ድለ

“Instrumentum laboris - መሳለጢ ዕዮ ንብዙሕነት እትሓቁፍ ቤተ ክርስቲያን ዝጽውዕ” “Instrumentum laboris - መሳለጢ ዕዮ ንብዙሕነት እትሓቁፍ ቤተ ክርስቲያን ዝጽውዕ” 

“Instrumentum laboris - መሳለጢ ዕዮ ንብዙሕነት እትሓቁፍ ቤተ ክርስቲያን ዝጽውዕ”

እቲ ሰነድ ካብዚ ከምዚ ዝበለ ንቕሓት ሱር ዝሰደደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትካላትን ኣቃውማኣን ኣሰራርሓኣን እውን ብዝያዳ ሲኖዳዊት ክትከውን ዝብል ‘ድልየት’ ዝገልጽ

ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ናይቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝእከብ ክልተ ክፋላት ዘለዎ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዝመርሕ Instrumentum laboris - ሰነድ መሳለጢ ዕዮ ዕለት 20 ሰነ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ከም ዘቕረቦ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዓለም ዝርከባ ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያናት፥ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ለውጢ ከባቢ ኣየር “ምዝመዛ ዘይምዕሩይነት ብኽነትን ዘፍርዩ ቁጠባዊ ስርዓታት ኣብተን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ውሑድ ዝኾነለን ሃገራት ወይ ብዓመጽ ዝመልኦ ዓለማውነት” ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ብሰማእትነት ምእመናነን ዝሳቐያ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝቖሰላን ኣቢያተ ክርስቲያን ወይ ግህሰት ስልጣንን ሕልናን ቁጠባውን ዘጋጥመን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣቢያተ ክርስትያን ዘማእከለ ኣስታት ስሳ ገጽ ዝሓዘ ሰነድ ነቲ ተመክሮ እዚ ምልዋጥ ዝጠልብ ቁስሊ ብዝብል ሓሳብ ዝገልጾ ኮይኑ፡ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ንፍምታሕ፥ ኣብ ሲኖዳውነት ምስትውዓል ብምውፋር ነቲ ብድሆታት ብዘይ ፍርሒ ዝገጥማ ዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ወጥሪ እዚ ምንጪ ጸዓት ክኸውንን ናብ ውልትውና ዘየውድቕ ክኸውን ኣገዳስነት መገዲ ሲኖዳውነት ዝሕብር እዩ።

እቲ ዕለት 20 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዝተዘርገሐ ሰነድ ብመጋበርያ ዕዮ ዝፈልጠ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝጅመርን ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ብዝካየድ ካልኣይ ክፋል ዝዛዘም ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ንዘካይዶ ዕዮ መሰረት እዩ።

እቲ ሰነድ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገረ ስብከት ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ቤተ ክርስቲያን ከም ሲኖዳዊት ክትዓቢ” ዝድርኽ ናይ ዘበገስዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘመሓላለፎ ናይ ፍጻሜ ሰነዳት ጠርኒፉ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2023 ከምኡ እውን ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ወርሓት ጥቅምቲ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ንዘካይዶ ምይይጥ መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። እዚ እውን ሰነዳት ንምፍራይ ዘይኮነስ ንፍጻመ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተስፋ ኣድማስ ንምኽፋት እዩ።”

እቲ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ፥ ናይ ክልተ ዓመት ተመክሮ ዘጉልሕን ካብ ግዜ ናብግዜ ዝያዳ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃን ንቕድሚት ዘኽይድ መገዲ ዘመልክት፥ ከምኡ እውን “ሓድነትን ተልእኾን ተሳትፎን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ቀዳምነት ዝወሃቦም - ሓድነት ተልእኾን ሱታፌን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ። . . . ንኹሉ ብምቕባል ኣብ ሱታፌ ምዕባይ! “ንነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝተጠመቐ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦን ዋጋን ምሃብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ተልእኾ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ግዜ ተሳትፎን ስልጣንን ንምግላጽ ዝሕግዙ ናይ ምሕደራ መሓውራትን ንጥፈታቶምን ምልላይ ዝድርኽ እዩ።

እቲ ሰነድ ካብዚ ከምዚ ዝበለ ንቕሓት ሱር ዝሰደደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትካላትን ኣቃውማኣን ኣሰራርሓኣን እውን  ብዝያዳ ሲኖዳዊት ክትከውን ዝብል ‘ድልየት’ ዝገልጽ እዩ። ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን “እትሰምዕ ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ብምዃኑ “ትሕትናን እትሓትትን” ክትከውን ከምዘለዋ ዘመላኽት እዩ። ይቕሬታ ክትሓትትን ብዙሕ ክትመርሃር ከምዘለዋን ድማ ትፈልጥ።”

ቀጺሉ ድማ “ኣብ ብዙሕ ኩነታት ምስ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰሩ ቅልውላዋት ከምኡ እውን ብዘይግቡእ ምጥቃም ስልጣን ሃብቲ ገንዘብ ሕልናን ቤተ ክርስቲያን ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኻ - ርእሳ ካብ ምሕዳስ ከቶ ከይተቋርጽ’ ናይ ሕልና መርመራ ክትገብር ዝደፍኣ ኣብ ጉዕዞ ንስሓን ምልዋጥን መገዲ ዕርቅን ፈውስን ፍትሕን ዝኸፍት እዩ።”

ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖታት ምስ ካልኦት ባህልታትን ሕብረተሰባትን “ናይ ርክብን ዘተን ቤተ ክርስቲያን እያ፡ . . . እትስከሞ ብዙሕነት ዘየፍርሃ - ናብ ሓደ ዓይነታውነት ዘይተገድድ ዋጋ እትህብ፡ በቲ ኣብ ቅዳሴ እተብዕሎ ምስጢር ብዘይ ምቁራጽ ክትምገብ እንኮላ “ኣብ ጸሎትን ኣብ ማኣከል ብዙሕነት ቋንቋታትን ስርዕታትን መዓልታዊ ሱር በተኻዊ ሓድነት ምስ እትረክብ ሲኖዳዊት እያ!”

ካልኦት ኣገደስቲ ክፍልታት ንሕቶ ስልጣን ዝምልከቱ ‘ስልጣን ካብቶም ዓለም ዘቕርቦም ኣብነታት ዝተረኽበ መልክዕ ሓይሊ ኮይኑ ድዩ ዝግለጽ ወይስ ኣብ ኣገልግሎት ሱር ዝሰደደ እዩ?’ ዝብል ሓቶ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ዘለዉ ሕቶታት እዩ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ‘ዘይነጻጽል ቅርጺ ፈላምን ቀጻልን ዘድልዮ ከምኡ እውን ኣብ ‘ቅዳሴ ስብከት ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ቅዱስ ስነ ጥበብን ከምኡ እውን ኣብ ኩሉ ዓይነት ርክብ ንምእመናንን ንህዝቢ ንሰፊሕ ህዝብን ዝቐርብ ‘ዝጥቀመሉ ቋንቋ ንምህዳስ ዝዓለመ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ሓድሽ ናይ ባህላዊ መልክዕ መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳስነት፡ ምሕዳስ ቋንቋ ነዚ ሃብቲ እዚ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘመንና ተበጻሕን ማራኽን ንምግባር ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘቃሕ ሰነድ እዩ።

21 June 2023, 15:42