ድለ

“በይንኻ ኣይኮንካን” ሰላሳ ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ብሓባር ኣንፈት ዓለም ንምቕያር! “በይንኻ ኣይኮንካን” ሰላሳ ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ብሓባር ኣንፈት ዓለም ንምቕያር!  (Vatican Media)

“በይንኻ ኣይኮንካን” ሰላሳ ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ብሓባር ኣንፈት ዓለም ንምቕያር!

“መራሕቲ ዓለም ኣብ ክንዲ ንስልጣን ዝጓየዩ ‘ነዞም ህላወኣዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል እንኮ መገዲ ዘተ ተራኺቦም ክተሓባበሩ ይግባእ”

ዕለት 10 ሰነ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፈላማይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት  ሰላሳ ናይ ኖበል ተሰለምትን ተሓለቕቲ ምህዳርን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝውክሉን ድኹማትን ወለንተይናታት ኣባላት ማሕበራት ግብረ ሰናይን ኣሳቲፉ ምክያዱ ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት እቶም 30 ናይ ኖበል ተሰለምቲ ብሓባር ከቲሞም ንር.ሊ.ጳ. ብዘቕረብዎ ሰነድ ዝተዛዘመ ኮይኑ፥ ካብኣቶም ኣርባዕተ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሪሕ ተራን ንሰላምን ከባብን ዘቕርብዎ ዘይሕለል ጻውዒት ዘጉልሕ ምዃኑ ይሕብሩ።

“ዓለም ናብ ዝተጋገየ ኣንፈት ተብል ከም ዘላ ዝነግር ድምጺ የድሊ፡ ሰላም ንምምጻእን ካብታ ክሳብ ሕጂ ዝሃነጽናዮ ካልእ ሓድሽ ዓለም ንምጥፋር መበገሲ ቦታና ዳግማይ ክንሕንጽጽን ክንንቀሳቐስን ኣሎና” ነዚ ዝበሉ ናይ ኖበል ተሰላሚ መሓመድ ዩኑስ ከምዝኾኑን . . . ከምኡ እውን ኢራቓዊት ተሓላቒት ናድያ ሙራድ ምስ ዩኑስ ብሓባር ነቲ ኩሎም 30 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ከቲሞም ዘውጽኦ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ንር.ሊ.ጳ. ዘቕረባ ከም ዝኾናን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዩኑስ፥ ተራ ሃይማኖታት ንሕውነታዊ ዓለም

ኣብዛ ዓለም “ብመገዲ ርእሰ ቅትለት ኢና እንኸይድ ዘሎና . . . ኣብታ ዳግም ክንሃንጻ እንደሊ ዓለም ‘ሃይማኖታት ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ኣለወን፡ ኩሎም ሕውነት ንምድንፋዕ ክሰርሑ ይግባእ” በዚ መንጽር፥ “ኣብዚ ጉዳይ እዚ መሪሕ ተራ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሃንቀውታ ንጽበ” ኢሎም።

ካርማን፥ ነቶም ኣብ ስቓይ መግዛእቲ ዝርከቡ ብርቱዕ ድምጺ ምዃን

የመናዊት ጋዘጠይና ታዋክል ካርማን ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት እውን ብወገነን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ኣምር ሕውነት ኣዚዩ ባህ የብለኒ፥ ምኽንያቱ ንሰላም ካልእ ትርጉም ስለ ዝህቦ፡ ኣብ ነንሓድሕድካ ምህላው፥ ምስ ክልኦት ምዕያይ ንሓድሕድካ ምድግጋፍ ማለት እዩ፥ . . . ከም ህዝቢ ከም ሰብ ሓላፍነት ኣሎና፡ ተሓለቕቲ መሰላት ከም ጋዜጠይናታት ነቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምልካዊ ስርዓታትን ዝነብሩ ሰባት ዝሓየለ ድምጺ ክኾኑ ኣለዎም፥ ነዚ ናይ ሕውነት መልእኽቲ ንምዕባይን ‘ነቶም ዝውፈዩ ንናጽነት ዝቃለሱ ሰባት’ ንምድጋፍን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጸን፥ ንፍትሒ ንደሞክራሲ ንሰላም እምበር ነቶም ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ዘጥቅዑ መራሕቲ ድምጺ ክንከውን ኣይግባእን” ይብላ . . .

ሙክዌገ፥ ሕውነት ዘይምህላው ኣብ ሱር ነፍሲ ወከፍ ግጭት

ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ደኒስ ሙክዌገን ሓኪም ማሕጸንን ከምኡ እውን ኣብ ሃገሮም ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠበቑን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “ሰብኣዊ ሕውነት ንሓንቲ ፍትሓዊት ዓለም መሰረታዊ እዩ - ቢሎም - ሕውነት ዘይምህላው ሱር ነፍሲ ወከፍ ግጭት እዩ፡ . . . ኣብዛ ደቂ ሰባት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክረኣኣዩላ እንምነያ ዓለም . . . ምዕራባውያን ሃገራት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ነቲ ሃብታም ማዕድናታ ጥራይ እዩ ዝደልይ . . . ንሰለስተ ዓስርተታት ዓመታት ኣብ ስቓይ ንገዛእ ርእሳ ተሓዲጋ ዘላ ሃገር እያ። . . . እቲ ማዕድናታ ጥራሕ ዝብል ኣካይዳ ክውገድ ኣለዎ። ማዕድናታ ንህንጸት ሰናይ ህይወት ህዝባ እዩ ክውዕል ዘለዎ . . . ብሰንኪ ሕውነት ዘይምህላዉ ናብ መከራን ሓድሕዳዊ ንዘይምስምማዕ ነብል ኣሎና . . . ኢሎም።

ኣርያስ፥ ንግድ ኣጽዋር ይኣክል!

ኣብ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘሎና፡ ብዙሕ ግጭታት ኣሎ፡ ርዱእ እዩ . . . ነዚ ዝበሉ ኣብ 1987 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ናይ ኮስታሪካ ርእሰ ብሔር ነበር ኦስካር ኣርያስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ኲናት ንኣፍረይቲ ኣጽዋር መደለቢ እዩ፡ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ካብ ቃንዛ ናይቶም ኣብ ውግእ ዝሃልቁን ኣባይቲ ስድራ ዘጥፍእን ሃገር ካብ ዘዕንውን ኣጽዋሮም ኣቢሎም ሃብቲ ይእክቡ፡ ዕላማኦም ዝያዳ ገንዘብ ምርካብ ዝብል እዩ፡ . . .

ሳንቶስ፥ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰላምን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዘቅርብዎ ጻውዒት ንቐበል!

“መራሕቲ ዓለም ኣብ ክንዲ ንስልጣን ዝጓየዩ ‘ነዞም ህላወኣዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል እንኮ መገዲ ዘተ ተራኺቦም ክተሓባበሩ ይግባእ” ነዚ ዝበሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኹዋን ማኑኤል ሳንቶስ ካብ 2010 – 2018 ዓ.ም. ናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ክኾኑ እንከለዉ ለውጢ ከባቢ ኣየር ለበዳ ኑከሳዊ ኣጽዋር ዕብለላ እደ ጥበብ ምኽንያት ዓለማዊ ግጭት ከም ዝኾነን መፍትሒኡ ድማ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዝብልዎ፥ “ምስ ተፈጥሮን ከባብን ብስኒትን ሰላምን ምንባር የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።ሊጡ።

15 June 2023, 15:48