ድለ

ናይ ቅብኢ ስራሕ ደቀባት ኣውስትራሊያ ናይ ቅብኢ ስራሕ ደቀባት ኣውስትራሊያ 

ናይ ኣውስትራሊያ ደቀባት ዓባይ፥ ብምኽንያት ቅነ ዕርቂ ምስ ደቀባት ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ዶክተር ኡንጉንመር ባውማን ኣብ 1950 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኣውስትራሊያ ዝተወልዳ ከም መምህርን ስነ ጥበባዊትን ተሓላቒት መሰላትን ክብርን ደቀባት

ዶክተር ኢንጉንመር ባውማን ዓባይን መምህርን ስነ ጥበባዊትን ተሓላቒት መሰል ደቀባትን ካብ ዕለት 29 ግንቦት - ዕለት 3 ሰነ 2023 ዓ.ም. ብምኽንያት ቅነ ዕርቂ ምስ ደቀባት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይዳን ብዛዕባ እምነትን ምህዳርን ዕርቂ ቤተ ክርስቲያንን ደቀባትን ክመያየጣን ከም ዝኾና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዶክተር ማሪያ ሮስ ኡንጉንመር ባውማን ኣውስታርላዊት ኣባል ደቀባት ኣብዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ዑደት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን፡ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ክራኸባን እምነትን ስነ ምህዳርን ዕርቂ ኣብ መንጎ ደቀባትን ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ እውን መደረ ከስምዓ ከም ዝኾና ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኪያራ ፖሮ ዝሃበኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ”እዘን ሓንቲ ካብቶም ክቡራን ዓበይቲ መራሕቲ ደቀባት ኣውስትራሊያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዑደት ከካይዳ ምዃነን ክገልጽ ሓጎስ ይስምዓኒ” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

ዓባይ መምህር ስነ ጥበባዊትን ተሓላቒትን

ዶክተር ኡንጉንመር ባውማን ኣብ 1950 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኣውስትራሊያ ዝተወልዳ ከም መምህርን ስነ ጥበባዊትን ተሓላቒት መሰላትን ክብርን ደቀባት፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ቀዳመይቲ መምህር ደቀባት ኣውስትራሊያ ንምዃን ከም ዝበቕዓን ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ዳሊ ሪቨር ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ርእሰ መምህር ኮይነን ከም እተመዛን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ 1986 ዓ.ም. ብቅብእን ስእላውን ስነ ጥበብን ኣቢለን መንፈሳውነት ንምዕባል ዝዓለመ ማእከል ስነ ጥበብ “መረአን” ከም ዝመስረታን ምስ ሕጻናት ደቀባት ብቐረባ ብምግልጋል ብስነ ጥበብ ኣቢሎም ምስ ከባቢኦምን ታሪኾምን ምህዳርን ዘለዎም ርክብ ከዕሙቝን ዝሕግዛ ኮይነን ኣብ 2021 ዓ.ም. ካብ መንግስቲ ሃገረን እቲ ዝለዓለ ስልማት ተባሂሉ ዝንገረሉ ብሔራዊ ስልማት ብቕዕቲ ተባሂለን ከም እተሰለማ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምብጻሕ ዶክተር ኡንጉንመር ባውማን

ዶክተር ኡንጉንመር ባውማን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድኦ ምብጻሕ፡ ምስቲ ኣብ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ቅነ ዕርቂ ደቀባትን ሃገረ ኣውስትራሊያን ምስ ዝዝከረሉ እዋን ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ እዚ ድማ ነቲ ናይ ምብጻሕ መደብ ፍልዩ ከም ዝገብሮ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጀካ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድኦ ርክብ፥ ዕለት 30 ግንቦት ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲካን፥ ካብ ባህሊ ደቀባትን እምነት ክርስትናን ዝተወስደ ኣብ ህይወት ደቀባት ዝግለጽን ዝንበርን ባህሊ ዘንጸባርቕ ሰነ ጥበባዊ ስርሐን ከቕርባ ከም ዝኾናን፡ ዕለት 31 ግንቦት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ትምህርትን ባህልን ህየንተ ብጹዕ ኣቡነ ፖል ቲገ ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ክሳተፋን መደረ ከስምዓን ምሸት ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓተ ኣምልኾን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮቸ ንዝኽሪ 50 ዓመት “ስርዓተ ሊጡርጊያ ደቀባት” ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፋን ንጽብሒቱ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ፥ “ኣረኣእያ ደቀባት ኣብ ውሁድ ምህዳር፥ ኣምር ዳዲሪ (ብቛንቋ ደቀባት ትርጉሙ ድማ - ስኒት ምስ ኣድማስን ገዛእ ርእስኻን እዩ)” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ መደረ ከስምዓ ከም ዝኾናን ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ናይቲ 1992 ዓ.ም. ንመሰላት ደቀባት ፍሉይ ሕጋዊ ዓወት ዘማእከለ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍራንክ ብረናን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ኣብ ዘቕርቡሉ ጉባኤ ክሳተፋ ከም ዝኾና ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኪያራ ፖሮ፥  እዚ ምብጻሕ እዚ ንኣውስትራሊያን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ብዙሕ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣረኣእያ ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ቢለን፥ ዶክተር ኡንጉንመር ባውማን ብደቀባት ኣውስትራሊያን ህዝብን ዝኽበራን ከም ኣብነት እውን ዝረኣያን ዝጥቀሳን እየን” ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።

20 May 2023, 16:18