ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ካቻ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤለ ካቻ 

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እናወሰኸ ይኸድ ኣሎ!

መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ውሳነ 1325 ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፥ “ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ “ንፍሉይ ድሌታት ኣብ ግጭት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምክልኻልን ምፍታሕን ግጭት ዘለወን ግደ . . .

ኣብ ኔው ዮርክ ዋና መንበር ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት 1325 ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ውሳኔ ኣማእኪሉ “ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ሰላምን ጸጥታን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ውክልና ሰላም ውክልና ደቂ ኣንስትዮ እናንቆልቆለ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሰላምን ጸጥታን ዘሳልጦ ዕዮ “እቶም ኣብ ንዝኸፍአ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣበርክቶ ዘለዎም መንቀሊታት” ከም ውግእ ጽንፈይናነትን ጸጋታት ንሸመተ ኣጽዋር ውግእን ምውዓል እገዳ እንተድኣ ዘይተገብረሉ ክዕወት ከም ዘይክእል ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪየለ ካቻ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዓመጽ - ጾታዊ ዓመጽ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉን ከምኡ እውን ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላም ከም ዝነከየ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ህልው ኩነታት መርኣያ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ውሳኔ 1325

ዕለት 31 ጥቅምቲ 2000 ዓ.ም. ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምሉእ ድምጺ ዝጸደቐ ውሳኔ 1325 ጽልዋ ኲናት ኣብ ደቂ እናስትዮን ንዘላቒ ሰላም ኣብ ምፍታሕ ግጭት ዘለወን ኣበርክቶን ብግልጺ ዝጠቐሰ ናይ መጀመርታ ስጒምቲ እዩ። እቲ ውሳነ ኣርባዕተ ዕላማታት ዘንብር ኮይኑ እዚ እውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምክልኻል ፍታሕን ግጭትን ዘለወን ኣገዳሲ ተራ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ መስረሕ ዓቃቢ ሰላምን ሃገራዊ ድሕንነትን ዝያዳ ተሳትፎአን ምህላው “ጾታዊ ኣረእያ ምቕባልን ከምኡ እውን ኣብ ዛዕባ መሰልን ክብርን ደቂ ኣንስትዮ ኣባይቲ ጽሕፈት ዝዓዩ ሰራሕተይናታት ምስንዳውን ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት

መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ውሳነ 1325 ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፥ “ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ “ንፍሉይ ድሌታት ኣብ ግጭት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምክልኻልን ምፍታሕን ግጭት ዘለወን ግደ ብኸመይ ብዝበለጸን ግቡእ መልሲ ክንህበሉ እዋናዊ ግቡእና እዩ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም ኣብ ወርሒ ጥሪ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዝወሃቦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ዘለወን ፍሉይ ኣበርክቶ ከቕርባን ቀዳሞት መሻርኽቲ ሰላም ክኾና ይኽእላን እየን፡” እዚ እናሃለወ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መደረኦም፥ “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ይቑጸራ፡ ዓመጽ ግህሰትን ድሩት ተበጻሕነት ትምህርቲ ስራሕ ክንክን ጥዕናን ካልእ መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራትን ከም ዘጋጥመን” ተዓዚቦም፡ ብሰፊሕ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ቅድስቲ መንበር ከምዚ ዓይነት እተሓሕዛ ንደቂ ኣንስትዮ ብምኹናን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን እዋልድን ዘጋጥመን ኩነታት ብስርዓት ደይመደይ ተባሂሉ ብስሩዕ ኣገባብ ረብሓ ትምህርቲ ክኽልከላ ምርኣይ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ናብ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ደቂ ኣንስትዮ “ክሕለዋ ክኽበራ ዋጋ ክወሃበን እንከለዋ ዓማጺ ሕብረተሰብ ናብ ሰላማዊ ሕብረተሰብ ናብ ሰላማዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምቕያር ዘለወን ዓቕሚ ልዕሉ ምዃኑ ይምስከርን ኣብ ግብር እውን ክውዕል መገዲ ምርሃው እዩ ዝኸውን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣዘኻኺሮም “ነዚ ዓቕሚ ናጻ ንምውጻእን ንምጥቓምን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ‘ህይወት ብኸመይ ከም እትፈጥርን ከም እትሕሎን ዝፈልጣ ኣዴታት’ ኣብ መሰርሕ ሰላምን ኣብ ኩሉ መዳያት ‘ፖለቲካዊ ህይወት’ ብዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፋ ዕድላት ከም ዝረኽባን ኣብ መስርሕ ውሳኔታት ግደ ክህልወን ምግባር ግድን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣበርክቶ ዝገብሩ ቀንዲ ረቛሒታት “ግጭት ጥራይ ዘይኮነ - ከም ኣብ ዩክረይን ዘሎ ፍኑፉን ኩናትን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዙሕ ግዜ ዝርሳዕ ግጭታት፡ ኣኽራርነትን ምዝብልናን ጸጋታት ናብ ወጻኢታት ኣጽዋር ምውዓልን ኑክለስያዊ ኣጽዋር ሓዊስካ ሳዕቤናቱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን እዋልድን ዝዓበየ ጽልዋ ኣለዎ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

09 March 2023, 15:47