ድለ

ፓሮሊን፥ ዓለም ተስፋን ሕውነትን የድልያ ፓሮሊን፥ ዓለም ተስፋን ሕውነትን የድልያ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፓሮሊን፥ ዓለም ተስፋን ሕውነትን የድልያ

. . . ብዙሓት ካባኻትኩም ጎንጽን ምቁራጽ ዘተን ዝምድናታት ከም ዝበላሹ ብቐረባ እትፈልጡ፥ እቲ ዝጥርንፍ ሕውነት ካብ ምግምማዕ ኣዚዩ ዝሓየለ ምዃኑ ብኣብነት ህይወትኩም ተረጋግጹ . . .

ዕለት 10 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ተዘኪሩ ከም ዝወዓልን እቲ መደብ በቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ 30 ናይ ኖበል ተሰለምትን ተሓለቕቲ ምህዳርን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝውክሉን ድኹማትን ወለንተይናታት ኣባላት ማሕበራት ግብረ ሰናይን ብጉጅለ ተበዳዲቦም ብዘካየድዎ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ዝተበገሰ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣቐዲሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽቡቕ ከም ዘለዉን ናብ ኣገልግልቶም ንኽምለሱ ዘለዎም ድሌት እውን ልዑል ምዃኑ ኣመላኺቶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሓደኳ በይኑ ከም ዘይኮነ ሎሚ ንዓለም ምልክት ኮይንኩም ኣብዚ ትርከቡ . . . ኣብዚ ብሓባር ምህላውኩም ድሮ ምልክት ተስፋ እዩ፡ ብሓቂ ክርአ እንከሎ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንሰብኣዊ ሕውነት ዝጥርንፍን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንነብስና ከነለሊ ዘኽእለና ኩሉ ንምምስካር ነፍሲ ወከፍ ተሸካሚ ዝኾኖ ሃብቲ ፍልልያትን ተመክሮታትን ኣኪብኩም ክትምስክሩ መሪጽኩም ኣለኹም” ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቶም ኣዘኻኺሮም . . . እዚ ብሕውነት መንፈስ ምንቅስቓስ ዝብል ክብሪ በቶም ናይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ባህሊ ህያው ንምግባር ዝተጸውዑ ክጎስይዎ ዘይከኣሎም ሓላፍነት እዩ።”

. . . ብዙሓት ካባኻትኩም ጎንጽን ምቁራጽ ዘተን ዝምድናታት ከም ዝበላሹ ብቐረባ እትፈልጡ፥ እቲ ዝጥርንፍ ሕውነት ካብ ምግምማዕ ኣዚዩ ዝሓየለ ምዃኑ ብኣብነት ህይወትኩም ተረጋግጹ . . . ነቲ ትዕግስቲ ዝመልኦ መርበብ ዝርርብ ክሳብ ክንደይ ኣድካሚ ምዃኑ ክትምስክሩ ትኽእሉ። ብዙሕ ግዜ ዝተሓላለኸን ሳሕቲ ዝፍጸም እውን ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መላእ ዓለምን ንሰናይ ደቂ ሰባት ወሳኒ ክቡር ዋጋ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መገድታት ሕውነት

“በይንኻ ኣይኮንካን” እዚ ናይቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት ኮይኑ ካብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዝብል ኣርእስቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተደረኸን በቲ ናይታ ዓዋዲ መልእኽቲ ስም ዝጽዋዕ ናይ ሃገረ ቫቲካን ማሕበርን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራን ምስ ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኮይኑ፥ ናይ ሕውነትን ዘተን ሰላምን ባህሊ ንምድንፋዕ ዝኣመተ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ደሓን ከም ዘለዉን ሓቢሮም ከምኡ እውን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሰብኣዊ መዳያት ዘተኮረት ምዃና ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንምውጋድ ቅድስቲ መንበር ተካይዶ ዘላ ጻዕሪ “ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ክንመኽረሉን ኢና” ቢሎም ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተወሃቦም ሓላፍነት መሰረት ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ዘካየዱ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲንን ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል እብ ሞስኮ ክራኸቡ ድዮም? ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝንባለታቱ እንታይ ምዃኑ ክንርኢ ኢና፡ ይኹን እምበር ተልእኽኦም ሞስኮ ዘጠቓልል እዩ፡ እዚ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝርአይ ጉዳይ ይኸውን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 June 2023, 15:38