዩ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዝተዛዘመ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ መላእ ቤተ ክርስቲያን “ቀጥታዊ መረዳእታ” ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ጥቅሚት ወርሒ 2024 ዓ.ም. ክዝርጋሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ የመላኽት።

24 June 2023, 16:00