ድለ

መግለጺ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ ቻይና ሰበኻ ዢያንሺ ሽመት ተራዳኢ ጳጳስ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ ቻይና ሰበኻ ዢያንሺ ሽመት ተራዳኢ ጳጳስ  (©WaitforLight - stock.adobe.com)

መግለጺ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ ቻይና ሰበኻ ዢያንሺ ሽመት ተራዳኢ ጳጳስ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝሕደስ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘየኽብር

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቕድስቲ መንበር ኣፍልጦ ኣብ ዘይረኸበ ኣብ ሃገረ ስብከት ዢያንሺ ዝተፈጸመ ብቕድስቲ መንበር ይዅን ዘይተባህለ ተራዳኢ ጳጳስ ናይ ምስያም ስነ ስርዓት “ዘገርምን ዘሕዝንን” እዩ  ዝብል መግለጺ ካብ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝወጸ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ሕዳር ኣብ ቻይና ዞባ ዢያንሺ ኣብ ዝርከብ ካብ ቕድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዘይተወሃቦ ሰበኻ ዢያንሺ ኣባ ጆቫኒ ፐንግ ዋይዦ ተራዳኢ ጳጳስ ንኽኾኑ ተወሲኑን ዝተፈጸመ ናይ ስሜተ ስነ ስረዓትን ቅድስቲ መንበር ከም ዘገረማን ከም ዘሕዘናን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዝተፈጸመ ናይ ስሜተ ጵጵስና ስነ ስርዓት እቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ቻይናን ዘሎ ናይ ዘተ መንፈስን ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝሕደስ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘየኽብር ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንፈለማ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንተወሳኺ ክልተ ዓመት ከም እተሓደሰን ስዒቡ እውን ዕለት 22 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ተሓዲሱ ንኽልተ ዓመት ከም እተናወሐን ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ  መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር እቲ ዝተፈጸመ ስሜት ጵጵስና ከም ዘሕዘናን ተመሳሳሊ ተግባር ከይድገም ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ፡ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ዝምልከት ካብ ዝምልከቶ ስልጣን ግብኡ ሓበሬታ ክወሃባ ትጽበን ንዅሉ እቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ዘተኮረ ኣብ  መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ምክብባር ዝቖመ ናይ ሓባር ዘተ ንምቕጻልን ንቕድሚት ክብል እውን ድላያ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸት ኣፍሊጡ።

28 November 2022, 15:32