ድለ

2023.05.11 ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ዕቃበን ምክንኻንን ስነ ጥበብን ባህልን ኣብነት እያ 2023.05.11 ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ዕቃበን ምክንኻንን ስነ ጥበብን ባህልን ኣብነት እያ  (Twitter @TerzaLoggia)

ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ዕቃበን ምክንኻንን ስነ ጥበብን ባህልን ኣብነት እያ

ንምሕዳስን ምዕቃብን ስነ ጥበባዊ ንዋያት ዝዓለመ ጻዕርታት ነቲ “ንብረት ዝገልጾ ታሪኻውን ባህላውን ሃይማኖታውን ትርጉሙን ክብርታቱ ምዕቃብ” ዕሽሽ ክብሎ ከም ዘይክእል ኣዘኻኺሮም፥ . . .

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ኣብ መኽፈቲ ዛዕባ “ካቴድራላት ኤውሮጳ 2023 ዓ.ም. ማልታ፥ ሚዛን ኣብ መንጎ ዕቃበን መንፈሳውነትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝመክር ዘሎ ዓውደ ኣኼባ፥ “ስነ ጥበባውያን ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ መልእኽታ ናብ ዝርአ ቋንቋ ክትትርጉሞ ወትሩ ይሕግዝዋ” ዝብል ሓሳስብ ዘስመርሉ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ስነ ጥበብን መንፈሳውነትን ዘሎ ኣዚዩ ዓሚቕ ዝምድና” ብምዕቃብን ነቲ ውሱን ደረት ናይቲ “ረባሕታ ግብረኣዊ ምሕደራ” ብምንጽጻርን ባህላዊ ውርሻታት ምዕቃብ” ዝብል ሓሳብ ናይ ዘስምዕዎ መደረ ጽማረ ከም ዝኾነን፥ እዚ ሓሙስ ዕለት 11 ግንቦት ዝጀመረ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ማልታ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፥ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንምሕዳስን ምዕቃብን ስነ ጥበባዊ ንዋያት ዝዓለመ ጻዕርታት ነቲ “ንብረት ዝገልጾ ታሪኻውን ባህላውን ሃይማኖታውን ትርጉሙን ክብርታቱ ምዕቃብ” ዕሽሽ ክብሎ ከም ዘይክእል ኣዘኻኺሮም፥ . . .

ስነ ጥበበይናታትን ስነ ጥበብን ምስ ቅድስና ኣተሓሒዞም ብዛዕባ ውሽጣዊ ድሌታትን ብዛዕባ መንፈሳዊ ድርኺትን መንፈሳዊ ጽምኢ ሰብኣዊ ፍጥረትን ይዛረቡ፥ . . . ከምኡ እውን ኩሎም ዓበይቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት እንኮላይ እቶም ዘይክርስትያን እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ስነ ጥበብ ዓቢ ጽልዋ ከም ዝሕደሩ ገሊጾም፥ ስነ ጥበባውያን “ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ መልእኽታ ናብ ቋንቋ ቅርጽታትን ኣሃዛት ንክትርጉም ሓጊዞምዋ እዮም፡ እዚ ድማ ነቲ ዘይርአ ክትጭብጥ ገይሮምዋ” ቢሎም፥ “ኣምላኽ ኣብ ስነ ጥበብ ወትሩ ተፈጥሮኣዊ መሓዛ ረኺቡ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ “ስለዚ እቲ ኣብ ምዕቃብ እተሰመስረተ ዋጋ ዘለዎ ስነ ፍልጠት ብተፈጥሮኡ ሓደ ዓይነት መንፈሳውነት እዩ ምባል ምግናን ኣይኮነን፡ ከመይሲ ነቲ ዘይጭቡጥን ዘይርአን ስፍሓት ባህላዊ ውርሻና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ድሕሪ ግዜ ንምስፋሕ ዝዓለመ እዩ፡” ብቐዳምነት ኣብዚ ጒዳይ እዚ እታ ቤተ ክርስቲያን ከም “መተባብዕን ሓላውን ቅዱስ ስነ ጥበ” መጠን ዘለዋ መብጽዓ እዩ።

እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ 1962 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኤውርፕጳ ባህላዊ ጉዳያት ዝፈረመቶ ውዕል፡ ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ብዛዕባ ባህላዊ ዕላማታት ኤውሮጳ ዝምልከት ሰነድ ዝፈረመትን ከምኡ እውን ኣብ 1993 ዓ.ም. ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥበባውን ታሪኻውን ውርሻ ንምዕቃብ ዝዓዪ ዝቖመ ሽማግለ ጠቒሶም፡ ኣብ ቫቲካን ኣገዳስነቱ ርዱእ ኮይኑን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲና ንዝተኣከቡ ስነ ጥበባውያን እተዛረብዎ ቃል ዘኪሮም፥ “ኢደ ጥበብኩም ተልእኾኹም ስነ ጥበብኩም ብልክዕ ነቲ ኣብ ሰማያዊ ዓለም ዘሎ መዝገብ ናይ መንፈስ ናትካ ገርካ ብቓላትን ሕብርታትን ቅርጽን ከምኡ እውን ብቓሊሉ ክትረኽቦ እትኽእል ምዃኑ እዩ፡ . . . ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ፥ “ሰኣልቲ ብዝርሖም ኣቢሎም ኣብቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ኢደ ጥበበይናነት ይሳተፉ” ዝበልዎ ጠቒሶም . . . ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓልዮ ባህሊ ውርሻ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊ ቅርስታት ካብቲ ዝዓበየን ክሳብ ዝነኣሰን ዘሎ ዝምልከት እዩ . . .  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም፡ ብኣንጻሩ “ጥበብ ኣብ ልዕሊ ዕደ ጥበባዊ ምሕደራ ትዕቢት ምስ ዝስዕር ሽዑ መስርሕ ባህሊ ምዕቓብ ምስቲ ኪንየው ላዕለዋይ መልእዕ ዝግለጽ ቅዱስ ክውንነት መራኽቦ ይኸውን፡ ከምኡ እውን መስርሕ ምዕቃብ ምስ ምስጢር ናይ ምርኻብ መንፈሳዊ ተመክሮ ይኸውን” ከም ዝበሉን፥ ናይዚ ዕላማ ከኣ “ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ሓባራዊ ንቕሓትን ግብረ ገባዊ ተሃዋስነትን ክህሉ እዩ።” ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ታሓስስ 2013 ዓ.ም. ንናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ዝገለጽዎ፥ “ባህላዊ ውርሻ ስነ ጥበብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምስፋሕ ክዋፈር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥     

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብተወሳኺ ንመጻኢ ወለዶታት ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ፥ “መቓርቦታት ዕቃበ ንዓለም ስነ ጥበብ ከም ተሰካሚ ጽቡቕን ነዚ ጽባቔ እዚ ንምዕቃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምኡ እውን እምንት ንምስፋሕ ምዃኑ፡ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል ውድብ ናይ ቅድቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፥ ዘለዎ ተዋፍነት ምዃኑ ጠቒሶም፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ምስ ታሪኻዊ መልክዓ ምድራዊ ስነ ህንጻውን ኩነታቱን ዝግበር ርክብ ዕሽሽ ክብሎ ዘይክእል ምትሕውዋስ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ክብርታት እዩ . . . ስነ ጥበብ ነቶም ትርጉም ሕይወት ዝደልዩ ናብ መልእኽቲ ወንጌል ንምቕራብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ድሌት ዘለዎ ሰብ ነቲ መንፈስ ንሓቅን ሰናይን ዝኸፍት ፍቕሪ ጽባቄ ንምልዕዓል ዝያዳ ኣድማዒ መሳርሒ ክኸውን እዩ” ዝብል ተስፋኦም ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

12 May 2023, 15:40