ድለ

ስሜት ክልተ ሓደስት ጳጳሳት ንቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ስሜት ክልተ ሓደስት ጳጳሳት ንቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ  (AFP or licensors)

ስሜት ክልተ ሓደስት ጳጳሳት ንቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ

ከም ትውፊት እምነት ናብ ምስሪ ዘብጸሐ ሓዋርያ ማርቆስ ምዃኑ ከም ዝንገርን ኣብ ሓደ እዋን ዝበዝሐ ህዝቢ እታ ሃገር ሰዓቢ ቆጵጣዊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምንባሩ ክንገር እንከሎ

ኣባ ቶማስ ፋራጋላን ኣባ ኣዩብ ኣክህኑክህ ኣብ ጥንታዊ ቆጥጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ጳጳሳት ንኽኾኑ ከም እተሰምዩን፥ እዚ ኣብ ምስሪ ናይ እስክንድሪያ ቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝሃብዎ ውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ቶምስ ኡአሳም ዊልሊያን ቦሎስ ፋራጋላ ናይ ኤጳርቅና ኣል ቛስያ ጳጳስ ከምኡ እውን ኣባ ኣዩብ ማታ ኡሳማ ሻፊክ ኣክኑክህ ናይ ኤጳርቅና ኣሲዩት ጳጳስ ኮይኖም ከም እተሰምዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ኣቡነ ፋራጋላ ኣብ ኣል ቛሲያ ኣብ 1967 ዓ.ም. ዝተወልዱ ኣብ ማዓዲ ፓትሪያርካዊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣይትዮም ኣብ 1995 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ዓረብን እንግሊዘይናን ጣልያንን ፈረንሳን ቋንቋታት እውን ዝፈልጡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕ ኣቡነ ኣክህኑክህ ኣብ 1971 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዩት ዝተወልዱን ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅድሚ ምእታዎም ኣብ መንበረ ጥበብ ካይሮ ዛዕባ ስነ ማሕበራዊ ዕዮ መጽናዕቲ ተመራማሪ ኮይኖም ይሰርሑ ከም ዝነበሩን ኣብ 2002 ዓ.ም. ክሂኖም ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ መልቦርንን ስይድነይን ናይ ማሕበረሰብ ቆጵጣዊ ካቶሊካዊ ምእመን ቆሞስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኤጳርቅና ኣሲዩት ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝነበሩን ቋንቋ ዓርብን እንግሊዘይናን ፈረሳን ዝዛረቡ እውን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ቆጵጣዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ

ከም ትውፊት እምነት ናብ ምስሪ ዘብጸሐ ሓዋርያ ማርቆስ ምዃኑ ከም ዝንገርን ኣብ ሓደ እዋን ዝበዝሐ ህዝቢ እታ ሃገር ሰዓቢ ቆጵጣዊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምንባሩ ክንገር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ምስሪ 10 ሚእታዊ ጥራሕ ዝሽፍን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብዚ ዘመናዊ ዘመን ገለ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሮማ ሕብረት ብምፍጣር ቆጵጣዊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስሪ ከም ዘቖሙን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ግብጺ 10 ቆጵጣውያን ካቶሊካውያን ኤጳርቅና ከም ዘሎን ኣብ ወጻኢ እውን ቆጵጣዊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ምእመና

ከም ዘሎ የመላኽት።

01 April 2023, 16:51