ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓድሽ ኣቦ መንበር 

ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓድሽ ኣቦ መንበር

ሓድሽ ኣቦ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንድኻታትን ተቓላዕትን ብምቕባልን ንምስናይን ኣብ ምግልጋልን ምክልኻልን ግንባር ቀደም እዩ

ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ዝተፈላለያ 162 ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ካብ ዕለት 11 – 16 ግንቦት መበል 22 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ የካይድ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ናይ ዕለት 14 ግንቦት ውዕሎ፥ ሊቀ ጳጳሳት ታርሲሲኡስ ኢሳኦ ኪኩቺ ሓድሽ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ከም ዝሓረየ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጃፓን ናይ ቶኪዮ ሊቀ ጳጳሳት ታርሲሲዩስ ኢሳኦ ኪኩቺ እቲ ካብ ዕለት 11  - 16 ግንቦት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባኡ ዘካድይ ዘሎ “ካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊስ” ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ኣብ ናይ ዕለት 14 ውዕሎ መበል 13 ኣቦ መንበር ንኽኮኑ ከም ዝሓረዮም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቶም ኣብቲ 162 ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤ ዝጥርንፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ” ማሕበር ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ዝሓረዮም ኣብዚ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ከገልግሉ ከም ዝኾኑን፥ ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ብጀካ እዚ ዝተወሃቦም ሓላፍነት፥ ናይቲ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ዝጥርንፍ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ፥ ዋና ጸሓፊ እውን ምዃኖም የመላኽት።

ሕጺር ታሪኽ ህይወት ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዕለት 13 ግንቦት ምሸት ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ፥ ንሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ‘ስለ ምምራጾም ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ፥ ሰናይ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ከም እተመነየን፥ ብጹዕ ኣቡነ ኪኩቺ ካብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ቡካቩ ናይ ተመዛበልቲ መእለዩ ማእከል ከም ወለንተይና ምግልጋል ካብ ዝጀመሩ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ብዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ደረጃ ዘገልግሉ ከም ዝኾኑን፡ ናይቲ ማሕበር መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካ ኣስዒቡ፥ ካብ 1999 – 2004 ዓ.ም. ኣስዒቦም እውን ካብ 2007 – 2022 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጨንፈር ሓላፊ፡ ካብ 2011 – 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት እስያ ዝጥርንፍ ጨንፈር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር፡ ካብ 1999 – 2004 ዓ.ም. ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ከምኡ እውን ካብ 2011 – 2019 ዓ.ም. ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ የመላኽት።

ሓድሽ ኣቦ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንድኻታትን ተቓላዕትን ብምቕባልን ንምስናይን ኣብ ምግልጋልን ምክልኻልን ግንባር ቀደም እዩ፡ ስለዚ ኩሎም ኣባላቱ ነዚ ተልእኾ እዚ ክድግፉን ኣቃልቦኦም ክማርኽን ኣለዎ፡ ከምኡ ኣውን ኣብዚ ተልእኾ እዚ ኩሎም ኣባላት እቲ ማሕበር ብምውህሃድ ክዓዩ ከም ዝዓደሙን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ሊቀ ጳጳሳት ታርሲሲዩስ ኢሳኦ ኪኩቺ ኣብ ጃፓን ከተማ ኢዋተ ዕለት 1 ሕዳር 1958 ዓ.ም. ከም እተወልዱን ኣብ 1985 ዓ.ም. ከም ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ዓቢይ ማሕላ ፍጺሞም ዕለት 15 መጋቢት 1986 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም አቐበሉን ኣብ ጋና ንሸሞንተ ዓመት ከም ዘገልገሉ ኣመላኺቱ፥

ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ጃፓን ሰበኻ ቶክዮ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ኣገልግሎቶም ቅድሚ ምጅማሮም ካብ 2004 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይ ኒጋታ ጳጳስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ የመላኽት።

15 May 2023, 16:19