ድለ

ንሰላም ዝግበር ፈጠራዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ? ንሰላም ዝግበር ፈጠራዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ?  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ንሰላም ዝግበር ፈጠራዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ?

እሓትት። . . . እወ እቲ መሃዛይ ጻዕርታት ምእንቲ ሰላም ኣበይ ኣሎ? ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክባት ምስቲ ግጭት ንምውጋድ ዝግበር ዘተ ሓድሽን ተባዕን መገዲ ናይ ምሓዝ ዓቕሙ ኣበይ ኣሎ?

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናድኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ ብመሰረት እቲ ክሳብ ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ዘለዉ መበል 41 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ቡዳፐስት ኣብ ዝኣተዉላ ዕለት ምስ ናይታ ሃገር መንግስትን ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን በርገሳውን ማሕበራትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ መደረኦም ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ማእከል ኤውሮጳ ዝኾነትን ምስታ ግዳይ ኲናት ወራር ሩሲያ ዝኾነት ሃገረ ዩክረይን ኣብ እትዳበው ሃገረ ሃንጋሪ ተረኺቦም፥ እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ መዓታዊ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንመራሕቲ ናይተን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ እውን ንሓለፍቲ መንግስታት ኤውሮጳን ናይ መላእ ዓለምን ዝትንክፍ ናብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕልን ዘቕንዔ ሕቶ የቕርቡ።

ቅዱስነቶም ካብቲ ኣብ 1950 ዓ.ም. ብሓደ ካብ መስረትቲ ኣበው ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝኾኑ ሮበርት ሹማን ዘውጽእዎ ኣዋጅ ጠቒሶም፥ “ሓንቲ ቅርጻዊትን ኣገዳሲትን ኤውሮጳ ኣብ ስልጣነ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶ መተካእታ ዘይብሉ ንምዕቃብ ሰላማዊ ዝምድታት እዩ” ምኽንያቱ፥ “ናይ ዓለም ሰላም ብጀካ ምስቲ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ጒዳይ ዝመጣጠን መሃዛዊ ጻዕርታት ውሑስ ክኸውን ስለ ዘይክእል።” ኣብዚ እዋን እዚ “እቲ ሓደጋታት ብሓቂ ብዙሕ እዩ። ብዛዕባ እታ ብኲናት እትሳቐይ ዘላ ዩክረይን እናሓሰቡ፥ “ንሰላም ዝግበር መሃዚ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ? ቢለ ንገዛእ ርእሰይ እሓትት። . . . እወ እቲ መሃዛይ ጻዕርታት ምእንቲ ሰላም ኣበይ ኣሎ? ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክባት ምስቲ ግጭት ንምውጋድ ዝግበር ዘተ ሓድሽን ተባዕን መገዲ ናይ ምሓዝ ዓቕሙ ኣበይ ኣሎ? ነዚ ዝርአ ዘሎ “ኣገባብ ውግእ” ንምስዓር ዘብቅዕ “ኣገባብ ሰላም” ኣበይ ኣሎ?

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ሕቶ፥ መዓታውን ክውንነታውን እውን እዩ፡ መዓታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት ንስነ መጎት ዳግመ ዕጥቅን ኲናትን ኢዳ እትህብ እትመስል ኣብዘላ ኤውርጳ ብዛዕባ ሰላም ተበግሶታት ዘይረኣየላ ብምዃኑ እዩ። ክውንነታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኩሉ ዘዕንው ሰብኣውነት ዘብርስ ኲናት ልሙድ ከይከውን ዘጠንቅቕ ብምዃኑ እዩ።

ቅዱስነቶን እቲ ንሕብረት ኤውሮፓ ዘቕረብዎ ሕቶ ድሕሪ እቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ተወሳኺ ውግእ ከይፍጸም ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሃቦ መልሲ ዘቕርቦ ዓቢ ተስፋ ብውሽጡ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ “ኤውሮጳውነት መንፈስ” ዘሎ ናይቶም መስረትታ ኣበው ኪኖ ዶባት ምጥማት ዝፈልጡ ኣብ ትሕቲ ደወል ሃገራውነት ዘይወደቑን ኣብ ክንዲ ምግምማዕ ብምትእርራም ምድግጋፍ ዝብል ኒሕን ሕልምን ዳግማይ ንምርካብ ዝዕድም ለበዋ እዩ። ሎሚ ኣብ ምዝዛም ዝሑል ኩናት ዝተለዓዓሉ ተስፋታት ክፈርስ ሕልሚ ቅትሪ ኮይኑ ዘሎ ኣቶማዊ ስግኣት ክምለስ ዝርእዩ ዘለዉ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተራእየ መሃዛዊ ጻዕርታት ሰላም ኣበይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ይጽበዩ ኣለዉ እንክብሉ ቶርኔየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንውጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

29 April 2023, 16:01