ድለ

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ንጽጉማት ብዝበለጸ ንምግልጋል ብሓባር ንዓዪ! ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ንጽጉማት ብዝበለጸ ንምግልጋል ብሓባር ንዓዪ! 

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ንጽጉማት ብዝበለጸ ንምግልጋል ብሓባር ንዓዪ!

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ዘገልግል 162 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝሓቝፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ዞባ ሓለፍትን ኣባላት ሰራሕተይናታትን ዘለዎ

ከም ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሳዕቤን ለውጢ ዅነታት ኣየር ከምኡ እውን ኣዚዩ ከቢድን ኣስፋሕፊሑ ዘሎን ናይ መግቢ ሻቕሎት ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ቅልውላ፡ “ንካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ሃገራዊ ጨናፍር ብምትሕብባር ዘቕርቦ ሓገዝ” ከሐይል ይድርኾ ከም ዘሎን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንህልው ኩነታት ሰብኣው ቅልውላ ዝተኻኸል ኣገልግሎት ናይ ምቕራብ ዓቕሙ ንምሕያል ኣበርቲዑ ከም ዝዓይን “ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ውሽጢ ሓደ ናይ ምሕዳርን ኣተሓሕዛን መጋበርያታት ከነዳሉ ኢና” እንክብሉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት  ዝጥርንፍ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ” ግዚያዊ ዋና ኣመሓዳር ክኾኑ ዝገብር ድሕሪ ዘውጽእዎ እዋጅ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ግዚያዊ ኣመሓዳራ ንኽኾኑ ዝሰመይዎም ዶክተር ፒየር ፍራንቸስኮ ፒነሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ግንቦት 2023 ዓ.ም.

“ብተበግሶን ደገፍን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተተባብዔ ተልእኾ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነቶም ዝደኸዩን ተነቀፍትን ንምግልጋል ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ዝርከቡ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጨንፈር ሰራሕተይናታትን ኣባላትን ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብምትሕብባር ይዓዪ ከም ዘሎ ዝገለጹ ዶክተር ፒነሊ፥ ከም እንዝክሮ፡ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ዘገልግል 162 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝሓቝፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ዞባ ሓለፍትን ኣባላት ሰራሕተይናታትን ዘለዎ ኮይኑ ንዘጋጥሙ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ፒነሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ኣብ ምስናይ እቲ ማሕበር ግደ ካርዲናል ታግለ

ግዚያዊ ዋና ኣመሓዳሪ ካሪታስ ኢንተርንዚዮናሊስ ዶክተር ፒነሊ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ሕዳሴ ኣዋጅ መሰረት ኣብቲ ትካል ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ሕዳሴ ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክተኣታተው ዝገበርዎ ሕዳሴ ክፍሊ እዩ። ኵለን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከባ ተቕዋማትን ማሕበራት ረድኤት ከከም ዕላማአን ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብጭቡጥ መገዲ ምእንቲ ከገልግላ ምትዕርራይ ክህልወን ዝገብር እዩ። ስለዚህ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ኣዋጅ፥  ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓፈሻዊ ባይቶ ንምድላው ክገብሮ ዘለዎ ኪደት ኣብ ግምት ዘእተወ እምበር ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ግጉይ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ስለ ዘሎ ኣይኮነን፡ ስለዚ እዚ ዓይነት በደል ድዩ ወይ ግድፈታት መሰረት ዝገበረ እዩ ዝብል ምጥርጣራት ክህሉ የብሉን፡ እንታይ ደኣ “ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ክንምላለስ” ጻውዒትን “መስርሕ ምስትውዓልን - መምያ” ንኽኸውን ዝዓለመ “ናይ ጥንቁቕን ናጻን መጽናዕቲ ውጽኢት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ኣገዳሲ ግደ ኪህልዎም እዩ ዝበሉ ዶክተር ፒነሊ ኣስዒቦም፥ “ኣብዚ ሓድሽ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ንዘሳልጦ ዕዮ መወከሲ” ከም ዝኾንዎምን እቲ ንሶም ዝህብዎ ድጋፍ ኵሉ “ናይ ካሪታት - ናይ ግብረ ሰናይ ተዋጽኦታት ወይ ክፍለ ኣካል ዝኾነ ኵሉ ኣብዚ ጉዕዞ ሕዳሴ እዚ ንኽሳተፍ ኣዚዩ ክቡር እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

26 November 2022, 15:54