ድለ

2023.03.06 ፓሮሊን፥ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ምድሓን 2023.03.06 ፓሮሊን፥ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ምድሓን 

ፓሮሊን፥ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ምድሓን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ህላወ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንናይ ደቂ ሰባት ዕብየትን ርክብን ንባህላውን ሃይማኖታውን ዘተ ዕድል እዩ”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንስደተይናታት “ምእንግዳን ምሕጋዝን” ከም ዘድሊ ዘቕርብዎ ጻውዒት መሰረት “መንበር እንግዶት” ብዝብል መርሕ ሓሳብ ዝተበገሰ መደብ ሕንጸት መሪቖም ንኸበገሱ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ምስ ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፥ መንግስታት ዛዕባ ስደተይናታት ናይ ምቕባል ጒዳይ ዝምልከት ዋሕዚ ስደተይናታት ስሩዕን ውሑስን መታን ኪኸውን መምርሕታቶም ዳግም ክምልከትዎ ይግባእ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ህላወ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንናይ ደቂ ሰባት ዕብየትን ርክብን ንባህላውን ሃይማኖታውን ዘተ ዕድል እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዘኪሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 5 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ንስደተይናታት “ምቕባልን እንግዶትን” ምቕዳም እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሱ ኣብ ከባቢ ሮማ ከተማ ሳክሮፋኖ “እንግዶትን ምትሕብባርን” ብዝብል መርሕ ቃል ዘበገሶ መደብ ሕንጻት መሪቖም ንኸበግሱ ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምቕባልን እንግዶትን መንፈስ ንምዕባይ ዝተሓደሰ ህርኩት ናይ ሓባር ጻዕሪ የድሊ” ስለዚ ነዚ ጻዕሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገዳሲ ይኸውን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ማሕበር ቤት ሕውነት ዘበገሶ ካብ ዕለት 6 – 10 መጋቢት ዝካየድ መደብ ህንጸት፥ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ሕውነትን ከም ዘደንፍዕን ካብዚ ሓሊፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዕቤት ደቂ ሰባት ንርክብን ዘተን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዕድል እዩ” ከም ዝበሉ ብጹዕነቶም ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።

ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ መስራቒ ሓሳብ ኣብ ግምት ምእታው

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ መደብ ህንጸት ንኸበግሱ ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ፥ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ዕለት 26 ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣሊያ - ከተማ ኩትሮ ዘጋጠመ ሞት 71 ስደተይናታት ዘኪሮም፥ “እቲ ዘጋጠሞ ሞት ንኹሉ ሰብ ዘናወጸ ሃገራት ዝኽተልኦ ስደተይናታት ናይ መመሓደሪ ዘለወን ስርዓተ ሕጊ ዳግማይ ክሓስባሉ ብርቱዕ ጻውዒት እዩ” ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ስርዓተ ሕጊ ዳግም ንምምልካት ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም መስራቒ ሓሳብ ኣቕሪባ እያ” ኢሎም፥

ብዛዕባ ስደት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህሉ ኣለዎ

ኣብ “ጉዕዞታት ተስፋ” ንዝርከቡ ስደተይናታት ከጋጥምን ዝኽእል ተወሳኺ ስቓይን መከራን ንምክልኻል እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ብመሰረት ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንበር፥ “ስደት ውሑስ መታን ክኸውን ዋሕዝታት ስደተይናታት ስሩዕ ምግባር የድሊ፡” ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህሉ ኣለዎም፥ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ሕማቕ ኣጋጣሚ እናተገብረ ስለ ዝንገር እዚ ከኣ ብፍርሒ ክትዕብለል ዝገብር ኣረኣእያ እዩ። ስለዚህ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝመጹሉ ኩነታትን ናይቲ ስደተይናታት ዝኣተውለን ሃገራት ህብረተሰብ ዝረኽቦ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእትው ኣቀባብላ የድልየና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድሚ ኵሉ ኣብ ባሕሪ እውን ይኹን ህይወት ሰብ ምድሓን!

ቅዱስ ኣቦና ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ነቶም ኣልቦ ስነ ምግባር ዝኾኑ ዘካየድዎ ንግድ ደቂ ሰባት” ደው ክብልን ካብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር እዚ ዝረብሑን ኣውጊዞም ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ደብ ክብል” ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፥ ከምቲ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ኣድሕን ህይወት ማሕበራት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ንሓደጋ ዝቃልዑ ስደተይናታት ንምድሓን ዝገብርኦ ጻዕሪ ግምት ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ክህሉ ኣለዎ፥ ምኽንያት ቅድስቲ መንበር “ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ እውን እቲ ዘገድስ ሕይወት ሰብ ምድሓን” ዝብል መርገጺ ስለ ዘለዋ” እዚ እዩ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዘለዎ።

ፍርሒ ዓቢ ተጻይ እንግዶት እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ፓርሊን እቲ “እንግዶትን ምትሕግጋዝን” ዝብል መደብ ህንጸት ንኸበገሱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ዕለት 26 ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኩትሮ ዘጋጠመ መዓት ዳግማይ ብምዝካር፡ ሕማቕ ዕድል እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ብሓቂ “ንሕልናና መጠንቀቕታ ኮይኑ ኣብ ዘይምግዳስን ፍርሒን ተዓጺና ክንተርፍ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን፡ ፍርሒ ዓቢ ጸላኢ እንግዶት እዩ። ስለዚ እቲ ዝተበገሰ መደብ ሕንጸት ነቲ ናይ ፍርሒ ስምዒት ንምፍራስ ዝሕግዝ ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “ብሓድሽ ተወፋይነትን ናብ ሓድሽ ሓላፍነትን ኣብ ምልላይ ጭቡጥ መገድታት ተረባሕነት እንተ ዘይተሰግረ ክቢድ ሓደጋታት ክህሉ እዩ እንክብሉ ኣጉሊሖም፡ ከምኡ እውን ኣገባባት ሓበሬታን . . . ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ርእይቶ ሓድሽ ዝንባለታት ክፈጥር ዝድርኽ መደብ ሕንጸት ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ዛዕባ እንግዶት ኣአንጋዲ ምዃኑ ዘለዎ መርትዖ የረጋግጽ

እቲ መደብ ህንጸት፥ “ንህጹጽ ኣድላይነት ክንክንን ተሃዋስነትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክህሉ ዘኽእል መገዲ ኣብ ምውዳብን ከምኡ እውን ብእምነትን ጸሎትን ኣብዚ መዳይ ጭቡጥ ኣገልግት ንምቕራብ ፍልዩ መገዲ ንኽልለይ ይሕግዝ” ምኽንያቱ “ኣቀባብላ ኣጋይሽ ብርግጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተቕርቦ ናይ ቀለም ትምህርቲ ክኸውን ኣይክእልን፥ እንታይ ደኣ ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዛዕባ እንግዶት ተቐባሊ ኣእንጋዲ ምዃን ዘለዎ መርትዖ ከቕርበልና ይኽእል። እቲ መደብ ሕንጸት ብልብን ብእምነትን ብስምዒትን ኣድማሳዊ ሕውነት ብዝሓስብ ንጥፈትን ባህርን ምትሕግጋዝ ምኽንያት ብዝበርህ ጎድኑ ንጹር ክኸውን ንምሕጋዝ ዝዓለመ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ክቡር ናብራ ክነብር መሰሉ እዩ

“ሰላም ዝዓሰሎ ዝተዓረቐን ዓለም ንምህናጽ ሎሚ ካብ ቀደም ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጻን ክቡርን ህይወት ናይ ምንባር መሰሉ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኵላዊ ሕውነት መተካእታ ዘይብሉ ዓሚቑ መሰረት ምቕባልን ምእንጋድን ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኣብ ሃገርካ ዘይከኣል እንተኮይኑ ነቲ ክቡር ናብራ ናይ ምንባር መሰል ውሑስ ንምግባር ዝስደዱ እቲ ምዕቡል ዓለም ዝበሃልን ህዝብታቱን ናይ ምቕባልን ምእንጋድን ኣመለኻኽታ ከዕቢ ይሕግዝ። እዚ እውን ነቲ ሎሚ ኣዚዩ ህጹጽ ዝኾነ ዘተ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘማዕብል እውን እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

07 March 2023, 15:54