ድለ

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ 

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ

ካብ ህዝቢ ኮንጎን ካቶሊካውያን ኮንጎን ብዙሕ ክንመሃር ኣሎና። ብቐዳምነት ኣብኦም ዘሎ ሓጐስ፡ እቲ ኣብ ጎይታ ዘለዎም እምነትን ተስፋን እዚ እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ሱታፌ!

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ደጋፊ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮይኖም ከም እተሳተፉን፡ ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ስቓይን ጸገማትን እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ብሓጎስ ዝነብሩን ምስክርነቶም ሃብታም” ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘለዋ ቅርበት ዝምስክር እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብቲ ኣብ ሉቡምባሺ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ከም ፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ እውን ኣዘኻኪሮም፥ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ኪቩ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎማ ዑደት ከምዘካየዱን ኣብታ ህዝቢ ንዓመታት ብዓመጽን ዕጥቃዊ ግጭታት ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሓይሊ ኤም - 23ን ዝሳቐየላ ሃገር ምብጻሕ ምክያዶም ጸጋን ከምኡ እውን ናይቲ ህዝቢ ፍሱሕ ክርስቲያናዊ ምስክርነትን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ፍሉይ ምትእስሳር ብቐረባ ክዕዘቡ ከምዝኸኣሉ የብርሁ።

ካርዲናል ታግለ ኣብታ ኣብ ሉቡምባሺ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ከም ፍልዩ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሳቲፍኩም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘካየድክምዎ ምብጻሕ ብዛዕባ ህዝቢ ኮንጎን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኮንጎን ዝያዳ ዝመሰጠኩም እንታይ እዩ? ካብ ህዝቢ ኮንጎን ካቶሊካውያን ኮንጎን ብዙሕ ክንመሃር ኣሎና። ብቐዳምነት ኣብኦም ዘሎ ሓጐስ፡ እቲ ኣብ ጎይታ ዘለዎም እምነትን ተስፋን እዚ እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ሱታፌ! ስለዚ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዘሎ እምነት ንመከራ ናብ ሓጎስ ክቕይር ከም ዝኽእል ንመላእ ዓለም ዝመስከረ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ብቐረባ ክርኢ በቒዐ ኢሎም።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ
ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ 2023 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም እዮም፡ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ዘርእዮ ፍረታት ኣሎዶ? እወ! ኣብ ኣእምሮን ልብን ህዝቢ ዝተቐረጸ ዝኽሪ፥ ዓሚቝ ዝኽሪ፡ ከምኡ እውን ህዝቢ ኣብ ህልው ኩነታት ኣብቲ ናይ ቅዱስነቶም መልኽትን ቅርበትን ምጽጋዕ የርእዩን ንብዙሓት ንማሕበራዊ ሰራሕተይናታት ከይተረፈ ቃል ቅዱስ ኣቦና ምንጪ ተስፋ ምዃኑ ብቐረባ ዝረኣይዎ እዩ። ብሓቂ ድማ እተድኣ ጸኒዑ ናብ ዕርቅን ሰላምን ዝወስድ መገዲ ክኸፍት ከም ዝኽእል እቲ ህዝቢ ይሕብር። እዚ እውን ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስማዕክዎ መደረ ዘስመርኩሉ ሓሳብ እዩ ነይሩ። ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ምስ ተራኸብኩ፥ “በጃኹም ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ቁንጣሮ ዝኽሪ ጥራይ ክኸውን ኣይንፍቀድ፡ ናብ ጉስነትን ተልእኾን ንቐይሮ” ከም ዝበሉ እውን ይሕብሩ።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ
ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ

ኣብቲ ብዓመጽን ዕጥቃዊ ግጭትን ኣዚዩ ዝተሃሰየ ዞባ ሰሜን ኪቪ ርእሰ ከተማ ጎማ እውን በጺሕኩም ኢኹም፡ ናይቶም ንጎማ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎታት ዘይነበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ኣብጺሕኩም ኢኹም፡ ናይቲ ዞባ ህዝቢ ንምብጻሕኩም እንታይ ምላሽ ሂቡሉ?  “ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እንተዝህልዉ ብርግጽ እቲ ህዝቢ ኣዚዩ ምተጸናንዐን ምስ ተተባበዐን ነይሩ” ህዝቢ ልክዕ ከም ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ከም ዘሎ እዩ፡ ይኹን እምበር ሃልሃል ዝብል ድላይ ሰላም ከም ዘለዎን ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ይኹን ንግዳዊ ዕላማ ዘለዎ ኢደ ምትእትታው ኵሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ብቐጥታ ናይቲ ዝካየድ ግጭት ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ በዒንቶም ክርእይዎ ተስፋ ንገብር። ምርጫታቶም እውን ክምርምሩ። እቲ ህዝቢ ቁጽሪ ኣይኮነን፡ ደቂ ሰባት እያቶም። ስለዚ ከም ሰብ መጠን ክኽበሩን እዩ ዘለዎም፡ እቲ ህዝቢ ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ተኣማንነት ገሊጾምለይ እዮም። ኣብቲ ዞባ ቅዱስ ኣቦና እቲ ህዝቢ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ዘኽእል ውጥን ግብረ ሰናይ ክረጋገጽ ገይሮም እዮም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ነቲ ዝሰትዮ ማይ - ነቲ ምንጪ ዘለኣለማዊ ማይ ዝኾነ ወንጌል ከም ዘስተውዕልን ቅዱስ ኣቦና ከም ዝዝክርን ርግጸይና እየ።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ
ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ

ከም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ደጋፊ ህየንተ፡ ከም ናይ ኮንጎ ዝኣመሰለት ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ድማ ናይ ኣፍሪቃ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶኡ ብኸመይ ትርእይዎ? ኣብ ኮንጎ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምናልባት ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክንብል ንኽእል፡ ህያው ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ገለ ክፋላት ኣህጉር እዚዮም ውሑዳት እያቶም ኣብ ኮንጎ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ እያ! ብዙሓት መንእሰያት ዘለዉዋ! ዝጽልዩን ዝዝምሩን ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎትን ብመዝሙር ኵለንተናኦም ብውህድ ቅንየት ዘቕርቡ፡ እዚ ድማ ናብ ሲኖዶስን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ሕጂ ኣብ ሲኖዳውነት ዘተኮረትን፡ ነዚ ኪደት እዚ ጸዓት እዩ። ንመላእ ዓለም ክጸልው ተስፋ እገብር። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ብመንፈስ ዲኖዳውነት ማሕበረሰብ ዓለም ካብተን ካብ ኮንጎ ወጻኢ ዘለዋ ከባቢያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጀሚርካ ኣውያት ድኻታት ክሰምዕ ተስፋ እገብር። እዚ ካልኣይ ሲኖዳውነት እዩ፡ ንዓኣቶም ክንርኢ እንኮለና ምስና ዝተኣሳሰሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና ንርኢ፡ ስለዚ ኣካይዳና ምርጫታትና ተግባራትና ኣብ ዘለናዮ ንሃሉ ጽልዋ ከሕድሩን እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ሲኖዳውነት መስርሕ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ
ካርዲናል ታግለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሓሴት መስካሪ
22 June 2023, 15:42