ድለ

ዶክተር ሩፊኒ፥ ጾታዊ ዓመጽ “ሰብኣውነት ምዕናው እዩ!” ዶክተር ሩፊኒ፥ ጾታዊ ዓመጽ “ሰብኣውነት ምዕናው እዩ!” 

ዶክተር ሩፊኒ፥ ጾታዊ ዓመጽ “ሰብኣውነት ምዕናው እዩ!”

ካልእ ዶክተር ሩፊኒ ዝተንከፍው ሓሳብ፥ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ማርቲን ቡበር ጠቒሶም፥ ኣብ ዓለም ክፍኣት ኣብ ዝገጥመሉ እዋን “ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነት እዚ ‘ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ” ቢልካ ምሕታት ዘይኮነስ . . . “ንሕና ኣበይ ኣለና” ቢልና ክንሓትት

ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት፥ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ዘውጸኦ ወግዓዊ ዝኾኑ ናይ ጸብጻብ ሰነዳት ኣምእኪሉ ዕለት 24 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዕን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ “ኵላትና ተሓተቲ ኢና . . . ኣይነበርኩን ኣይፈለጥኩን” ክንብል እውን ዝከኣል ኣይኮነን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዶክተር ሩፊኒ ኣብቲ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም፥ ናይቲ ከቢድ ገበን ዓቐን ኣስሚሮም፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ክፍኣት ብኸመይ ምላሽ ከም ዝወሃቦ ውልቃዊ ኣስተንትኖ ከመ ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጾታዊ ዓመጽን ‘ጥፋኣት ሰብኣውነትን’

ስፍሓት ናይቲ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ብምጉላሕ መደረኦም ዘበገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፥ ነዚ ዓይነት ዓመጽ እዚ “ሰብኣውነት ዘጥፍእ ኣጽዋር” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. 3,293 ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ዓመጽ ከም ዝተመዝገበ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመልክት እንከሎ፡ ይኹን እምበር ብዙሕ ዘይንገርን ዘይምዝገብን ምህላዉን እቲ ቁጽሪ ኣዚዩ ዝለዓለ ከም ዝኾነን ካብ 35 ሺሕ ክሳብ 70 ሺሕ ከም ዝግመት ሓቢሮም፥ መብዛሕቲአን ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዋ ስደተይናታት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመን እየን ዝሕብራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ምስ ግዳያት ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ከም እተራኸቡን ብፍላይ ነተን ግዳያት ወኪለን ብዛዕባ ዝወረደን ጾታዊ ዓመጽ ዝሃበኦ ምስክርነት “ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጠይ የቃልሕ ኣሎ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ክውንነት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እቲ እንኮ ግብኡ መልሲ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ግዳያት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንጾታዊ ዓመጽ ኣደዳ ብቐረባ ምስማዕ ከም ዘድሊ “እውያት ዶሞም ስምዑ (ዘፍ. 4,10 ረኣ)፡ ኣእዛንኩም ክፈቱ ናብቲ ናብ ምልዋጥ ዝጽውዕ ድምጺ ኣምላኽ ናብ ድምጺ ሕልናን ምምላስ . . ። ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉን ኣይፋልን ንዓመጽ ብዘይ እንተ ወይ ግን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

 “ኣበይ ኣለናን”

ካልእ ዶክተር ሩፊኒ ዝተንከፍው ሓሳብ፥ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ማርቲን ቡበር ጠቒሶም፥ ኣብ ዓለም ክፍኣት ኣብ ዝገጥመሉ እዋን “ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነት እዚ ‘ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ” ቢልካ ምሕታት ዘይኮነስ . . .  “ንሕና ኣበይ ኣለና” ቢልና ክንሓትት እዩ ዝግብኣና።

እዛ ሕቶ እዚኣ እግዚኣብሔር ንኣዳም ኣብ ገነት ዝሓተቶ ሕቶ እያ። ነዚ መሰረት ገይሩ ቡበር፥ “ከም ኣዳም ንርእስና ካብታ ሕቶ እቲኣ ንሓብእ፡ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዘስካሕክሕ ክውንነት ዕሽሽ ንብሎ ወይ ከምዘይተርፍ ጌርና ንቕበሎ፥ ዘይተርፍ ቅቡል ቢልና ንርእዮ። እዚ ግን መልሲ ክኸውን ኣይክእልን ምኽንያቱ “ኵላትና ኢና ተሓተቲ . . . ኣብኡ ኣይነበርኩን ኣይወዓልክዎን ኣይፈለጥኵን ክንብል ኣብ ዘይንኽእለሉ ኣዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ስለዚ ንኽፋኣት ከም ዝፈልጥዎን ዘለልይዎን ከመይ ጌሮም ከም ዝኹንንዎ ዝፈልጡ ብሓይሊ ጽቡቕ ነቲ ክፍኣት ዝቃለሱ ውልቀ ሰባት ክንከው ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ተዋሰእቲ እምነት

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡከ መግንስቲ ክሪስ ትሮት ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ዘተ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መራሕቲ እምነት ኣብ ምምካት ጾታዊ ዓመጽ ክጻወትዎ ዝኽእሉ ወሳኒ ግደ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፥ “ነቲ ኣብ ግጭት ንዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምምኽናይ ዝጥቀሙሉ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝህብዎ ጉዳኢ ግጉይ ትርጉም ከፍርስዎ ይኽእሉ እዮም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ፖለቲከይናታት ንላዕሊ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ደው ክብል ኣብ ምሕታት ንሕልና ከነቓቕሑ ይክእሉ፡ ከምኡ እውን ነቲ ብዙሕ ግዜ ብህይወት ዝደሓኑን ነቲ ዘጓነፎም ብርቱዕ ስቓይ ክርስዑ ዘይኮነስ ካብቲ እቲ ስቓይ ከስዕቦ ዝኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት ጸቕጢ ክፍወሱ ይኽእሉ፡ ነዚ መሰረት ገይሮም ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስቶም ኣብ ግጭት ግዳያት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘካየድዎ ርክብ ብዘይ እንተን - ግንን ብጽንዓትን ብትብዓትን ኮኒኖም ንኣዳዳ ኣብ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ዓመጽ ዘርኣይዎ ቅርበትን ሓልዮትን ብሓቂ ኣዚዩ ኣገዳስን ኣብነታውን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

25 March 2023, 16:02