ድለ

ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ኣብ ቱርክን ሶርያን ንግድያት ርእደ መሬት ዘሳልጦ ዘሎ መደብ ሓገዝ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ኣብ ቱርክን ሶርያን ንግድያት ርእደ መሬት ዘሳልጦ ዘሎ መደብ ሓገዝ  (AFP or licensors)

ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ኣብ ቱርክን ሶርያን ንግድያት ርእደ መሬት ዘሳልጦ ዘሎ መደብ ሓገዝ

ነቶም ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ንዝተሃስዩ ብምልኡ ልበይ ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ከምኡ እውን ንዝተጎድኡ ኣባላት ስድራ ቤትን ነቶም ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን ጸሎተይ አረጋግጽ፡ ነቲ ህዝቢ ዘሎና ቅርበት ብጭቡጥ ሓገዝ ዝትርጎም ይዅን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬትን ዘስዓቦ ናብ ህይወትን ንብረትን ገዚፍ መጉዳእቲ ዝተሰምዖን ሓዘን ኣብ ዝገልጽሉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓገዝ እተን ሃገራት ክዋፈር ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለው እዋን፡ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ነቶም ግዳያት ጭቡጥ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል መደብ መወል ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቲ ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ንዝተጎድአ ህዝቢ ቱርክን ሶሪያን ቅርበቶም ከም ዝገለጹን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን  መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥

ነቶም ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ንዝተሃስዩ ብምልኡ ልበይ ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ከምኡ እውን ንዝተጎድኡ ኣባላት ስድራ ቤትን ነቶም ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን  ጸሎተይ አረጋግጽ፡ ነቲ ህዝቢ ዘሎና ቅርበት ብጭቡጥ ሓገዝ ዝትርጎም ይዅን

ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዕለት 6 ለካቲት ኣጋ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ ዘጋጠመ ክልተ ርእደ መሬት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህንጻታት ኣፍሪሱን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ሓደጋ ከም ዘቃለዐን፡ ቁጽር ህይወቶም ዝሰኣኑ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ከም ዝበጽሔን ክውስኽ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኣድሕን ህይወት ክሕብር እንከሎ፡ ድሮ እቲ ርእደ መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ካብ ቱርክን ሶሪያን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣብ ቱርክ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማረክ ሶልችይስንኪን ኣብ ሶሪያ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪን ከም ዘመሓላለፉን፥ ልዑል ፈጣሪ ጽንዓት ክህቦምን መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ የዘኻኽር።

ሓገዝ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ

እቲ ርእደ መሬት ኣብ ዝተኸስተሉ ዕለት ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ንግዳያት ክልተኣተን ሃገራት ቅርበቱ ኣረጋጊጹ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ይንቀሳቐስ ምህላውን ሰኑዕ ዕለት 6 ለካቲት ብምኽንያት ርእደ መሬት ኣዕናዊ ክሳራ ንዘጋጠሞም ኣባይቲ ስድራ ቅልጡፍ ረድኤት ንምቕራብ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ጨንፈር ጳጳሳዊ ማሕበር ተልኾ ፍሉይ መደብ መወል ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝቕጽሉ መዓልታት ወሳኒ ክኸውን እዩ

ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ጨንፈር ጳጳሳዊ ተልእኾ ማሕበር ዋና ሓላፊ የኔታ ካይራን ሃሪንግቶን “እቲ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ስፍሓት ዕንወት ንምፍላጥ ግዜ ዘድሊ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቅድሜና ዘለዋ መዓልታት ወሳኒ ከም ዝኾና ተመኮሮታትና ይሕብሮ” ቢሎም፡ እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ በቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዝርከባ ሰበኻታት ኣቢሉ ዘቕርቦ ሓገዝ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ረድኤት ማሕበራት ብምትሕብባር ክሰርሕ ምዃኑ የመላኽት ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ስለዚ እቲ ሓገዝ ብመገዲ ካቶሊካውያን ሰበኻታትን እሙናት መሻርክቲ ትካላት ረድኤትን ኣቢሉ ናብቲ በቲ ኣዕናዊ ፍጻሜ ንዝተጸልወ ናይተን ክልተ ሃገራት ማሕበረሰብ ቅልጡፍን ቀጻልን ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ስቓይ ህዝብታት ንምእላይ ዘድሊ ጸጋታት

ኣማኢት ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ዝእመን ኮይኑ ስራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዞባታትን ንዝተረኽበ ፍርስራስ ብምምርማር ናይ ዝሞቱ ቅጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል እንክሕብሩ፥ የኔታ ሃሪንግተን “ኣ ብዝመጽእ መዓልታት ቁጽሪ ግዳያት ርእደ መሬት ክብ ከም ዝብልን ተስፋና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ብልግሲ ክሳተፉ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ

ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ዝርከባ ጨናፍር ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ነተን ብርእደ መሬት ናይ ዝተጠቕዓ ሃገራት ጳጳሳትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ኣቢሉ እቲ ሓገዝ ብማዕረን ብፍታሓው ኣገባብ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጦም፥ ስለዚህ ምስተን ብርእደ መሬት ዝተሃስያ ሃገራት ቱርክን ሶርያን ምስ ዝርከቡ ጳጳሳት ብቐጥታ ብምርኻብ ክዓዪ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

08 February 2023, 15:11