ድለ

ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ፥ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ፥ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ  (Vatican Media)

ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ፥ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ካብ ዕለት 23 – 25 ግንቦት ዝካየድ ጉባኤ፡ “ዘላቒ ልምዓት ኣብ ውሁድ ኩለተናዊ ውሁድ ኣገባብ ትምህርቲ” ዝጸንዕ ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ

ከም ኣካል ናይቲ መደባት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ቅዋመ ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳራ ኣቢያተ ትምህርቲ “ምህዳራዊ ትምህርቲ ከተማታት” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 23 – 25 ግንቦት እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ምስ ናይ ላቲን ኣመሪካ ናይ ልምዓት ባንኪ ብምትሕብባር ንፈለማ ግዜ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘዳለዉን ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ካብ ላቲን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝመጹ ከንቲባታት እውን ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ ምስ ላቲን ኣመሪካ ናይ ልምዓት ባንኪ ብምትሕብባር 50 ከንቲባታት ዘሳትፍ “ምህዳራዊ ትምህርቲ ከተማታት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ፈላማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከአንግድ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ቃል ከስምዑ ትብጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር፡ እቲ ካብ ዕለት 23 – 25 ግንቦት ዝካየድ ጉባኤ፡ “ዘላቒ ልምዓት ኣብ ውሁድ ኩለተናዊ ውሁድ ኣገባብ ትምህርቲ” ዝጸንዕ ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ዝመጹ መንእሰያት “ይሰባህ” ዓዋዲ መልእኽትን “ውሁድ ስነ ምህዳርን” ተወኪሶም ተመክሮታቶም ከካፍሉ ከም ዝኾኑ የመላኽት።

ከንቲባታት ዝተፈላለያ ከተማታት ነቲ ምህዳራዊ ፍልጠት ኣብ ከተማታቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምእንቲ ክኽእሉ ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ማእከል ዝገበረ ህንጸት ክወስዱ ከም ዝኾነነ እዚ እውን ብቐጻልነት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተነቓቐሐ ተመክሮ “ይሴባህ” ዓዋዲ መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ካብ ምሃብ ዝነቐለ ምዃኑን እቲ ዓውደ ጉባኤ ዘቕርቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ከቕርብን እዚ ድማ ከም ኣካል ናይቲ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ቅዋመ ጳጳሳዊ ማሕበር ምትእስሳር ኣቢያተ ትምህርቲ ጽምብል ኮይኑ፡ ኣብቲ ጽምብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣርጀንቲናን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ኣማዞንን ኮሎምቢያን ብምስማዐ ርእየት ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ምዃኖም ናይቲ ማሕበር መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 May 2023, 16:31