ድለ

UKRAINE VATICAN DIPLOMACY UKRAINE VATICAN DIPLOMACY  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ተልእኾ ግብረ ሰናይ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ የድሊ!

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ብዘመንና ዘይፍለጥ ቅልውላዋት ተሃሳያ ኣላ። ለበዳ ብሰንኪ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመጽእ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ውሕስነት መግብን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጥምየትን ሓደስቲ ግጭታትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ትካል ግብረ ሰናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ካብ ዕለት 11 – 16 ግንቦት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ማሕበር ስለ ዘካይዶ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ሰላም ኣብ ምህንጻ ተወፋይነቱ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብኣዊ ተልእኾ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ትካል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ልዕሊ 160 ዝተፈላለዩ ብቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝሓቁፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ “ምግባረ ሰናይ ሕመረት ህይወት ቤተ ክርስቲያን እዩ” እንክብሉ ኣበጊሶም፥ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ማእከልነት እንከስተንቱ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ተልእኾ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ “ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቓላት ጥራሕ ዘይኮነ ብጭቡጥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝፍቀር ምዃኑ ክስምዖ ዝግበር ብምዃኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ ክልተ ኣገደስቲ መለለዪታት ናይዚ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣስተብሂሎም፥ ቀዳማይ ክንየው ንዋታውን ማሕበራውን ሓገዝ ዝኸይድ እዩ፥ “ምስ ምሉእ ምዃናውነት ሰብ ርክብ ዘለዎን ሰባት ካብ ተመጽዋትነት ተላቒቖም በእጋሮም ደው ንኽብሉ ዝመርሕ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ “ብሓደ መገዲ ዘይኮነስ ምስቶም ዝሕገዙ ሕውነታዊ ርክብ ዝፈጥር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብርሃን ኣብ እዋን ጸልማት

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ብዘመንና ዘይፍለጥ ቅልውላዋት ተሃሳያ ኣላ። ለበዳ ብሰንኪ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመጽእ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ውሕስነት መግብን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጥምየትን ሓደስቲ ግጭታትን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዓመጽን” ዝብሉን ካልኦትን ዘርዚሮም፥ ነዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝመደበሩ ትካል ዝውክሎ “ሰንሰለት ሕውነት” ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣዚዩ ኣገዳስን ህጹጽን ኮይኑ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፥ ብተወሳኺ ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፥ ኣብ ዩክረይን ሃይቲ ሱዳን ማኣከላይ ምብራቕን ካልእን - ኣብ ግምት ብምእታው “ሰላምን ምርድዳእን ኣብ መንጎ ህዝብታት” ንምድንፋዕ ዝውሰድ ስጉምት ‘መሰረታዊ መዳይ’ ምግባረ ሰናይ ኮይኑ ክቕጽል ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊ መንነት

“ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ” ብፍሉይ ካቶሊካዊ ባህርይ ዘለዎ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ብጽዕነቶም፥ “ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ሰብኣውነት ዘማእከለ” እዩ። እዚ ትካላት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዚ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝቖመ ነቲ ድሮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዝፍጸም ዝነበረ ግብረ ሰናይን ናይ ልምዓት ኣገልግሎትን ስፍሕ ዝበለ መሓውር ክወሃብ ዝብል ውሳኔ ምስ ቀረበ ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ስለዚ ብሓቂ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ቅልጽም ኮይኑ ዝሰርሕ ምዃኑን ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መለለዪ ግብረ ሰናይ” ኮይኑ የገልግል ኣሎ ከም ዝበሉ፥ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው “እዚ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንፍሶ ክተባባዕን ኣብኡ ሓይሉን መንነቱን ክረክብ ድማ ኣለዎ” ብምባል ግብረ ሰናይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንነት ማእከላዊ ስፍራ ኣለዎ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥

ቀጺሎም እዚ ስነ መለኮታዊ መንነት ዝግለጸሉ ክልተ መገድታት ኣስተብሂሎም፡ ቀዳማይ ካቶሊካዊ ባህሪ ግብረ ሰናይ፥ ‘መግለጺ ፍቕሪ ክርስቶስ’ ዝብል ምዃኑን እቲ ካልኣይ ድማ፥ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ድምጽን ተሓላቒ ጥዑይ ስነ ሰብእ ራእይን፡ ኣብ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሱር ዝሰደደ ከምኡ እውን ብምሉእ ኵለንታዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ኣብ ምክልኻል ተወፋይነት ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ዝህቦ ምስርክነት ዝርአ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2023, 16:38