ድለ

መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ 

መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ

እቲ ትስዓቱ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 28 መስከረ 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቐረባ ዝሕግዙን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ኩርያ ሮማና ንምሕዳስ ዝግበር ኪደት ንምጽናዕን ንምልላይን ሓላፍነት ዝተዋህቦ

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ትስዓቱ ጉባኤ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዕለት 26 ሰነ ከም ከምእተጀመረን እቲ ትስዓቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ወርሒ መጋቢት ተኣኪቡ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ትሽዓተ ብጹዓን ካርዲናላት ዝሓቁፍ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሕ መጋቢት ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 26 ሰነ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ የካይድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ

ካብ ዕለት 24 – 25 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምኽሪ ተስኣቱ ካርዲናላት መማክረት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓውደ ኣኼባ ምክያዱን ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣብ ሕንጸት ሰላም ግደን ተወፋይነትን ቤተ ክርስቲያን ዝብል ከምኡ እውን “ምልእታ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ንምህናጽ ብሓባር ክትሰርሕ ከምዘለዋን . . . ምድላዋት ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ መወዳእታ እውን ኣተገባብራ እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ ኣብ ገልግሎት ክውዕል ቅዱስነቶም ዝወሰነዎ Praedicate Evangelium - ሁሩ ወመሃሩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ከም ዝመኸረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕዳሴ ኣባላት ትስኣቱ ጉባኤ ካርዲናላት

ኣባላት እቲ ሓድሽ ትስኣቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ብዕለት 7 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ዝተሓደሰ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሃገረ ቫቲካን ናይ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ጉዳያት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ፡ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ፡ ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ፡ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኹዋን ኾሰ መለላ ኦመላ፡ ናይ ኪበብ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ገራልድ ላክሩዋ፡ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ፡ ናይ ሳን ሳልቫዶር ደ ባህያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻን፡ ናይ ክረሲማ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ብኣባልነት ዝሓቁፍ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዋመ ትስዓቱ ጉባኤ መማክርት ካርዲናላት

እቲ ትስዓቱ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 28 መስከረ 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቐረባ ዝሕግዙን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ኩርያ ሮማና ንምሕዳስ ዝግበር ኪደት ንምጽናዕን ንምልላይን ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኮይኑ ዝቖመን ኣብ መወዳእታ እውን Praedicate Evangelium - ሁሩ ወመሃሩ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቅዋም ዘቕረበን እዚ ቅዋም እዚ እውን ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወግዒ ተኣዊጁ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝጀመረን፥ እቲ ትስኣቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ናይ መጀመሪያ ኣኼባኡ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዘካየደ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 June 2023, 16:18