ድለ

Fully Present EN

ሕያዋይ ሳምራዊ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ‘ዝነብሩ’ ኣስተንፍሶ ይህብ

ስነ ኣሃዛዊ ተራቆ ሰውራ ብርግጽ ዕድላት ፈጢሩ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ብድሆታት እውን የቕርብ

ናብ ምሉእ ህላወ ዝብል ኣርእስቲ ዝተነብሮ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ ሰነድ ዕለት 29 ግንቦት ወግዓዊ ከም ዝኾነን፡ ብዛዕባ ጽምዶ ሰባት ኣብ ብስነ ኣህዛ ዝተራቀ ዓለም ጉስነታዊ ኣስተንትኖ ዘቕርብ ኮይኑ፥ ንስርዓተ ስነ ህይወት ምህዳር ዝያዳ ሰብኣዊ ክኸውን ዝኽእል ዘተ ንምፍጣር ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ሰነድ ምሉእ ኣርእስቲ“ናብ ምሉእ ህላወ፡ ጉስነታዊ ኣስተንትኖ ኣብ ጽምዶ ማሕበራዊ መራኸቢታት”  ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 29 ግንቦት ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ኮይኑ፡ ዕላማ ናይቲ ሰነድ ኣብቲ ኣብ ዕለታዊ ሰብኣዊ ህይወት ኣካል ህይወት ኮይኑ ኣብ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዎም ተሳትፎ ሓባራዊ ኣስተንትኖ ክህልዎም ዝድግፍን ንምድንፋዕ ዝብል ብምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝተደረኸ ኮይኑ፥ ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ ዓለም እውን “ፈቃራት ጎረባብቲ” ናይ ምዃን ባህሊ ከመይ ጌርካ ከም እነስፍሕ ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ንምጅማር ዕድል ዝህብ እዩ።

ውልቀ ሰባት መብዛሕቲኡ ግዜ ተጠቀምትን ኣህለኽትን ዝኾኑሉ ዓለም፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት በዚ ርእሰ ጉዳይ እዚ እንተድኣ ርኢናዮም፡ እቲ ጉስነታዊ ኣስተንትኖ ኣብ እምነት ዝተመርኮዘ መልሲ የቕርብ፡ እዚ ምላሽ እዚ ድማ ነቲ እንረኽቦ ምልዕዓል ብምልላይን ብምስማዕን ከም ዝጅምር ዘብርህ ኮይኑ። ኣቓልቦ ምስ ናይ ዋንነት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ስምዒት ተደሚሩ ኣብ መወዳእታ ንከባብያዊ ማሕበረሰባት ከሐይል ዝግብኦ መንቀሊ ለዊጢ ክኾኑ ዘኽእሎም ናይ ሓድነት ስምዒት ንምፍጣር መፍትሕ ይሕብር። ብመሃዝነት ፍቕሪ “ኣለምቲ ሕብረት” ብምዃን ኣብ ምትእምማን ግሉጽነት ማዕርነትን ሓቛፍንትን ዝተሃንጹ ሓደስቲ መርኣያታት ክንሓስብ ንኽእል፡ ብቕዲ ኣምላኽ ህልዋት ምዃንን ምስክርነት ምሃብን ክንመሃር ንኽእል።

ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዝተራቀ መጋበርያ ካብ ዝፍጠሩ መጻወዲያታት ምጥንቃቕ

ስነ ኣሃዛዊ ተራቆ ሰውራ ብርግጽ ዕድላት ፈጢሩ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ብድሆታት እውን የቕርብ። እቲ ሰነድ ኣብ “ስነ ኣሃዛዊ ተራቆ መገድታት ክንጓዓዝ እንኰለና ክንርሕቖም ዝግብኣና ሓያሎ መጻወድያታት የነጽር። ካብ ንውልቀ ተጠቀምቲ ካብ ኣህላኽነትን መጠቀሚ ካብ ምዃን ምሕላው ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ ንተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዒላማ ዝገብሩ ወይ ጸንፈይና ባህርያት ዘተባብዑ “ውልቃዊ ቦታታት” ምፍጣር፡ እቲ ብናይ ኣብ መስመር ሃዋህው ዝግበር ጉዕዞ ብዙሓት ዝተገለሉ ዝቐሰሉን ዒላማ ካብ ዝገብር ምጥንቃቕ ከም ዘድልን፡ ንክርስቲያን ማሕበረሰብ ከመይ ጌርና ነቲ ስነ ኣሃዛዊ መጋበርያ ስርዓት ሰነ ህይወታዊ ምህዳር ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝተመስረተ ናይ ምክፋልን ምትሕብባርን ክፍለ ኣካልን ቦታ ክንገብሮ ንኽእል ዝብል ሕቶ የልዕል።

ካብ ንቕሓት ናብ ሓቀይና ርክብ

ኣብ ሃዋሁ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ጎረቤት” ምዃን፡ እቶም ብመርበብ እንረኽቦም ናይ ብሓቂ ሰባት ምዃኖም ንምግንዛብ ዝግበር ኪደት ካብ ናይ ምስማዕ ባህሪ እዩ ዝጅምር። ኣብ “ልዕሊ ዓቐን ሓበሬታ” ዝልለ ሃዋህው እውን እንተኾነ ምስማዕን ናይ ልብን ክፉትነት ካብ ተራ ርድኢት ናይቲ ካልእ ናብ ሓቀይና ርክብ ክንሰጋገር የኽእለና። ነቲ ስነ ኣሃዛዊ ጎረቤትና ከነለልዮ ክንጅምር ንኽእል ኢና፡ ስቓዮም ከም ዝጸልወና ነስተውዕል፣ ሽዑ ዕላማና “ምትእስሳር” ጥራይ ዘይኮነ ሓቀይና ዝምድናታት ዝኾኑን ከባብያዊ ማሕበረሰባት ዘሐይሉን ርክባት ናብ ምሃንጽ ይብጻሕ።

ካብ ርክብ ናብ ማሕበረሰብነት

ኣብ መገዲ “ስነ ኣሃዛዊ ተራቆ መጋበርያ” ጉዕዞና ምስ ካልኦት ወይ ብመንፈስ ዘይምግዳስ ተዓዛብነት ወይ ድማ ብመንፈስ ምትብባዕን ዕርክነትን ክንራኸብ ንኽእል። ኣብዚ ዳሕረዋይ ጉዳይ ንሕና ሓደ ሓደ ግዜ ሕያዋይ ሳምራዊ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ውጉኣት ዝኾንና ነቲ መርዛም ስነ ኣህዛዊ ተራቆ መጋበርያ ሃዋህው ዝፈጥሮ ቁስሊ ንምፍዋስ ክንሕግዝ ክንጅምር ንኽእል ኢና። ኣብዚ ስነ ኣህዛዊ ተራቆ ቦታታት ዳግማይ ክሃንጾን ኣሎና። ምእንቲ ዝያዳ ሰብኣውን ጥዑይን ስፍራ ክኾኑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነዞም ከባቢታት ስነ ኣህዛዊ ተራቆ እዚኣቶም ነቶም ኣብቲ ስጋ ዝኾነ ቃል ዝኣምኑ መተካእታ ዘይብሉ ኣብ ሰብ ንሰብ ዝግበር ርክብ መሰረት ብምግባር ሓቀይና ማሕበረሰባት ንምዕባይ ዝያዳ ዓቕሚ ክህልውም ክንሕግዝ ንኽእል።

ፍሉይ ቅዲ

ክርስቲያን ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፍሉይ ቅዲ የምጽኡ፡ መበገሲኡ ካብቲ ዘፍቅረናን ብቓሉ ብዝተግባሩን ነፍሱን ስጋኡን ምእንታና ዝሃበን ናይ ምክፋል እዩ። ሓቂ ኣብ ሕብረት ከም እትግለጽን ርክብ እውን ካብ ሕበረት ማለት ካብ ፍቕሪ ከም ዝምንጩን ምሂሩና እዩ። ህላወ ክርስቲያን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ዕርክነት ዝፍልፍልን ማሕበረሰብ ዝሃንጽን ሓቀይና ሓበሬታ ብመሃዛዊ መገዲ ዘመሓላልፍ ቅዲ ከንጸባርቕ ይግባእ። እዚ ቅዲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዛንታታት ይጥቀም፡ ስለዚ ክርስቲያን “ኣለምቲ ሕብረት’ ኣብ ዝኾኑ እዋን ብሓላፍነታዊ መገዲ ኣብ መርበብ ጽልዋኡ ንኽስከም እዩ። ኣንጸባራቒ እምበር ግብረ መልሲ ዝህብ ኣይክኸውንን ክብሪ ደቂ ሰባት ዘስፍሑ ንጥፈታትን ተበግሶታትን ኣብ ምዕባይ ድማ ንጡፍ ክኸውን እዩ። ልብና ንኽንከፍት ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽንቅበል እውን ዝሕግዘና ይኸውን።

ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም ምስክር

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክስርስትያን ምህላዎም እውን ምልክት ምስክርነት ንኽህልዎም መታን እዩ፣ ክርስቲያን ኣብኡ ንሓደ ፍርያት ንምሻጥ ወይ ንምቕያር ኣይኮኑን ዘለዉ። እንታይ ደኣ ንምስክርነት እዮም። እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ዝጥርንፈና ሕብረት ንምፍጣር ብቃሎምን ብሕይወቶምን ከረጋግጹ እዮም። ክርስቲያን ንርእሶም ውጉኣት ወይ ሕያዋይ ሳምራዊ ወይ ክልቲኡ ኮይኖም ክረኽቡ ይኽእሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝገብርዎ ጽምዶ ምስ ጎረባብቲ ኣሕዋትና ኣሓትን ህይወቶም ዝምልከቶም፡ ስለዚ ድማ ምስ ጎይታ ምርኻብ ክኸውን ይኽእል፡ በዚ መገዲ እዚ ርክብ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ሱር ዝሰደደ ሓቀይና ናይ ተስፋ ምድሪ ዝሕብር ናይ ውህደት ንእሽቶ ምልክት ዘቕርብ ምዃኑ ብዘብርህ ሓሳብ እቲ ሰነድ ከም ዝጠቓለል ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2023, 09:21