ድለ

ዙፒ፥ ልሳን መራኸቢ ብዙሓን ቤተ ክርስቲያን ልቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ! ዙፒ፥ ልሳን መራኸቢ ብዙሓን ቤተ ክርስቲያን ልቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ! 

ዙፒ፥ ልሳን መራኸቢ ብዙሓን ቤተ ክርስቲያን ልቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ!

ፍሉይነት ርክብ ቤተ ክርስቲያን “ቋንቋ ልቢ ምዝራብ” ዝብል ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝድለ ዝነበረ ጽገና መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ‘መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ምጽዕዳው ዘይኮነስ፡ ንዅሉ ስርዓት ዳግማይ ንምሕሳብ ዝብል ስጉምቲ ዝምልከት ምዃኑ

“ካብ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ናብ መርበብ ሓበሬታ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣንጀሎ ሸልዞ ዝደረስዋ ዛዕባ ህዳሴ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር መበገሲኡ እትድህስስ መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ዝተሳተፉ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ልሳን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ኣብ ኡክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት’ ደው ንምባል ዝዓዪ ተልእኾ ዝተወሃቦም፥ ብዛዕባ እዚ ዝተወሃቦ ምሓላፍነት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍሉይነት ርክብ ቤተ ክርስቲያን “ቋንቋ ልቢ ምዝራብ” ዝብል ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝድለ ዝነበረ ጽገና መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ‘መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ምጽዕዳው ዘይኮነስ፡ ንዅሉ ስርዓት ዳግማይ ንምሕሳብ ዝብል ስጉምቲ ዝምልከት ምዃኑ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክሽምግሉ ሕላፍነት ዝተረኸቡ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሩፊኒ፥ ርክብ/መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ መሰረት እዩ

ሸልዞ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽኽሪ ዕለታው ጋዜጣ ኣሰናዳኢ፥ ካብታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዛዕባ ዳግመ ውዳበ ኩርያ ሮማና ዝምልከት ካብ ዝደንገግዎ ሕጊ ጀሚሮም ክሳብ ብናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክምራሕ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ዘሎ ኩነታት እትድህስስ መጽሓፍ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግዜን ብዘሎ ዘመናዊ መጋበርይታት ኣቢላ ክትመላለስ ግዴታ ከምዘለዋ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ መራኸቢ ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ ርክብን ሱታፌን ተማላላእቲ እያቶም፥ ዘራኽብ መርበብ ምፍጣር ዝብል እዩ፥ እዚ ኽኣ ኣባላት ሓድሕድና ዝገበር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሎምባርዲ፥ ድርኺት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገዳሲ እዩ

ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፥ “ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ሕዳሴ ከም ዘድልዮ ኩላትና ንፈልጦ ዝነበረ ጉዳይ እዩ፡ እንተኾነ ግን ነዚ መስርሕ ሕዳሴ ንምብጋስ ትብዓት ዝነበሮ ሰብ ኣይነበረን፡ ስለዚ ብዘይ ድርኺት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ሕዳሴ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣይምረኣናን፡ ምስ መገድታት ምዕባለ እደ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ቅዲ ርክብ ነፍሲ ወከፍ ር.ሊ.ጳ. ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ጳጳስ ንሎሚ ዓለም ከመይ ከም ዝቕርብ ዘርእይ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕሉፍን ህልውን መጻእን ቤተ ክርስቲያን ርክብ ዘለዎን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሱር ዘለዎ ምዃኑ ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩን ካልኦት ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተሳተፉ ረፑብሊካ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናን ደራስን ጋብሪኤለ ሮማኞሊ እውን ብወገኖም ነታ ሓዳስ ናይ ሸልዞ መጽሓፍ፥ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ካበይ ጀሚሩ ኣበይ ከም ዝበጸሐን ዝፈጸሞም ሕዳሴታትን እተዘንትው ምዃና ኣብሪሆም” ቤተ ክርስቲያን ርክብ እያ፡ እቲ እተራኽቦ ቃል ድማ “ዝስባእ” እዩ” ምኽንያት ቃል ስጋ ኮነ ዝብል መመርሒ እዩ ስለ ዝኽተል ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዙፒ፥ ዘተ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን እንኮ መገዲ እዩ

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ ኣብ ዩክረይን ዘካየድዎ ምብጻሕን ብዛዕባ ዝቕጽል መድርኽ ማለት ኣብ ሩሲያ ካካይድዎ ዝኾነ ተመሳሳሊ ምብጻሕን ኮታ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እቲ መገዲ ሰላም ንምልላይ ዝግበር ናይ ቅድስቲ መንበር ጻዕሪ ክትግብሩ ካብ ቕዱስነቶም ዝተቐበልዎ ናይ ሸምጋሊ ተልእኾኦም ብዙጥ ጥንቃቔ ዝሓትት ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

14 June 2023, 16:06