ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መድርኽ ሰላም ባልካን፥ ናይ ርክብ ባህሊ የጉልሑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መድርኽ ሰላም ባልካን፥ ናይ ርክብ ባህሊ የጉልሑ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መድርኽ ሰላም ባልካን፥ ናይ ርክብ ባህሊ የጉልሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ምቕርራብ ሓሳብካ ምግላጽ ምስማዕ ንሓድሕድካ ምርእኣይ” ብዝብል ቃል ኣቢሎም ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር፡ ንሓድሕካ ምፍላጥ ንምርድዳእ ምፍታንን ዘራኽብ ነጥቢ ምድላይን”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዕለት 17 ሰነ ሃገረ ስሎቨኒያ ከተማ ካፖዲስትሪያ ኣብ ዝተኻየደ፥ መድርኽ ዘተን ሰላምን ባልካን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሔራትን ሃይማኖታውያንን ህዝብታት እቲ ዞባ ናይ ዘተን ሰላምን ድልድላት ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ቀዳም ዕለት 17 ሰነ ኣብ ከተማ ካፖዲስትሪያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ መድርኽ ዘተን ሰላምን ባልካን ኣብ ዝስምዕዎ መደረ፥ ንርእሰ ብሔር እታ ሃገርን መራሔ መግንስትን ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታት መራሕትን ሓዊሶም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡን ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዘአንገዱን ኣመስጊኖም ስሎቨንያ መስቀላዊ መገዲ ህዝብታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓለማትን ምስ ከባቢ ባልካን ዝዳወብ ባህልታት እተራኽብ ድልድል ምዃና ኣመልኪቶም፥

ሰላምን ዘተን ወሳኒ እዩ

ብጹዕነቶም ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ካልኦት ዞባታት ዘሎ ወጥሪን ንምእላይ ዝካየድ ንዕዘቦ ዘሎና ዘተን ጻዕሪ ሰላምን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ጻዕርታት እዚ ብፍላይ ኣብቲ ዘሕዝን ውግኣት ዝረኣየሉ ዞባ ባልካን ኣገዳሲ ኮይኑ ግን ከኣ “ኣብ መላእ ዘመንና ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዘርእዩ ፍሉያት ኣብነት” እውን ሸለል ከይበሃል ኣተሓሳሲቦም፡ ታሪኽ ከባቢ ባልካን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት “ምንጪ ሃብቲ” ምዃኑ ይምስክር፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያናትን መስጊድን ምኩራብን ኣብቲ ስነ ህንጻዊ መልክዓት ዝንጸባረቕ ሓቂ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ገበርቲ ሰላም

ብጹዕ ካርዲናል፥ ኢየሱስ “ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እዮም ደቂ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም” ዝበሎ ጠቒሶም፡ ነዚ ኣድማሳዊ ጻውዒት ኣቃልቦ ብምግባር ኩሉ “ኣብቲ ሰፊሕ ዓውዲ ሰላም ክዋፈር”  ምዒዶም፡ ቅድስቲ መንበር ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ካብ ዝኾነ ዓይነት ንዋታዊ ረብሓ ናጻ ዝኾነት ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ንዝፍጠር ግርጭታት ንምሽምጋል ወይ ኣብ ዕርቂ ተጋራጨውቲ ወገናት ንምሕጋዝ ኣብ ዝከኣለሉ መድርኽ ኣበርክቶኣ ከተቅርብ ከም ዝጸዓረትን ሎሚ እውን ትጽዕር ምዃና ገሊጾም፡

ኣብ 1990 ዓ.ም. ምስ ምብትታን ዩጎስላቪያ ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ ዘይሕልለል ድልያ ዘተ ንምትብባዕ ንዘይምርድዳእ ንምእላይ ሓይሊ ምጥቓም ንምንጻግ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዩጎስላቪያ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዳግማይ ንምምስራት ከመይ ጌሩ ጥንቁቕ ጻዕርታት ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ፍትሕን ዝተመሰረተ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኣመንትን መራሕቲ ሃይማኖትን “ኣብታ ትቕልቀል ዘላ ሓዳስ ኤውሮጳ ብሓባር ክነብሩላ ዝተመደበት ዝተፈላለዩ ህዝብታት ናይ ሰላም ሃዋህውን ናይ ርክብ ባህልን ምድላይ ዘተን ሓባራዊ ስጉምትን ከሐይሉ” ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣዘኻኺሮም።

ወፍሪ ንባህሊ ርክብ

ኣብ ልዕሊ ናይ ምግጣም ባህሊ ናይ ምርኻብ ባህሊ ምድንፋዕ ወሳኒ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስሚሮም ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ድማ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ንሰላም ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ምቕርራብ ሓሳብካ ምግላጽ ምስማዕ ንሓድሕድካ ምርእኣይ” ብዝብል ቃል ኣቢሎም ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር፡ ንሓድሕካ ምፍላጥ ንምርድዳእ ምፍታንን ዘራኽብ ነጥቢ ምድላይን” ቢሎም፡ እዚ ኣብ መንጎ ባህልታትን ላቲን ቢዛንታይንን ምስልምናን ዝግበር ዘተ ብፍላይ ንሰላማዊ መጻኢ ባልካን ኣገድሲ ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድልድል ምህናጽ

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብ ዓለም ሕውነትን ሰላምን ንምዕባይ መገዲ ዘርህው ምዃኑ ሓቢሮም፥ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖታት ከይተረፈ ዝረአ ጸገም ጸንፈይናነት ንምእራም ክሕግዝ ይኽእል። ጸንፈይናነትን “መንደቕ ካብ ምቛም ድልድላት ምህናጽ መጻኢ ንምህናጽ ዝያዳ በዳሂ ዕማም ምዃኑ” ኣመልክቶም፡ እንተኾነ ግን እቲ ሰላም ንምምጻእ ዝሕግዝ መገዲ “ድልድል የጠራንፍ ሕብረት ይፈጥር ማዕጾታት ንዘተን ምፍላጥን የርህው።”

መገዲ ሕውነት

ንሰላምን ዘተን ዝግበር ጻዕርታት ብምዝካር፡ መገዲ ኤውሮጳ ኣብ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ዓውድታት ጽገናታት ንምትእትታው ኣብዚ መስርሕ ንምሕያልን ምርግጋእን ብኸመይ ምቹእ ዕድል ከም ዝህብ ኣመላኺቶም፥ ቅድስቲ መንበር ነዚ ባህጊ ብጽቡቕ ከም ኣትጥምቶን ብትሪ ከም ኣትድግፎን ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኤውሮጳ ከም “መገዲ ሕውነት” ገይሮም ከም ዝሓስብዋን ንነባሪ ሰላም መሰረት ንምዝርጋሕ ዝሰርሑ መስረታት ኣበው ዘመናዊት ኤውሮጳ ዘነቓቐሐ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 June 2023, 16:04