ድለ

ስደተይናታትን በዓለ ልደትን ስደተይናታትን በዓለ ልደትን  ርእሰ ዓንቀጽ

ስደተይናታትን በዓለ ልደትን

ብዙሓት ካብ ጥሜትን ውግእን ድኽነትን ገዛእ ርእሶም ዘድሕኑሉ ውሑስ ወደብ ንኸናድዩ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ ኮይኑ ዘሎ ባሕሪ መዲትራኒያን እናቋረጹ ዝስደዱ ዘጋጥሞም መከራ ከይንርስዖ

ናይ ዜና ቫቲካንን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ሓንቲ ነዳዲ እተጓዕዝ መርከብ ንኽስደዱ ኣብቲ ናይታ መርከብ መርሒ ዝትረሓብኡ ሰለስተ ስደተይናታት ድሕሪ ዓስርተ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ከም ዝደሓኑ ኣብ ዝተሓበረ ዜና ኣማኣኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ንበዓለ ልደት ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ናይቶም ካብ ናይጀሪያ ነዳዲ ጽዒና ኣብ ዝተበገሰት ኣብ ዴሴታት ካናሪ ወደብ ዝኣተወት መርከብ መርሒ ተጣቢቖም ንኽስደዱ ዝተሓብኡ ሰለስተ ስደተይናታት ድሕሪ እቲ ናይ 11 መዓልቲ ጉዕዞ ከም ዝደሓኑን እዚ ናይዞም ስደተይናታት ታሪኽ ምስ ወቕቲ ምስንዳው ንበዓለ ልደት ዝራኸብ ይመስል።

እዞም ስደተይናታት ኣብታ መርከብ ዝተሓብእሉ ቦታ ንቑርን ማይ ባሕርን ጸሓይን ዝተቓልዒ ብምንባር ነዚ ዅሉ ሰጊሮም ብህይወቶም ክርከቡ ብሓቂ ዘገርም እዩ። እዚ ታሪኽ ናይዞም ስደተይናታት እውን ምስ ዕጫ ናዝራዊት ስድራ ቤት ዝራኸብ እዩ ዝመስል። እቲ እተሰብአ እግዚኣብሔርን ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ሕጻን - እግዚኣብሔር ክቐትልዎ ካብ እተዳለዉ ዕሱባት ሄሮዶስ ንምሕዳን ናብ ምስሪ ንኽስደዱ ዝተገዱን ካብ ቤቶምን መነባብሮኦምን ሃገሮምን ክርሕቑ እሞ ጉዕዞ ስደትን ዘይርግጹነትን ሓደጋታትን ኵሉ ክገጥሙ፡ ህይወት ካብ ሞት ንምድሓን ተጓዒዞም እዮም።

እቶም ሰለስተ ስደተይናታት ኣብታ ዓባይ መጓዓዝያ ነዳዲ መርከብ ተሓቢኦም ንቑርን ማይ ባሕርን ጸሓይን ተቓሊዖም ንኽስደዱ ዝደረኾም ምኽንያት ዘይንፈልጦ ንኸውን፡ ይዅን እምበር ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ ብዙሓት ስደተይናታት ንዅሉ እቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ከጋጥሞም ዝኽእል ዘስካሕክሕ ሓደጋ ሞትን ምጭዋይን ኵሉ ክገጥሙ ዝድርኾም ምኽንያት ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ክንግምት ንኽእል።

እቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ላስ ፓልማስ ሕክምና ከም እተገበረሎምን፥ “ዘይሕጋውያን ተጓዓዝቲ” ብምዃኖም ድማ ናብ ዝመጹላ ሃገሮም ናይጀሪያ ክምስሱ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣብታ መርከብ እንከለዉ ዝነበርዎ ኵነታት ዘርኢ ምስልታት እውን ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑን እዚ እውን ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ህይወትን ታሪኽ ጉዕዞን እንታይ ይመስል ዝሕብርን ብዙሓት ካብ ጥሜትን ውግእን ድኽነትን ገዛእ ርእሶም ዘድሕኑሉ ውሑስ ወደብ ንኸናድዩ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ ኮይኑ ዘሎ ባሕሪ መዲትራኒያን እናቋረጹ ዝስደዱ ዘጋጥሞም መከራ ከይንርስዖ ይላበወና። ናብ ዝመጽሉ ካብ ምስጓግ ኤውሮጳ እንተትቕበሎም ንኣኣቶም ዓብይን ዘይተጸበይዎን ህያብ ልደት ምኾኖም፡ እዚ ሕልሚ እዚ እውን ክውን ንምግባር ስደተይናታት ብምእላይ ክእለቶም ብምትብባዕ ህይወቶም ንኽመርሑ ዝተፈላለየ መደባት ሕንጸት ዘቕርብ ናይ ኢጣሊያ “ናይ መንፈስን ጥበብን ቤት” እተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ምህላዉ ቶርኒየሊ ገሊጾም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

01 December 2022, 15:50