ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወራር ኲናት ከብቅዕ ይላበዉ! ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወራር ኲናት ከብቅዕ ይላበዉ!  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወራር ኲናት ከብቅዕ ይላበዉ!

ብጹዕነቶም ዕለት 16 ግንቦት ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም ተጋባእያን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታ ኣቕሪቦም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ወራር ከብቅዕን ፍትሓውን ሰላም ንኽረጋገጽ ኤውሮጳ ኣበርቲዓ ክትዓዪ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጹ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣብቲ ኣብ ኣይስላንድ ርእሰ ከተማ ረይክጃቪክ ዝተኻየደ ኣብ ራብዓይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ንቅድስቲ መንበር ወኪሎም ከም እተሳተፉን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤውሮጳ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ንምሕላው ዝጽዕር ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ኤውሮጳ ናይ ቀዋሚ ተዓዛቢ መሰል ከም ዘለዋ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ውጥን ሰላም

ብጹዕነቶም ዕለት 16 ግንቦት ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም ተጋባእያን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ወግዓዊ ኣዋጅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ፥ ነዛ ክፍለ ዓለም ናይ ሰላም ውጥን ቢሉ ከም ዝገልጻ ኣዘኻኺሮም፥ ይኹን እምበር ንቓላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፥ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ “እቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ፖለቲካ ማሕበረሰብን ምድልዳል ብዙሕ ጐናውነትን ካብ ርሑቕ ሕሉፍ ዝርአ ጭንቀት ዝመልኦ ዝኽሪ፥” መሊሱ ክረአ ይገብሮ ኣሎ፡ ስለዚ መራሕቲ ኤውሮጳ፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክንሓስቦ እንከሎና ንሰላም ዝገበር ምህዞኣዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ? ቢልና ክንሓትት ንግደድ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ወሳንን ፍትሓውን ሰላም ኣብ ዩክሬይን

ብተመሳሳሊ መገዲ ኤውሮጳ ነቲ ዝሳቐን ዝመውትን ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ከይትርስዖ ሓደራ ቢሎም፥ “ኣብታ ትሳቐ ዘላ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወራር፡ ሽሉል ምዃን ዝከኣል ኣይኮነን . . . ቅድስቲ መንበር ኣብ መላእ ኤውሮጳን ዓለምን ሰላም ንምስጓም ዝከኣላ ከም እተገብር ድማ ኣረጋጊጾም፡ እዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክሬይን ከማኡ እውን ኣብ ኩለን ካልኦት “ግራጭ ዞባታት” ዝበሃሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ግጭት ኣብቂዑ ፍትሓዊ ሰላም ከነረጋግጽ ዝግብኣና እዋን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

18 May 2023, 16:07