ድለ

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ብሓቀይና ዘተ ምብጋስ! ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ብሓቀይና ዘተ ምብጋስ! 

ቅድስቲ መንበር፥ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ብሓቀይና ዘተ ምብጋስ!

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ ዕለት 14 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም “ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዘሎ እወታዊ ዝምድናን ኣብ ጽቡቕ ባህሪ ምሕረት ዝተሰረተ ሓቀይና ዘተ ከም ዘድሊ” ኣመልኪቶም

ቅድስቲ መንበር ኣብ ኒውዮርክ “መድርኽ ምህናጽ ድልድላት ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን” ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ፥ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘተ” ንመጻኢና ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘጉለሐት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰላምን ሓድነትን ንምዕባይ ድልድላት ምህናጽ ኣገዳሲ” ምዃኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ “መድርኽ ምሃንጽ ድልድላት ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን” ሕቡራት ሃገራት ዘበገሶ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣብ ውድብ ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ  ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ ዕለት 14 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም “ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዘሎ እወታዊ ዝምድናን ኣብ ጽቡቕ ባህሪ ምሕረት ዝተሰረተ ሓቀይና ዘተ ከም ዘድሊ” ኣመልኪቶም፥ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ” ስዒቡ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓድሕዳዊ ምርድዳእ የስፍሕ፡ ናይ ሓባራውያን ረቛሒ ክብርታት ከነለልይ ድማ የኽእለና” ቢሎም፡ እቲ መድርኽ “ኣብቲ መገዲ ናብ ሓደ ኣብ ሓቀይና ዘተ ዝተሰረተ ሕውነትዊ ሕብረተሰብ ገጽና ክንስጉም ዝሕግዘና እዩ” ብዝብል ተስፋ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 June 2023, 15:40