ድለ

ቤተ ክርስቲያን ንደቀባት ትከላኸል፥ ‘ጠመቓዊ ትምህርቲ ርኽበት’ ካቶሊካዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን ቤተ ክርስቲያን ንደቀባት ትከላኸል፥ ‘ጠመቓዊ ትምህርቲ ርኽበት’ ካቶሊካዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን  (2022 Getty Images)

ቤተ ክርስቲያን ንደቀባት ትከላኸል፥ ‘ጠመቓዊ ትምህርቲ ርኽበት’ ካቶሊካዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን

“ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቀባት ብምትሕብባር ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ኣዋጅ መሰላት ደቀባት ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ውሳኔ ዘንብሮም መትከላት ሓያሎ ደገፍ ከም ዝገበረት ይሕብር”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፥ እቲ ሕጋውን ፖለቲካውን ‘ሰረተ እምነት- ርኽበት” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓዊሱ ንባህርያዊ ሰብኣዊ መሰላት ደቀባት ኣፍልይጦ ዘይህቡ ኣምር ብወግዒ ንጹግ ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሳላ ምስ ደቀባት ዝግበር ዘተ “ቤተ ክርስትያን ብሰንኪ ምምንዛዕ መሬቶም . . . ከምኡ እውን ብናይቲ እዋን መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ዝሰፍሕን ዝተሓስበን መምርሒ ግዱድ ምውህሃድ ባህልታትን ንምውጋድ ዘስዓበሎም ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን መከራታቶም ዝያዳ ንቕሓት ኣጥርያ እያ፡” ዝብል ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዕባ ባህልን ትምህርትን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንተናዊ ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዕለት 30 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ የረጋግጹ።

እቲ ሰነድ “ጠመቓዊ ትምህርቲ ርኽበት” ልኡላውያን መግዛእቲ መሬታት ደቀባት ካብ ብቑዓት ዋናታቶም ንምምንዛዕ ዘገልግል ህልዩ - “ኣካል ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮነን ኮይኑ ከምዘይፈልጥ” ይገልጽ። ብተወሳኺ እቶም ንመግዛእቲ ሉኣላውያን ገዛእቲ ሃገራት ከም “መሰል” ገይሮም ኣብ ታሪኽ ዝግልጹን ዘቕርቡን ዝነበሩ ናይ ገለ ገለ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኣዋጅ ሰነዳት ፈጺሙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኮይኑ ከም ዘይፈልጡ የረጋግጽ።

እዚ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ንስሓ ጉዕዞ ቢሎም ዝሰመይዎ ናብ ካናዳ ድሕሪ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ሓባር ሰነድ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ነቲ መግዛእቲ ከም መሰል ገይሩ ዘቕርብ ኣተሓሳስባ ከም እትነጽጎ ብንጹር ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ሰነድ፥ “ኣብ መስርሕ ታሪኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዚፍጸም ተግባራት ሓዊስካ ዓመጽን ጭቆናን ማሕበራዊ በደልን ጊልያነትን ኮኒኖም እዮም። ብተወሳኺ ንኽብሪ እቶም ህዝብታት ንምክልኻል፡ ህይወቶም ዝሃቡ ጳጳሳትን ካህናትን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮም ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ማሕበራትን ዓለማውያን ምእመናን ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት የስተብህሉ።” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ብዙሓት ክርስቲያናት ኣብ ልዕሊ ደቀባት እኩይ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይቕሬታ ከም ዝሓተቱ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ የዘኻኽር።

“ብዛዕባ እቲ ‘ሰረተ ትምህርቲ ወይ ዐቂደት - ርኽበት’ ዝበሃል እቲ መግለጺ፥ “ሕጋዊ ኣምር ‘ርኽበት’ ካብ መበል ዓሰርተው ሹዱሽተ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብባዕድውያን ገዛእቲ ሃገራት ብዙሕ ክትዕ ተገይሩሉ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ክፍልፈ ዘመን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ዝነበረ ስነ ፍርዲ ፍሉይ መግለጺ ረኺቡ እዩ። በዚ መሰረት ድም ሰፋሮ መሬት ደቀባት እንተስ ብዕድጊ (ብምዕዳግ) ወይ ብሓይሊ ብምሓዝ ናቶም ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም ዝብል ኣምር ብመሰረት ገለ ምሁራት እዚ “ትምህርቲ ወይ ኣምር” እዚ ኣብ ሓያሎ ጳጳሳዊ ሰነዳት መሰረት ከም ዝረኸበ ይሕብሩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልተ ናይ “ኣዋጅ ሰነድ” ር.ሊ.ጳ. ኒኮላስ ሓምሻይ ኣብ 1452 ደሓር እውን ኣብ 1455 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ ኣለክሳንደር ሻድሻይ ኣብ 1493 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ፥ እዞም ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንገዛእቲ ፖርቱጋልን ስፐይንን ነቲ መበቆላዊ ህዝቢ ብምግዛእ እቲ ግዝኣተ መሬት ናቶም ንብረት ኪገብርዎ ስልጣን ይህቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ እዋጅ እዚ ማዕረ ክብርን መሰላትን ደቀባት ብዚግብኣ ከም ዘይንጸባርቕ ትኣምን ትነጽጎን።

እቲ መግለጺ “እቶም ኣብ ሕቶ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰነዳት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፍሉይ ታሪኽዊ እዋን ዝተጻሕፉን ምስ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዝተኣሳሰሩን ከም መግለጺ እምነት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ተቖጺሮም ከም ዘይፈልጡ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ብንጹር ይሕብር” ይብል። ዝዀነ ዀይኑ ግን “እዞም ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ “ትእዛዝ ሰነዳት” ንማዕረ ክብርን ደቀባት ብግብኡ ዘንጸባርቑ ከም ዘይነበሩ ቤተ ክርስቲያን ትኣምን። እተሓሒዙ ድማ፥ “ትሕዝቶ ናይዞም ሰነዳት ብተነሓናሕቲ መግዛእታዊ ሓይልታት ንፖለቲካዊ ዕላማታት ተታሒዙ ኣብ ሎዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዘይስነ ምግባርዊ ተግባራት ንምምኽናይ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት፡ ብዘይ ተቓውሞ ካብ ቤተ ክርስቲያናዊ ስልጣን ዝተፈጸመ እዩ” ይብል። ስለዚ እተን ክልተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይት ጽሕፈት “ነዚ ጌጋታት እዚ ኣለሊኻ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ናይቲ ናይ ኣሉታዊ መልክዕ ዘለዎ ግብረ ምውህሃድ ንደቀባት ዘስዓበሎም ስቓይ ኣፍልጦ ብምሃብ ይቕረታ ምሕታት” እንክብል የረጋግጽ።

ድሕሪ እዚ እቲ መግለጺ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበለዎ ጠቒሱ፥ “ድሕሪ ሕጂ ክርቲያናዊ ማሕበረሰብ በቲ ሓደ ባህሊ ካብ ካልኦት ከም ዝበልጽ ወይ ናይ መስገድድ ተግባራት ሕጋዊ እዩ ዝብል ሓሳብ ክጽሎ ኣይፈቅድን።” እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ድማ፥ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ብዘየማትእ መገዲ ይድግፍ” ቢሉ፥ “ስለዚ ካቶሊካውያን ነቲ ሕጋውን ፖለቲካዊን ‘ሰረተ እምነት (ዓቂደት) - ርኽበት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ እውን ሓዊስካ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ደቀባት ኣፍልጦ ዘይህብ ኣምር ትንጽጎን ትኽሕዶን፥” ይብል።

እቲ መግለጺ ካብ 1537 ዓ.ም. ናይ ጳውሎስ ስልሳይ፥ “ደቀባት ክሕረሙ ከም ዘይብሎም ብኽብሪ ዝኣወጅዎ ንመሰል ደቀባት ዝድግፍ “ብዙሕን ተደጋጋምን” ኣዋጃት ቤተ ክርስቲያንን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ይዝክር። ካብ ክርስቲያናዊ እምነት ወጻኢ እኳ እተኾኑ ናይ ሓርነቶም ወይ ንብርቶም ምውናን ከምኡ እውን ብናጽነትን ብሕጋውነትን ናጽነቶምን ንብረት ናይ ምውናን ክብርን መሰሎምን ከስተማቕሩ ግብኡን ምዃኑን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ጊላዎት ክኾኑ እውን የብሎምን ይብል።

ኣብ መደምደምታ እቲ መግለጺ ኣብዚ ቀረባ እዋን፥ “ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቀባት ብምትሕብባር ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ኣዋጅ መሰላት ደቀባት ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ውሳኔ ዘንብሮም መትከላት ሓያሎ ደገፍ ከም ዝገበረት ይሕብር።” ወሲኹ ድማ “እቶም መትከላት ምትግባር፡ ንዅነታት መነባብሮ ዘመሓይሽን መሰላት ደቀባት ንምሕላው ዝሕግዝን ከምኡ እውን መንነትምን ቋንቋኦምን ባህሎምን ብዘኽብር መገዲ ኵለንታዊ ምልኡ ሰብኣዊ ዕብየት ክኡል ዝገብር ባይታ የጠዓዕም” ይብል።

31 March 2023, 15:52