ድለ

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መብጽዓኡ ደጊሙ የረጋግጽ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መብጽዓኡ ደጊሙ የረጋግጽ 

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መብጽዓኡ ደጊሙ የረጋግጽ

እቲ ሽማግለ ሓፈሽኣዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ንኸካይድ ይቀራረብ

ኣብ ቀረባ ኣዋን ዝካየድ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣድማዕነት ናይቲ ትካል ዘጠቕልል ጉዳያት ዝድህስስ ምዃኑ ናይቲ ሽማግለ ኣቦ መንበርኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓ ቢሮም፥ ኣስዒቦም እውን፥ “ሓለዋ ህጻናትን ተቓላዕቲ ሰባትን ኣብ ሕመረት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ይቕጽል” ምህላዉ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብጹዕ ካርዲናል  ኦምለይ፥ ኣባ ሃንስ ዞልነር ካብ ናይቲ ሽማግለ ኣባልነት ሓላፍነቶም ብዘለዎም ናይ ስራሕ ጻዕቂ ምኽንያት ብፍቓዶም ከም ዝለቐቑ ድሕሪ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ ካልኣይ መግለጺ ድማ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሽማግለ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ምሉእ ሓፈሻዉ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ ናይ ኣባ ዞልነር ካብ ስልጣኖም ምቃቖም እውን ካብ ዝመኽረሉ ሓደ ኣርእስቲ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ ኣባ ሃንስ ዞልነር ኢየሱሳዊ ካህን ፍሉጥ ክኢላ ኣብ ስነ ሓለዋ ህጻናት ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን መስራትን ኣባልን ናይቲ ሽማግለ ክኾኑ እንከለዉ ዕለት 29 መጋቢት ካብ ኣባል ናይቲ ሽማግለ ሓላፍነቶም ክለቁ ሓቲቶም ኣብቲ ባዕሎም ዝሃብዎ መግለጺ “ንናይ ስራሕ ጻዕቅን ከምኡ እውን ናይቲ ሽማግለ መዋቕራውን ተግባራውን ጉዳያቱ ምኽንያት ናይ ኣባልነት ሓላፍነቶም ከረክቡ ከም ዝደረኾም ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ይኹን እምበር ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ንኣድማዕነት እቲ ሽማግለ ተኸላኻሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝፈታተን ብወግዒ ዝሃብዎ መግለጺ ኣይሰማማዓሉን እየ” . . . ንሶም ኮነ ኣነ ይብሉ ብጹዕነቶም ሕጻናትን ተቓላዕቲ ሰባትን ኣብ ሕመረት ተልኾ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ከም ዘሎን እቲ ሽማግለ ነዚ እምነት እዚ ብቐጻሊዝገለጾ ምዃኑን ነዚ ኣረኣእያ እዚ እውን ንካፈሎ ኢና . . . ኣባ ዞልነር ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣማኻሪ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድም ሕጻናት ኮይኖም ምስ ተመዙን ከምኡ እውን ካልእ ዘለዎም ተደራራቢ ሓልፍነት ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ናይቲ ሽማግለ ምልክኻል ሕጻናት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ ኣባልነት ሓላፍነቶም ከረክቡ ከም ዝደረኾም ባዕሎም ከም ዝገለጽዎን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣባ ዞልነር ዘቕረብዎ ተእቐቢሎም ሕቶ ይኹንታ ሂቦም ስለ እቲ ዝሃብዎ ኣገልግሎት እውን ከም ዘመስገንዎም ይሕብሩ።

ኣባ ዞልነር እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ኣኼባ “ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት” ኣብ ምስንዳው ኮነ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ  ሃገራታ እናተንቀሳቐሱ ብዛዕባ “ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት” ኣብ ዝምልከ ጉዳይ ንዝተፈለየ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ህንጸት ድዩ መደባት ኣብ ምሕንጻ ብዙሕ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሰብእ ተቕዋም ሓላፊ እውን እዮም ብሓቂ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ከም ዘለዎም ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ ኣብ ዘረባ እዋን እቲ ሽማግለ ሓፈሽኣዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ንኸካይድ ይቀራረብ ምህላዉ ገሊጾም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ይዛዝሙ።

31 March 2023, 15:42